ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Formation STEP
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ኣበይ ?
ምስልጣን ስፖርትታውያን ኣሰልጠንቲ ንምዃን
እንታዩ’ዩ ?
Kabubu ካቡቡ STEP ዝተባህለ መደብ ንዓኻትኩም ምእንቲ ን"BPJEPS APT" ዲፕሎማ ምስ UCPA ንምርካብን ስልጠና ንምድላውን ኣመሓዳሪ ስፖርት ንምዃንን ዝሕግዝ መደብ ስልጠና ይህብ !
እዚ ስልጠና እዚ ኣብ መሬት ፈረንሳ ሓደስቲ ሰባትን ተጠቀምቲ ኣህጉራዊ ሓለዋን ዝዓለመ እዩ።
መደብ STEP ክልተ ስልጠናታት ዝሓዘ እዩ :
- እቲ ቀዳማይ ካብ 11 ታሕሳስ 2023 ክሳብ 26 መጋቢት 2024 ፡ ስልጠና BPJEPS ንምውህሃድ ዘድሊ ሞያዊ ክእለት ንምስልጣን ዝዓለመ እዩ። ኣብቲ መደብ፡ ደረጃ B1 ንምብጻሕን ስነ-ቓላት ስፖርትን ኣኒሜሽንን ንምፍላጥ ኮርሳት ፈረንሳ፡ ስልጠና ኮምፒተር፡ ምርካብ ሞያታት ስፖርትን ኣኒሜሽንን ምስ ክልሰ-ሓሳባዊ ኮርሳትን ን5 መዓልታት ኣብ ሓደ ስፖርታዊ መዋቕር ልምምድ ምግባርን።
- እቲ ካልኣይ፡ ካብ ሚያዝያ 2024 ክሳብ ሚያዝያ 2025 : ድሕሪ ምሕላፍካ TEP (Preliminary Requirement Tests)፡ ነቲ ናይ BPJEPS ስልጠና ምስ ናይ UCPA ስልጠና ብምውህሃድ ኣመሓዳሪ ስፖርት ትኸውን። እዚ ስልጠና ስራሕ-መጽናዕቲ እዩ: ፍርቂ ኣብ ክፍሊ ኢኻ: ፍርቂ ድማ ኣብ ሓደ ስፖርታዊ መሓውር ተቖጺርካ ትሰርሕ።
እምበኣኣርከስ፣ ኩሉ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ፍላይር ኣሎ ፡ https://www.kabubu.fr/fr/step-devenir-anime-sportif-lyon?modal_page=pdf-detail&modal_detail_id=106374-flyer-step-lyon
ንምንታይከ የዘገድስ?
ትካልና ኣብ መወዳእታ እቲ ስልጠና፡ ከም ኣመሓዳሪ ስፖርት ክትሰርሕ ዘኽእለካ ናይ BPJEPS APT ዲፕሎማ (ሞያዊ ምስክር ወረቐት ኣብ መንእሰያት፡ ህቡብ ትምህርትን ስፖርትን፡ ንኹሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጠቐስ) ትረክብ!
ኣብዚ ስልጠና ን ምስታፍ ኣብተን ቀዳሞት 4 ኣዋርሕ ብ Pôle Emploi ይኸፍለኩም።
ኣብቲ ናይ BPJEPS ናይ ስራሕ-መጽናዕቲ ዓመት፡ ናይ ስራሕ-መጽናዕቲ ደሞዝ ትረክቡ።
ኣብት ተሳትፎ ናይ ኣብተን ቀዳሞት 4 ኣዋርሕ ምስቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ኮርሳት ዝተኣሳሰር ናይ ስፖርት ትምህርቲ ኣለካ፡ ኣብ ሓደ ስፖርታዊ መሓውር ድማ ናይ 5 መዓልታት ልምምድ ትገብር።
ኣብ ዓመት BPJEPS ኣብ ስራሕ-መጽናዕቲ ኢኻ ትሰርሕ፡ ማለት ከም ሰራሕተኛ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ንሓደ ስፖርታዊ መሓውር ትሰርሕ።
ከመይ ንገብሮ?
ነዚ ናይ ኦንላይን መመልከቲ ቅጥዒ ምልእዎ ፡ https://airtable.com/appWYVTVNlMsAUdmJ/shrJ32UdT124xdHk9
ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፤
- ብኢመይል ፡ lyon@kabubu.fr
- ብስልኪ፡ 07 66 61 26 58
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ