ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ዝተሓዝአ እዩ
⇒ ንኣብነት፣ ህጹጽሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትሓቱ ዘኽእሉ ምልክታት እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከእሉ
- ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ የማናይ ኣፍ-ልቢ
- ብርቱዕ ኦሞሮድዮ፣ ደም ዝተሓወሶ ውጽኣት
- ምጥፋእ ሃለዋት
- ኣዝዩ ብርቱዕ ረስኒ / ምጉዳል ምስ ዝኣቢ
- ምጽጻል ሓዊ ፣ ኤለክሪክ ምሓዝ
- ዕውልውል ምባልን ፣ ነውጺን ወይ ዘይርዱእ ኩናት ኣእምሮ ምስ ዝኽሰት
- ናይ ምስትንፋስ ጸገም። ናይ ምዝራብም ንኻድን ጸገም ምስ ዝኽሰት
- ዝኾነ ዓይነት ናይ መኪና ሓደጋ (ወላ ብዘይ ቃንዛ)
- ኣብ ኣካላትኩም ዝኣተወ ነገር ምውጻእ ምስ ዝኣቢ
- ኬሚካላዊ ሓደጋ፣ ምምራዝ ወይ ምስማም
- ብ መውደቕቲ ዘጋጥም ማህሰይቲ ዓጽሚ ዓጽሚ
- ካብ ኣለርጅ ዝብገስ ቅጽበታዊ ሕበጥ ኣካላት
- ፍሉይ ቃንዛ ኣብ (ርእሲ፣ ወይ ከብዲ ወዘተ ምዝ ዘጋጥም)
- ፈተነ ነብሰ-ቅትለትን ወዘተን ...
ኣገዳሲ !
እዚ ተርታ ናይ ሓደጋታት ኣብዚ ዝውደእ ኣይኮነን፣ ስለዚ ዝኾነ ዘይልሙድ ጥዕናዊ ኩነታት ምስ ዘጋጥመኩም፣ ከሻሽለኩም ባህትያዊ እዩ።
⇒ እቲ ዘጋጠመ ሕማም፣ እንተደኣ ክሳዕ ክንድቲ ህጹጽ ዘይኮነ ማለት ን ጽባሒቱ ናብ ሓኪም ክትከድልሉ እትኽሉ ኩነታት ምሕማም ወይ እውን (ቀዳመ ሰንበት ክሳብ ዝሓልፍ ክትጽመሙ) ዘኽእለኩም እንተኾይኑ፣ ካብ ናይ ህጹጽ ሕምናይ ምሕታት፣ ከምቲ ልሙድ ማ ሓኪም ቆጸራ ክትወስዱ ይምከር።
ንኣብነት :
- ንነዊሕ መዓልታት ዝመላለስ ወይ ዝጸንሕ ቃንዛ ምስ ዝህልወኩም s
- ናይ ሕክምና ሰርቲፊኬት ወይ እውን ምሕዳስ መዐደግ መድሃኒት ወረቐት ምስ ደድልየኩም
- ክታበት
- ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምንዋሕ ..
⇒ እንተደኣ ኣብ ናብ ኣገለግሎት ህጹጽ ክትከዱ ይግበኣኩምን ኣይግበኣኩምን ምዃኑ ንምፍላጥ ደሊኹም
- እንተደኣ ኣብ ኣዋን ሰኑየ-ሰሉስ ኣሞ ኸኣኣ ቐትሪ ኮይኑ ኮይኑ፣ እሞ ሓኪም እንተደኣ ን ሓ ኪምኩም፣ ብምድዋል ወይ ብኻልእ መገዲ ምኽሪ ሕተቱ።
- ኣንተደኣ ከም ሓኪምኩም ክሕብረኩም ዘይክኢሉ፣ ፣ እንተደኣ ኣብ ፈረንሳ ኴንኩም ናብ ቁጽ 15 (Samu) ኣብ ኤውሮጵ ምስ እትህልዉ ድማ 112 (ህጹጽ ሓደጋ ናይ ኤውሮጳ) ደውሉ፣ ብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ወይ እውን ብኻልእ ቋንቋታት እንታይ ከም ዝገብረኩም ዘሎ ሓብሩ።
- እንተደኣ ናብ ነቑጣ ህጹጽ ሓደጋ ክትከዱ ኮይኑ ዝግበኣኩም
- ወይስ ናብ ሓኩም ኢኹም ክትከዱ ዘለኩም
- ወይውን ኣብ ዘለኹሞ ገዛ፣ ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኴንኩም ክሕብርኹም እዮም
- l ምሸት ወይ'ውን ቀዳመ-ሰንበት ምስ ዝኸውን፣ ከከም ኣኸባቢኹም፣ ከከም ናትይ ጥዕና ኩነታትኩምን፣ ንዝከኣል እንተኾይኑ ተረኛ ሓኻይም ከተዘራርቡ ትትኽእሉ ኢኹም፣
- ተረኛታታ ሓኻይም ሓበሬታ (ብፍላይ ድማ ናይ ዓበይቲ ከተማታት ) ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ. Cliquez ici pour découvrir les maisons médicales à Paris. እቲ ኣገልግሎት ብዘይ ቆጸራ እዩ።
- SOS ሓኻይም (እንተድደኣ ብህጹጽ ሓኪም ክትርእዩ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ፣) እሞ ኣብ ፓሪስን ኣብ ኣከባቢኣ ዘለዋ ደፓርትመንት ማለት : 92, ou 93, ou 94, ኴንኩም እትነብሩ ብ ቁጽሪ ቴለፎም፣ 01 47 07 77 77 ብምድዋል ናይ ገዛ ኣገልግሎት ርኸቡ።