Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ምስ Centre de formation EPISODE

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜዳርጋ 3 ወርሒ
ቐጻሊ ተሳትፎዳርጋ 3 ሰዓት ኣብ መዓልቲ
ዝርከበሉ መዓልቲሰኑይ, ሰሉስ, ረቡዕ, ሓሙስ

ኩነታት

መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው
ናይ CIR ን ናይ OFII ኮርሳት ወዲእኩም እንተኮይንኩም

ትምህርቲ ቋንቋ ምቕሳምን መዓልታዊ ህይወት ምስናይን

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 10 mois

እንታዩ’ዩ ?

ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ዝተፈላለየ ደረጃታትን ምስ ሞያዊ ኣማኻሪ ውህደት (ስራሕ፡ ስልጠና ወዘተ ንምርካብ ዝሕግዝ ሰብ) ደገፍ ንምርካብን ኣብ ፈረንሳ ህይወትኩም ክትውድቡን ናጻ ክትከውንን የኽእል።

ኣብዚ ስልጠና ንምስታፍ ግድን ዘድልዩ ነገራት፤
- ኣህጉራዊ ሓለዋ ክህልዎም (ስደተኛ፣ ንኡስ ሓለዋ፣ ሃገር ኣልቦ ሰብ) ምዃን ወዘተ
- ወይ ድማ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝጸንሑ ትሕቲ 5 ዓመት ምስ ዝኸውን
- ኣብ OFII CIR (Republican Integration Contract) ንዝፈረሙን ዝተመደበ ።

እቲ ስልጠና ንዓኹም፤

  • ፈረንሳ ብዝበለጸ ን ኽምርዳእን ምዝራብን ።
  • ስራሕ ረኺብኩም ንምቕጻል
  • ምምሕዳራዊ ሰነዳት ንምምላእ።
  • መዓልታዊ ህይወት ምምስልሳል ከም እኒ ( እትወስድዎ መጓዓዝያን ኣገባቡንምፍላጥ፣ ናይ ሕክምና ቆጸራ ካልእን ምሓዝ ወዘተ)።
እቲ ስልጠና ኣብ ሰሙን 4 ፈፍርቂ መዓልቲ ኣብ 3 ኣዋርሕ ግዜ ገደብ ዝውደብ እዩ።
ናይቲ ስልጠና መደባት ኮርስ ከከም ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ዝተፈላለየ እዩ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

መምህራን ቋንቋ ፈረንሳ ምስ ድሌታትኩም ዝኸይድ ልምምድ ምስ መሳርሕቱ፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ህጻናት፡ ምስ ጎረባብቲ ክትረዳዳእ "ጠቓሚ"ን "ግብራዊ"ን ዝኾነ ቋንቋ ፈረንሳ ክምህርኹም እዮም.

ከከም ክእለትኩም ፕሮጀክትኹን ስራሕ ወይ ስልጠና ክትደልዩ ይሕግዘኩም እዮም።

እቶም ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተወሰኑ ምምሕዳራዊ ኣገባባት (ንመዕቆቢ ምሕታት፣ ሕክምናዊ ቆጸራ ፣ ሰነዳት ናብ CAF ምልኣኽ ወዘተ) ይሕግዝኹም እዩ።

ዕላማና ሓገዝ ከየድለየኩም ናይ መዓልታዊ ህይወት ተግባራት ክትፍጽም ምኽኣል እዩ ን ንኹልኹም ዝግብኣኩም።

ከመይ ንገብሮ?

  1. ምሳኹም ናይ ሓበሬታ ወረቐት ንመልእ ኢና።
  2. ናይ ፈረንሳ ፈተና ክትወስድ ናብ ቮክስ-ለ-ፔኒል ትመጽእ ኣለኻ።
  3. ምስቲ ናይ ውህደት ኣማኻሪ ተራኺብካ ብዛዕባ ሞያዊ ፕሮጀክትካ ትዛረብ።
  4. ኣብ ኣየናይ ጉጅለ ከምዘለኻ ክንነግረካ ኢና ንደውል።
  5. ፋይል ምዝገባኻ ክትመልእ ትመጽእ እሞ ትምህርትን ዓውደ መጽናዕትን ፈረንሳ ትጅምር።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
centre de formation episodecentre de formation episodeኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
rama anzourama anzouተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rezgar-bapirirezgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
анастасияанастасияተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት