ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Programme LIA (Langue, Inclusion, Animation)
ኣዳላዊKabubu Paris
ዋጋ
ብነጻ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜትኽኽል 3 ወርሒ
ቐጻሊ ተሳትፎትኽኽል 4 መዓልቲ ኣብ ሰሙን
ኩነታት
ናይ CIR ን ናይ OFII ኮርሳት ወዲእኩም እንተኮይንኩም
መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው
ምምሃር ኣሰራርሓ ኣኒሜሽን ብቋንቋ ፈረንሳ ቅሰሙ
እንታዩ’ዩ ?
ነቲ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ምጽሓፍን ምዝራብን ንምምሕያሽን ኣብ ስራሕካ ርእሰ ምምሕዳር ንምዃንን ዝወሃብ ስልጠና እዩ ።
እዚ መደብ ’ ዚ ኣብ ማሕበራውን ስፖርታውን ንጥፈታት ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ዝዓለመ ’ ዩ ።
እቲ መደብ ከምዚ ዝስዕብ ይህብ፤
- ትምህርቲ ፈረንሳን ምምሃር ስነ-ቓላት ኣኒሜሽንን።
- ምስ ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ኩባንያታትን ሰብ ሞያን ኣኼባታት ምክያድ
- ማሕበራውን ምምሕዳራውን ደገፍ
- ስፖርታዊ ንጥፈታት።
ንምንታይከ የዘገድስ?
እቲ ኣብ ጽሑፍን ምዝራብን ንኽትስጉም ምስ ደረጃኻ ዝተመጣጠነ ኮርሳት ፈረንሳ (180 ሰዓታት) ንዝስዕቡ ይቐርብ፤
- መሰረታዊ ፍልጠት (ንባብ፣ ምጽሓፍ) ዳግም ምግምጋምን ደረጃ B1 ምብጻሕን።
- ምስ ሞያታት ኣኒሜሽን ዝተኣሳሰር ቴክኒካዊ ቃላት ምርዳእ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና፡ ዲፕሎማ መጽናዕቲ ቋንቋ ፈረንሳ (DELF) B1 ክትሓልፍ ኢኻ ።
እቲ ሞያታት ኣኒሜሽንን ስፖርትን ክትረክብን ኣብዚ ዓውዲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፕሮፌሽናል ፕሮጀክት ክትሃንጽን ትኽእል ኢኻ ።
- ሲቪን ናይ መጽናዕቲ ምምስሳልን ስርሑ፣ ተመኩሮኹም ኣጉልሑ፣ ንቃለ መሕትት ተዳለዉ...
- ኮምፒተር ናይ ምጥቃምን ኣብ ኢንተርነት ናይ ምዝዋርን ክእለት።
ከመይ ንገብሮ?
እቲ ኣብቲ መደብ ተገዳስነት እንተሃልዩኩም ce lien ኣብዚሊንክ ብምጥዋቕ ብኢንተርነት ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ዝቕጽል መደብ፡ ካብ 9 ታሕሳስ ክሳብ 5 ጥሪ 2024።
በዚ ኣድራሻ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም: formation@kabubu.fr ፡
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ