Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትምምሕዳርንምርካብ ኣፍልጦ ኣቐዲዲሙ ንዝንበረኩም ዲፕሎም (ENIC-NARIC)ኤኒክ-ናሪክ

ንምርካብ ኣፍልጦ ኣቐዲዲሙ ንዝንበረኩም ዲፕሎም (ENIC-NARIC)ኤኒክ-ናሪክ

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible , France Education Internationalኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 6 jours

አደኣ ዲፕሎምኩም ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ሃልይኩም እሞ ኣብ ድዩ ኣብ ፈረንሳ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ትደሊ?

ንዲፕሎማኹም ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐት ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይገልጽ፤

  • እቲ ፍሉይ ሞያ
  • እታ ሃገር
  • እቲ ትካል
  • እቲ ዕለት
  • ወግዓዊ ንውሓት ግዜን ዕድላትን ዲፕሎማኻ
  • እቲ ደረጃ ኣብ ስርዓት ፈረንሳ (ደረጃ 3፡ ደረጃ 4 ባካሎሬት፡ ደረጃ 5 Bac +2፡ ደረጃ 6 ወዘተ)።

ማእከል ENIC-NARIC ፈረንሳ፡ ካብ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታት፡ ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ተጠቀምቲ ንኡሳን ወይ ግዝያዊ ሓለዋን ዝቐርብ ሕቶታት ምስክር ወረቐት ከም ቀዳምነትን ብነጻን ይከታተል።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ

ኣብዚ ክፍለጥ ዘልዎጥ፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረኩም ምስክር ወረቐት ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ዝትክእ ኣይኮነን: ኣብ ካልእ ሃገር ዝካየድ መጽናዕትታት ንምርዳእ ዝሕግዝን ደረጃ ዲፕሎማ ወይ ክእለት ዘመልክትን እምበር። ብሳላ እዚ መስርሕ እምበኣር መዐቀኒታት ንነፍሲ ​​ወከፍ ዲፕሎማ ኣብ ፈረንሳ ምስቲ ኣብ መበቆል ሃገር ዘሎ ስርዓት ብምትእስሳር ምስ ዘለወን ትሳንዩ ወግዓዊ ሰነዳ grille de critères (ዲፕሎማ፣ ትራንስክሪፕት፣ ምስክር ወረቐት ስልጠና ወዘተ) መወከሲ ብምግባር ንምግምጋምን ንምንጽጻርን ዘኽእል ምሳኔ ንምሃብ ዘኽእሎ መስርሕ ንምፍጻም እምበር፣ ንምትካእ ኣይኮነን ።

ኣብ ካልእ ሃገር ተማሂርኩም ወይ ዝሰልጠንኩም እንተኾንኩም፡ ኣብ መወዳእታ ግን ወግዓዊ ዲፕሎማ እንተዘይብልካ (ፈተናታት ዘይተወሰደ፡ ዲሰርት ዘይተቐረበ፡ ልምምድ ዘይተረጋገጸ ወዘተ)፡ እቲ ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐት ኣይከኣልን እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማህረ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ዝህብ ምስክር ወረቐት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማሃርካዮ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ዝህብ ምስክር ወረቐት ደረጃ ትምህርትኻ ንምርዳእ ይሕግዘካ (ዋላ ብወግዒ እንተዘይወዳእካዮ)። ነቲ ኮርስ ካብ ባዶ ከይጀመርካ ኣብ ፈረንሳ ትምህርትኻ ክትቅጽል የኽእለካ።

ክፍለጥ ዘለዎ!
እቲ ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማህረ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ዝህብ ምስክር ወረቐትን ወግዓዊ ኮይኑ፡ ሕጋዊ ዋጋ ግን የብሉን ግዴታውን ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ዩኒቨርሲቲን ኩባንያን ነዞም ምስክር ወረቐታት ንምምዝጋብ ወይ ንምቑጻር ክሓትት፣ ክቕበል ወይ ክነጽጎ ነጻ እዩ። ከከም ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዓድኻ ማስተር 2 እንተሃልዩኩም ኣብ ፈረንሳ ማስተር 1 ወይ ማስተር 2 ክትቅበል ትኽእል ኢኻ፡ ኩሉ ግዜ ግን ብቐጥታ ናብ ዶክትሬት ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ኣየነይቲ ዓመት ክትምዝገቡ ከም ዘለኩም ንምፍላጥ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ምስክር ወረቐት ከተመልክቱ ይምከር።


ናይ ዲፕሎማታትኩም ወይ ነጥብታትኩም መርትዖ እንተዘይብልኩም፡ ቅድሚ ካብ ሃገርኩም ምውጻእኩም ክትእክብዎ ስለዘይከኣልኩም ወይ ኣብ እዋን መገሻ ስለዝጠፍኡ፡ ፓስፖርት ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።Passeport européen de qualifications des réfugiés (EQPR).

> ንዝያዳ ሓበሬታ : la fiche Réfugiés.info “Faire une demande de Passeport européen des qualifications des réfugiés (EQPR)”

ከመይ ንገብሮ?

.ማእከል ኤኒክ-ናሪክ ENIC-NARIC ፈረንሳ ንገለ ዲፕሎማታት ክግምግም ኣይክእልን እዩ።

ዲፕሎማኹም ምስ ዝስዕብ እንተኾይኑ ምስክር ወረቐት ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ፤

  • ብ ወግዒ ኣብ ፈረንሳ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብዘለዋ ትካላት ፈረንሳ ዝወሃብ ዲፕሎማ ምርካብምኽኣል
  • እንትደኣ ትሕቲ 200 ሰዓታት ስልጠና ዘለዎም ዲፕሎማታት
  • ዲፕሎማኹም ዘሎ ደረጃ ብቅዓት ቋንቋ ወይ ፈተናታት ብደረጃ ቋንቋ መለክዒ ዘይዳረግ ምስ ዝኸውን( DELF, TOEFL, ዝበሃሉ ሰርቲፊኬታት)
  • ዝተወሰኑ ዲፕሎማታት ኣብ ቁጽጻር ዘለዎም ሞያታት (ዶክተር፣ መሕረሲት፣ ሓኪም ስኒ፣ ፋርማሲስት፣ ጠበቓ ወዘተ) እውን ኣይምልከትን
  • ስለዚ እንተደእ ዲፕሎማኹም ኣብቲ ዝርዝር ዘለዎ ሽግር እንተዘይብሉ እንተዘይሃልዩ “ብቑዕ” እዩ፣ ማለት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ዲፕሎማኹም ቅቡልንምዃን ክሕለፍ ዘለዎ መስርሕ ሞያ ዝምልከቶ እንተኾይኑ

ኣብ እዚ ዝስዕብ cette liste des professions réglementées :

  • እንተደኣ እዚኣ ምልክት ✘ ርኡኹም : ዲፕሎምኩም ኣብ ፍረንሳ ENIC-NARIC ንምርክብ ኣይክእልን እዩ
  • እንተደኣ ✓ : ዲሞልኩም “éligible” (accepté). ወይ ቅቡል እዩ፣ ስለዚ እቲ ሰርቲፊኬት ክትጠልብዎ ትኽእሉ ኢኹም ግን ድማ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኩናታት እቲ ኩነታት ንምፍላጥ እለኩም፣ እንዚ ምግባር ዝስዕብ መስርሕ ተወከሱ
ኣገዳሲ ሓበሬታ !

ንምጥጻሕ ምቁጽጻርን ዘለዎ ሞያ ፍሉይ ክእለት ዝሓትትን/ወይ ድማ ኣብ ሞያዊ ኣካል ክምዝገብ ዘለዎን ሞያ እዩ። ዲፕሎማኹም ኣብ ጽላት ሕክምና ንዝተመሓደረ ሞያ ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ኣብ ፈረንሳ ሞያኻ ከመይ ጌርኩም ከም እትሰርሑ ንምግላጽ ኣብ ረፉጂ ኣንፎ plusieurs fiches sur Réfugiés.info ኣለኩም

ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ዘድልየኩም

ከምኡውን ንዚ l'outil Cybèle du centre ENIC-NARIC France, ንሕቶታትኩም ብኢንተርነት ብ18 ቋንቋታት ዝምልስ ኮይኑ።
ብተወሳኺ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰሉስ ካብ ሰዓት 8፡30 ክሳብ 12:00 ብ 01 70 19 30 31 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን ሰዓት 13፡00 ክሳብ 16፡30

እንተደኣ ናይ ENIC-NARIC ምስክር ወረቐት ንምምልካት፡ እዞም ሰነዳት ብኤሌክትሮኒካዊ ስሪት የድልዩኩም

1. ሰነድኩም ኣመልክቱ :

  • ክህልወኩም ዘለዎ ነገራት መለት ናይ መንነት ሰነድ፡ መንበሪ ወረቐት፡ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምስክር ወረቐት ወዘተ።
  • ከምኡውን መርትዖ ናይ ኩነታትካ: ናይ ሓታቲ ዑቕባ ምስክር ወረቐት: ውሳነ ካብ OFPRA ወይ CNDA ናይ ስደተኛ ደረጃ ዝህብ: ተጠቃሚ ናይ ንኡስ ሓለዋ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ ዝህብ ሰነድ ምስ ዝህልወኩም
  • ናይ መወዳእታ ዲፕሎማ ብመበቆላዊ ቋንቋ (ወይ ናይ ዓወት ወይ ምቕባል ምስክር ወረቐት)
  • ናይ ሰነዳትኩም ኩሉ ትራንስክሪፕት እንተዘይብልኩም ንወግዓዊ ንውሓት ግዜ ትምህርቲ ዘመኽንይ relevés de note ብትካል ዝተውሃበ ምስክር ወረቐት ምሃብ ይከኣል እዩ።
ክፍለጥ ዘለዎ
ኣብ ኦሪጅናል ሰነዳትካ ዘሎ ስም ካብቲ ኣብ ፈረንሳዊ መንነት ወረቐትካ ዘሎ ዝተፈልየ እንተኾይኑ፡ ናይቲ ስም ምቕያር መርትዖ ከተቕርብ ኣለካ።
ንመንነት ሰነዳት ተቐባልነት የብሉን: ቪዛ: ፍቓድ መዘወሪ መኪና: ከምኡውን ካርድ መድሕን ጥዕና።

2. ነዞም ሰነዳት ናብ ፈረንሳ ተርጉምዎም

  • ዲፕሎማ
  • ትራንስክሪፕት ወይ ወግዓዊ መርትዖ ንውሓት መጽናዕቲ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ !

ሰነዳትካ ብቋንቋ ጀርመን፡ እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያንኛ ወይ ፖርቱጋልኛ እንተኾይኑ፡ ወግዓዊ ትርጉም ኣየድልን እዩ። ብኻልእ ቋንቋ እንተሃልዮም ትርጉም ግዴታ እዩ።

ንሓደ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ተርጓሚ (ወግዓውን ኣፍልጦ ዘለዎን) ክትራኸብ ኣለካ፣ cette fiche Réfugiés.info ከመይ ከም ዝኸውን ተወከሱ .

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርዝር ናይቶም ቃለ መሓላ ዝፈጸሙ ተርጐምቲ ካብ ባህላዊ ኣገልግሎት ኤምባሲ ፈረንሳ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

3. ነቶም ሰነዳት ስካን ምግባር

  • ነፍሲ ወከፍ ሰነድ በብሓደ ፡ ብንባብን ብሕብሪን ስካን ክግበር ኣለዎ።
  •  ዓቐን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተስካን ሰነድ ካብ 2 ሜባ ክሓልፍ የብሉን
  • ኣርእስታት ሰነዳት ከምቲ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ሰሌዳ ተገሊጹ ዘሎ ክኸውን ኣለዎ፣ ምስ ስምኩም ዘለዎ።

>ብከመይ ዶክመንት ስካን ይኸውን ኣብዚ ዝስዕብ ረፉጂ ኣንፎ ተወከሱ, voir la fiche Réfugiés.info “Scanner un document”.

  • ናብ sur le site du centre ENIC-NARIC France ብምኻድ (ኣስተውዕሉ ,እዚ ወብሳይት እዚ ዓርቢ ካብ ሰዓታት 17h ክሳብ 12 ይዕጾ እዩ)
  • ኣካውንት ፈጢርካ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ወስኸሉ።
  • ሊንክን ቁጽሪ ፋይልካን ዝሓዘ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ !
ነዚ ቁጽሪ እዚ ብውሑስ መንገዲ ኣቐምጦ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምስ ማእከል ENIC-NARIC ኣብ እትራኸበሉ እዋን ክትህቦ ኣለካ።
  • ኣብቲ ብኢመይል ዝመጸኩም ሊንክ ብምጥዋቕ ምስቲ መርበብ ሓበሬታ ብቀጻሊ ተራኸቡ
  • ነቲ በብ እዋኑ ዝሕተት ሓበሬታ ምልእዎ
  • ኣብቲ ንታሕቲ ዝወርድ ዲፕሎማ ኣመልክቱ። ዲፕሎማኹም ኣብቲ ዝርዝር እንተዘይሃልዩ ምረጹ“ « autre ».” ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ንተደኣ ሓታቲ ዑቕባ፡ ስደተኛ፡ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኾንኩም፡ ኩነታትካ ንምግላጽ ነቲ ክፍሊ ምልኣዮ። እቲ መተግበሪ ካብዞም ኩነታት ሓደ እንተሃልዩካ ብነጻ እዩ። ንኻልኦት ድማ እቲ ክፍሊት €120 (ንመመልከቲ €20፡ እቲ ፋይል እንተተሰሪሑ €100) እዩ።

 ኩሎም ክፍልታት ክምላኡ ኣለዎም: ዝኾነ ሓበሬታ እንተጎዲሉ ናይቲ ሕቶ ብኮምፒተር ምጽዳቕ ይዕገት።

ኩሎም ስጉምትታት ተገሊጾም ኣለዉ ici.

ክፍለጥ ዘለዎ
ኣብ ሓደ መመልከቲ ሓደ ዲፕሎማ ጥራይ ኢኻ ከተመልክት እትኽእል። ካልእ ዲፕሎማ ከተመልክቱ ምስ እትደልዩ፡ ፍሉይ መመልከቲ ከተቕርቡ ኣለኩም።

ኣብ ደረጃ 2 ዝተዘርዘረ ነፍሲ ወከፍ ሰነድ ንምስቃል “ajouter” ጠውቕ፣ ድሕሪኡ ንሕቶኻ ኣረጋግጽ።

ክፍለጥ ዘለዎ
መመልከቲኻ ምሉእ እንተዘይኮይኑ ኣየኖት ሰነዳት ከም ዝጎደሉ ዝሕብር ኢመይል ክመጸካ እዩ።
ሰነዳት ብፖስታ ምልኣኽ ኣይከኣልን፤ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀመሉ ኣለካ።

ኣብዚ ወይ ኣብቲ ቀዳማይ ኢመይል ዘሎ ሊንክ ተጠቒምኩም ici ምዕባለ ሕቶኹም ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ሊንምእታው ቁጽሪ ፋይል ዕለተ ልደት የድልየኩም።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ብሓፈሻ እቲ መልሲ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ከከም ጸገም ናይቲ ፋይል፡ ዞባን ብዝሒ ሕቶታትን 6 ወርሒ ክወስድ ይኽእል።

ሕቶኹም ምስ ተፈጸመ ብኡንብኡ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።

  • እንተደኣ ናይ መመልከቲ ምስክር ወረቐት ናይ ቅቡልነት፣
  • ንውሓት ናይ ግዜ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ዝተረኽበሉ ዝሕብር፣,
  • ወይ ናይ ነጸጌታ ታ ደብዳበ (ኣፍልጦ ዘይብሉ ምምስራት፣ ስእነት ሓበሬታ ወዘተ ክኸውን ይኽእል እዩ)።
ኣገዳሲ ሓበሬታ !

ንሰነዳትኩም ብመልክዕ PDF ምዕቃብን ምምዝጋቡን ኣይትረስዑ፣ ምኽንያቱ ብኢመይል ጥራይ ስለዝለኣኽን እቲ ሊንክ ውሱን ናይ ምጽናሕ ግዜ ምህላዉ ኣስተውዕሉ።

  • ንስራሕ ንምምልካት፡ ምስ ሲቪን CV ናይ ተበግሶ ደብዳቤን ተጠምሉ።
  • ከምኡ እውን ንዩኒቨርሲቲ ወይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምምልካት ክትጥቐምምሉ ይከኣል እዩ።

> ንዝያዳ ሐበሬታ ኣብ ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ወረቐት “Avoir une certification officielle du niveau de français

ቁጽሪ ተሌፎንኩም ወይ ኣድራሻኹም እንተቐይርኩም፡ ናብ ማእከል ENIC-NARIC France ኢመይል ምጽሓፍ ኣይትረስዑ፤
enic-naric@france-education-international.fr, ምስ ሓድሽ ሓበሬታኻን ቁጽሪ ፋይልካን ሒዝካ።

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachተርጓሚ/ሚት
youyouተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
utilisateur_72712685utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
hichamhichamተርጓሚ/ሚት
fatma bouhejbafatma bouhejbaተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት

Liens utiles