Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ዋጋ

ብነጻ

ምጥላብ ምጉዳል ዋጋ ኣብ መጓዓዝያ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 6 mois

እንታዩ’ዩ ?

ዋጋ ምትሕግጋዝ መጓዓዝያ ብዞባ ኢል-ደ-ፍራንስን ኢል-ደ-ፍራንስ ሞቢተስን (ኣብቲ ዞባ መጓዓዝያ ዘመሓድር) ንትሑት እቶት ዘለዎም ስድራቤታት ዝተጣየሸ ሓገዝ እዩ ። ካብዚ ሓገዝ ክጥቀሙ ንዝኽእሉ ሰባት ካብ 50 ክሳብ 100% ምጉዳል ወጻኢታት መጓዓዝያ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት ድማ ንኣባላት ስድራቤቶም እውን እዩ።



እዚ ምጉዳል እዚ ምስ Navigo Imagine R, Navigo Annuel et Navigo ዝምልከት ኣይኮነን

እዚ ምጉዳል እዚ ከከም ኩነታቱ ኣብ ናቪጎ ፓስ፣ ኣብ ዕድጊ መጽሓፍቲ ትኬት ወይ ድማ ንዝተቐነሰ ዋጋ ትኬት ምጥቃም ዘፍቅድ ክኸውን ይኽእል።


ምፍላጡ ኣገዳሲ! : ካብ ናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ዋጋ ምውሳን ክትጥቀሙ እንተኽኢልኩም ብቐሊሉን ብቕልጡፍን ንምፍላጥ ብኢንተርነት ስሚዩሽን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም : ኣብዚ ጠውቑ። : cliquez ici.

ካብቲ ናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ዋጋ ምውሳን መን ክጥቀም ይኽእል?

  • ነጻ መጓዓዝያ

- ተጠቀምቲ ናይቲ ንጡፍ ምትሕግጋዝ ኣታዊ (RSA)፣ ትሕቲ ሓደ ብኢል-ደ-ፍራንስ ሞቢቲስ ዝተገልጸ ናይ እቶት ናሕሲ፣ ከምኡውን ኣባላት ስድራቤቶም፣

- ካብ ክልቲኡ ፍሉይ ናይ ምትሕግጋዝ ኣበል (ASS)ን ነጻ መመላእታ ናይ ምትሕግጋዝ ጥዕና (CSS)ን ተጠቀምቲ ዝኾኑ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፣

- ናይ ስንክልና ካርድ (CI) ወይ ናይ ምንቅስቓስ ምትእትታው ካርድ (CMI) ዝሓዙ ዘሰንዩ ሰባት፣

- ገዳይም ተጋደልትን ብጾቶምን ናይ ፈረንሳ (ንተወሳኺ ሓበሬታ ici). ኣብዚ ርአ)።

  • 75% ምንካይ

- ተጠቀምቲ ነጻ መመላእታ መድሕን ጥዕና (CSS)ን ኣባላት ስድራቤቶምን፣

- ስራሕ ኣልቦ ሰባት ካብቲ ፍሉይ ናይ ምትሕግጋዝ ኣበል (ASS) ተጠቀምቲ ዝኾኑ ግን ከኣ ካብቲ ነጻ CSS ተጠቀምቲ ዘይኮኑ፣

- ኣባላት ገዛ ንስራሕ ኣልቦ ካብ ነጻ ASSን CSSን ተጠቀምቲ ዝኾኑ።

  • 50% ምንካይ

ተጠቀምቲ ሕክምናዊ ሓገዝ መንግስቲ (AME) ከምኡ’ውን ኣባላት ስድራቤቶም።


ኣገዳሲ!
ካብ ዋጋ ምውሳን ምትሕግጋዝ መጓዓዝያ መን ክጥቀም ከምዝኽእል ዝያዳ ንምርካብ cliquez ici. Transport,cliquez ici.

ምፍላጡ ኣገዳሲ! :

ካብ ዋጋ ምውሳን ምትሕግጋዝ መጓዓዝያ መን ክጥቀም ከምዝኽእል ዝያዳ ንምርካብ cliquez ici.

ከመይ ንገብሮ?

ኩሎም ምስ መመልከቲ ናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ታሪፍ ዝተኣሳሰሩ ስጉምትታት ብኢንተርነት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ SolidaritéTransport.fr ፡ ወይ par téléphone ብተሌፎን ምስ (AST) ምርኻብ ይኽእል እዩ።

ransport peuvent être effectuées en ligne, sur le site SolidaritéTransport.fr, ou bien par téléphone auprès l’Agence solidarité transport (AST).

እገዳሲ
ምፍላጡ ኣገዳሲ!ንዝቐልጠፈ መስርሕ፡ ሕቶኹም ብኢንተርነት ከተቕርቡ ይምከር።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ SolidaritéTransport.fr ምስ ኣተኻ፡“Je fais ma demande en ligne”. ዝብል ብምጥዋቕ መስርሕካ ጀምር። ነቲ ዝቐረበ ኣቀራርባ ኣስተውዕል ድሕሪኡ ኣብቲ “Continuer ዝብል ቁልፊ ጠውቕ።


ምፍላጡ ኣገዳሲ!
ትሕቲ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብ ቀጥታ ብ ነጻ መጓዓዝያ ተጠቀምቲ ይኾኑ። ስለዚ ንዓኣቶም ዝኸውን ናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ታሪፍ መመልከቲ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን።

መጀመርታ ካብቶም ዘለዉ 6 ኣማራጺታት ኩነታትካ ክትመርጽ ኣለካ

  • ተጠቃሚ ናይ AME
  • ተጠቃሚ CSS ብዘይ ፋይናንሳዊ ተሳትፎ
  • ተቐባሊ RSA
  • ተጠቃሚ ኣስ.ኤስ
  • ወናኒ ASSን CSSን ብዘይ ፋይናንሳዊ ተሳትፎ
  • ናይ ስንክልና ካርድ ዝሓዘ
ኣገዳሲ ንምፍላጡ!
ተጠቀምቲ ናይቲ ብ CSS ተጠቀምቲ ንናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ታሪፍ ብቑዓት ኣይኮኑን።

መሰላትካ ኣብኡ ክጽዓኑ ምእንቲ፡ ሕቶኻ ምስ ተረጋገጸ፡ ናይ ናቪጎ መሕለፊ ቁጽሪ ክልተ ግዜ ከተእቱ ኣለካ።


ኣገዳሲ!
passe Navigo ብስምኩም ፣ ኣብ ኢል-ደ-ፍራንስ ናይ መጓዓዝያ ፓኬጅካ ክትጽዕኖ ትኽእል።

መለልዪ ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፡ ኣብ ጸጋም ስእልኹም ተጻሒፉ ኣሎ
እንተዘይብልኩም ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተደኣ ናይ ናቪጎ ፓስ እንተዘይብልኩም ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሕቶ ብኢንተርነት፡ ኣብ ሓደ ትካል ወይ ብፖስታ ክቐርብ ይኽእል።

ገና ናይ ናቪጎ ፓስ እንተዘይብልኩም፡ ምትግባር ናይቲ ናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ታሪፍ ዝነውሐ ግዜ ክወስድ እዩ (ካብ 3 ክሳብ 4 ሰሙን ፍቐድ)።

ንሕቶኻ ከተጽንዕ ምእንቲ፡ ምስ ኩነታትካ ዝተኣሳሰሩ ዝተወሰኑ ደገፍቲ ሰነዳት ከተቕርብ ከድልየካ እዩ፤

  • ቅዳሕ ናይቲ ዓመታዊ ናይ CSS ምስክር ወረቐትኩም ንተጠቀምቲ ነጻ CSS፣
  • ቅዳሕ ናይ AME ካርድ ንተጠቀምቲ AME፣
  • ቅዳሕ ናይቲ ናይ ስንክልና ካርድ ከምኡ እውን ናይ ስንክልና ካርድ ዘለዎም ወነንቲ ናይ ኣድራሻ መረጋገፂ፣
  • ተጠቀምቲ RSA ቁፅሪ ተጠቃሚ CAF ከእትዉ ኣለዎም፣
  • ተጠቀምቲ ASS ቁፅሮም Pôle Emploi ከእትዉ ኣለዎም።

ብዛዕባ ምዕባለ ኩነታት ሕቶኻ ብኢመይል ወይ ብኤስኤምኤስ ክትሕበር ኢኻ። እንተተረጋጊጹ ድማ መሰላትካ ኣብ ናቪጎ ፓስካ ክትጽዕኖ ክትግደድ ኢኻ። ኣብ RATP ወይ SNCF መሸጣ ተርሚናል፣ ኣብ ጣብያ ወይ ጣብያ ክትፅዕኖም ትኽእል ኢኻ።

ክትገብርዎ ዘለኩም ፓስኩም ኣብቲ ኣብቲ መሸጢ ተርሚናል ዝተዳለወሉ ቦታ ምቕማጥ ጥራይ እዩ። ፓስካ ክትጽዕነሉ እትኽእል ስጉምትታት ብቐጥታ ኣብታ ማሽን ክግለጸልካ እዩ።

ኣገዳሲ!
መሰልካ ኣብ ፓስካ ከም ዝተጻዕነ ኣብ ዝኾነ እዋን ክትምርምር ትኽእል ኢኻ። ብቐሊሉ ፓስካ ኣብ ሓደ ተርሚናል ኣቐሚጥካ “Consult the content of my pass” ዝብል ኣማራጺ ምረጽ። ዝርዝር መሰላትካ ኣብቲ ስክሪን ክረአ እዩ

ብድሕሪኡ’ከ ?

ናይ መጓዓዝያ ምትሕግጋዝ ታሪፍ ንምሕዳስ ዘድልዩ ቅድመ ኩነታት እውን ኣብ ኩነታትካ ይምርኮስ፤

  • ንተጠቀምቲ RSA ወይ ASS፡ እቲ Agence solidaire transport ንኣውቶማቲክ ፋይልካ ንናይ መወዳእታ ወርሒ ቅኑዕነት መሰላትካ ይትንትን። ብዛዕባ ሓድሽ ኩነታትካ ብኤስኤምኤስ ወይ ብፖስታ ክትሕበር ኢኻ።
  • ንወነንቲ ናይ ስንክልና ካርድ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ወይ ካርድኻ ምስ ኣኸለ፡ ደገፍቲ ሰነዳትካ ክትሰድድ ኣለካ። ብዛዕባ ሓድሽ ኩነታትካ ብኤስኤምኤስ ወይ ብፖስታ ክትሕበር ኢኻ።
  • ንተጠቀምቲ CSS፡ ብኢንሹራንስ ጥዕና ዝወሃብ እዋናዊ CSS ምስክር ወረቐት ክትህቡ ከድልየኩም እዩ።.

ምፍላጡ ኣገዳሲ!
ደገፍቲ ሰነዳት ዘድልዩ እንተኾይኖም፡ እቲ ኤጀንሲ ብኢመይል ወይ ብፖስታ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናይቲ ሕጂ ዘለካ መሰላት ምዝዛሙ ክሓተካ እዩ።

ሓንሳብ ፣ መሰላትካ ናይ ምጉዳል ዋጋ ኣብ passe Navigoከተሐድስዎ ይግባእ ።

ኣብ ላዕሊ ገጽ

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
omar kokachomar kokachተርጓሚ/ሚት
utilisateur_72712685utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
hichamhichamተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
mariamariaተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት