Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ምስ CIF-SP Solidaires entre les âges

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ, ዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳA2, B1, B2, C1, C2

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጋዝ ን ንኣረጋውያንን ስንኩላንን

ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 місяці тому

እንታዩ’ዩ ?

እዚኦም ንጥፈታት እዚኣቶም ፣ ንኣረጋውያን ወይ ስንኩላን ንምሕጋዝ ዝግበር ወለንታዊ ተልእኾታት እዮም።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተልእኾታት ኣለዉ፤

  • ፈለማ ናብ ገዛ ናይ ሓደ ኣረጋውያን ወይ ስንኩል ሰብ ምብጻሕ፣ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ወይ ኣብ 15 መዓልታት ሓደ ግዜ፣ ወይ ብተሌፎን ደውሉ።
  • ብምቕጻል ኣብ ቀጽሪ ማሕበር ኣብ ሓባራዊ ንጥፈታት ምስታፍ ወይ ሓደስቲ ንጥፈታት (ናይ ምብሳል ዓውደ መጽናዕቲ፡ ጸወታታት፡ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታት፡ ምጉዓዝ ወዘተ) ሓሳብ ምቕራብ
  • ከምኡውን ንሓደ ኣረጋዊ ወይ ስንኩል ሰብ ናብ ሕክምናዊ ቆጸራ፡ ዕዳጋ ወይ ካልእ መገሻታት ንምውሳድ ውልቃዊ መኪናኻ ምጥቃም
  • ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክእለትን ናይቲ ሰብ ድሌትን መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ምሃብ።
ክፍለጥ ዘለዎ
እቶም ተልእኾታት ከከም ድሌትን ክእለትን ተረባሕነትን ወለንተኛታት ዝተመዓራረዩ እዮም።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ከምኡውን ኣብ ጥቓኻ ዝነብሩ ሰባት ትፋለጥን ጽቡቕ ግዜ ትካፈልን።

በዚ ድማ ርእሰ ተኣማንነትካ እተመሓይሽ ነቶም ዘድልዮም ስንኩላን ኣረጋውያን ብምሕጋዝን ክትፈልጦምን ኢኻ።

ኩሉ ከም ወለንተኛ ዝገበር ተልእኾታት ዝጥቀሰሉ “ናይ ወለንተኛ ፓስፖርት” ንምርካብ ዘኽእል እዩ ። እዚ ሰነድ እዚ፤

  • እዚ ንጥፈት እዚ ክእለትኩም ንምጉላሕን ውህደትኩም ንምርግጋጽን የገልግል፣
  • ከምኡ ውን ኣብ ምድላይ ስራሕ ጠቓሚ ክኸውን።

እቲ ማሕበር ንወለንተኛታት ምስ ተልእኾኦም ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ማለት እርጋን፡ ስንክልና፡ ንጡፍ ምስማዕ፡ ኩነታትን ደረት ወለንታዊ ስራሕን ወዘተ ብነጻ ስልጠና ይህብ።

ምስ ኣረጋውያን ወይ ስንኩላን ከም በዓል ሞያ ክትሰርሕ ምስ እትደሊ፡ እቲ ማሕበር ኣብዚ ፕሮጀክት ክድግፈኩም ይኽእል እውን እዩ።

ከመይ ንገብሮ?

ንምፍላጡ ዘገድስ
ድሕሪ ምስ ሓደ ካብ ኣባል ናይቲ ማሕበር ቃለ መሕትት ምግባር፡ እቲ ማሕበር ን ኹነታትኩም ተዓዚቡ ብመሰረት ድሌታትኩምን ን ክእለትኩምን ብዝበለጸ ወለንታዊ ዕማም ንምዕማም ዘኽእል ዕድል ተጣጥሓልኩም ።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

10 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
cif-sp solidaires entre les âgescif-sp solidaires entre les âgesኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
issam boulekissam boulekተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት