Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ኣብ ከተማ ዲጆን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሞያ፥ ኤኮል ደ ሜትየ ዲጆን ሜትሮፖል (Métiers Dijon Métropole)፣

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳA1

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜዝለኦኣለ 2 ዓመታት

ኣበይ ?

ትምህርትን ናይ ተግባር ልምምድን ዝሓቖፈ ናይ ምኽሻን ናይ ስልጠና መደብ ምድላው።

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 ans

እንታዩ’ዩ ?

ብራሰሪ ሎንካ (Brasserie l'Encas) ዝጽዋዕ ትካል፣ ናብ ሞያዊ ዓለም ናይ ምጽምባርን ምውህሃድን ዓውዲ፣ ነቶም ኣብ ስልጠና ዘለዉ ተመሃሮታቱን፣ ነቶም ቀወምቲ ሰራሕተኛታቱን፣ ንውልቃውያን ዓደግቲ ወይ ተጠቀምቲን ዝዓለመ ካብ ሰኑይ ስጋብ ዓርቢ ንመዓልቲ ክልተ ግዜ ማለት ሰዓት ዓሰርተ ክልተን(12) ማለት ፋዱስን ሰዓት ሓደን ማለት ሰዓት ዓሰርተ ሰለስተ(13) ብኣቆጻጽራ ፈረንሳ መግቢ ናይ ምዕዳል ኣገልግሎታት ከምዘሎ የፍልጥ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብዚ ናብ ሞያዊ ዓለም ናይ ምጽምባርን ምውህሃድን ናይ ትምህርትን ልምምድን ዓውዲ እዚ ብምስታፍኩም ከም ናይ ትካልና ኣባልን መሃያ ዝቕበል ሰራሕተኛን ኮይንኩም ክትቁጸሩ ኢኹም።

ኣብ ትካልና ኮይኖም ዝስልጥኑ ኣብ እዋን ስልጠና፣ ሓገዝን ምክትታልን ናይ ፍሉይ ውልቃዊ ኣማኻሪ ይረኽቡ።

ኣብዚ ኤኮል ደ ሜትየ ( l’École des Métiers ) ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ሞያ፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ናይ ስራሕ እዋን ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ እትመሃሩሉ ዕድል ኣዳልዩልኩም ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ትካል ናብ ሞያዊ ዓለም ናይ ምጽምባርን ምውህሃድን ዓውዲ መደብ እምበኣር ናይ ሞያ ልጠናን ማለት ፎርማስዮንን ብዓብዩ ድማ ስራሕ ኣብ ምርካብ ብዙሕ ንዝተሸገሩ ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓለመ መደብ እዩ።

ከመይ ንገብሮ?

እንድሕር ደኣ ናብዚ መደብ ናይ ምጽምባር ድልየትን መደብን ሃልዩኩም ነቶም ኣብ መዓልታዊ ሂወትኩም ዝተሓጋገዙኹም ናይ ማሕበራውያን ተሕጋገዝትኹምን ኣማከርትኹምን ምስ ናይዚ መደብ ኣካየድቲ ብዛዕባ ንስኹም ናብዚ መደብ እትጽምበሩሉ ጉዳይ ክዛረቡልኩም ተወከስዎም፣

  • ብዛዕባ እዚ ስልጠና ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ኽትረኽቡ ምስእትደልዩ በዘን ዝስዕባ ክትረኽቡና እትኽእሉለን መስመራት ቁጽሪ ስልክናን ኣብ መርበብ ሓበሬታ መልእኽቲ መቐበሊ ኣድራሻና ማለት ኢመይልና ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፣ :
  • ኢመይልና : contact@ecoledesmetiers.fr
  • ቁጽሪ ስልክና : 0380684880
ኣብ ላዕሊ ገጽ

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

andressa bittencourtandressa bittencourtምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
noornoorተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
mariammariamተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
abrhamabrhamተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
emmanuel arnalemmanuel arnalኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ