Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ምስ Programme FIER

Kabubu Paris
ኣዳላዊKabubu Paris

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳA2, B1, B2, C1, C2

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜዳርጋ 10 ወርሒ
ቐጻሊ ተሳትፎትኽኽል 35 ሰዓት ኣብ ሰሙን
ዝርከበሉ መዓልቲሰኑይ, ሰሉስ, ረቡዕ, ሓሙስ, ዓርብ

ኩነታት

ኣብ ፖለምፕልዋ ተመዝገቡ
መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው

ኣበይ ?

እናተኸፈልኩም ብስፖርት ሰልጥኑ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a un an

እንታዩ’ዩ ?

FIER (Football Inclusion Emploi pRimo-arrivants ) ኣብ ስፖርታዊ ክለብ ንስራሕ ተቐባሊ ኣጋይሽ ዝዳሎ መደብ ስልጠና እዩ።

እቲ መደብ ኣብ 2 መድረኻት ኣለዎ፤

  1. ካብ መስከረም 4 ክሳብ ታሕሳስ 22, 2023፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኮርሳት (ኣብ ሰሙን 35 ሰዓታት) ሓድሽ ክእለት ፈረንሳን ዲጂታላውን ንምምሃር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓደ ስፖርታዊ ክለብ ንሞያዊ ህይወት ንምድላው። እዘን 4 ወርሒ ዝኽፈላ እየን።
  2. ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ሓደ ክለብ ስፖርት ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ መደብ ስራሕ-መጽናዕቲ ንሞያዊ መዓርግ ምምሕዳራውን ኣቀባብላውን ሰራሕተኛ ንምድላው ምስ ጽላት ስፖርትን መዘናግዕን ዝተመዓራረየ። እዚ ካልኣይ መድረኽ ስልጠና ንመቐያየሪ ዝኸውን ስፖርታዊ ክለብ ምርካብ ብዝብል ቅድመ ኩነት ተበፃሒ እዩ።
ኣብቲ ፕሮግራም ንምምልካት ዝሕግዙ መዐቀኒታት፤
- ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ (ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ንኡስ ሓለዋ ወይ ሃገር ዘይብሉ ሰብ)፣ ግዝያዊ ሓለዋ፣ ወይ ሓድሽ መጻእቲ (ኣብ ፈረንሳ ትሕቲ 5 ዓመትን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎን) ክኸውን
- እንተወሓደ ደረጃ A2 ፈረንሳ ናይ ምዝራብ ዝተረጋገጸ ብቕዓት ይሃልኹም
- ካብ 18 ክሳብ 29 ክሊ ዕድመን ነባርነት ኣብ ከተማ ሊዮንን ከባቢኣን ።
- ደላዪ ስራሕን ኣብ Pôle emploi ዝተመዝገበን (ወይ ብቑዕ) ክኸውን
- ብዛዕባ ስፖርት ብፍላይ ድማ ህንጡይነት ዘለኩምን ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • መእተዊ ኮርሳት መሰረታዊ ኣኒሜሽን
  • ሞያዊ ትምህርቲ ፈረንሳ
  • ብቕዓት ኣብ ዲጂታል ሪፍረሸር ኮርሳት (ኮምፒተር፣ ወርድ፣ ኤክሰል ወዘተ ብምጥቃም) ናይ ምጥቃም ክእለት ምምዕባል
  • ምምሕዳራዊ ኣገባባት ብውልቂ ክትሰርሑን ምምሕዳራዊ ስርዓት ፈረንሳ ንጥፈታት ብዝበለጸ ናይ ምርዳእ ዝሕግዙ ኮርሳት ተሳተፉ .

ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ስልጠና ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኦሎምፒክ ሊዮን (ክለብ ኩዕሶ እግሪ) ምስ ኮርሳት ዝዳሎ ኮይኑ ኣብዚ ዓውዲ ስራሕ ንምርካብ ንምድላው እዩ።

ኣብ ስፖርታዊ መዋቕር ናይ 4 መዓልታት ምጥላቕ ዝጸንሕ ንጥፈታት ይቐርብን የዳሉን ።

ብድሕሪ ስልተና ናይ ምምሕዳራውን መቐበሊ ኣጋይሽን ሰራሕተኛ (ደረጃ ዲፕሎማ CAP) ዝብል ሞያዊ መዓርግ ምድላው ይከኣል ፣ ኣብ ጽላት ስፖርት ኣብ ዝርከብ ኩባንያ ስራሕ-መጽናዕቲ የሳትፍ።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብ ላዕሊ ገጽ

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
kabubukabubuኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
bissobissoተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rezgar-bapirirezgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት