Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ብምትሕባር Initiatives et Développement ዝበሃል መደብ፣

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ዋጋ

ብነጻ

ኣበይ ?

ኣብ ምትእትታው ስራሕ ሓገዝ ምርካብ፣

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 ans

እንታዩ’ዩ ?

ኤረሳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወርሓዊ ስራሕ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝግበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ እዚ ኢኒስያቲፍ ኤ ደቨሎፕመንት ዝጽዋዕ መደብ (Initiatives et développement) ኣብ ማሕበራዊ ቁጠባን ሕብረተሰባዊ፣ ናብ ሞያዊ ዓለም ምውህ ሃድን እተሰን የኩም ኣማኻሪት፣ኣብ ማሕበራዊ ሞያ እተሳልየኩም በዓልቲ ሞያ ፍልይቲ ኣማኻሪት፣ ከም ኡውን ስነ ኣእምሯዊ ሓኪምን ሓጋዚትን፣ ወለንተኛታት ተሓጋገዝቲን ዝ ኣመሰሉ ፍሉያት ኣማኸርቲ ዝሓቖፈ ኣባላት ዘለዉዎ መደብ እዩ።

ዕላማኡ ድማ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ዓውዲ ስራሕ፣ዝዓለመ ደገፍ ይገብር።

  • ብውልቀሰብ ደረጃ ምኽሪ ይህብ
  • , ማሕበራዊ ስልጠና ናይ ቋንቋ መደባት የካይድ
  • ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ምኽሪን ማዕዳን ይህብ
  • (ካብ 2021 ጀሚሩ ድማ ). ናይ ኮምፑተር ስልጠናታታ ይህብ፣

ማሕበርና ንስደተኛታት፣ ሓደሽቲ መጻእቲ፣ ብ ኤረሳ(RSA) ተባሂሉ ዝፍለጥ ወርሓዊ ስራሕ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝግበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝነባበሩ ሰባት፣ ን ደለይቲ ስራሕን፣ ንተቐማጦ ኸተማ ኦርሊዮንን ከባቢኣን፣ ሰባት ኣጋልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ብውልቂ ይኹን ብሓባር ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ናይ ስራሕ ዓለምን ፣ ሞያዊ ደገፍ ንምርካብ እትሳተፍዎም ማሕበራውያን ንጥፈታት፣ ናብ ሞያ ዝቐንዑ ናገራት እንታይ ዝኣመሰሉ እዮም።

እቶም እትረኽብዎም ጥቕምታት ድማ

  • ኣብ ሕሉፍ ናይ ውልቅኹም ናይ ስራሕ ልምድታትኩምን ተመኩሮታትኩምን ዝገልጽን ስራሕ ንኽትረኽቡ ዝሕግዝ ሓበሬታ ማለት ሲቪ(CV) ዝበሃል ኣብ ምድላው፣
  • ናይ መሰነይታ፣ ወይ
    ስለምንታይ ነቲ ፍሉይ ስራሕ ክትሰርሕ ደሊኻ ዝሕብር ደብዳቤ ምጽሓፍ፣
  • ኣብ ምድላይ ስራሕ ምሕጋዝ፣
  • ኣብ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ጽሕፈታታ ምስናይ፣
  • ከምኡውን ምስ ዝተፈላለያ ናይቲ ዞባኹም ማሕበራት፣ ንኣብነት ከም ላ ካፍ(la Caf) ማለት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ቤተሰባትን መሰላቶምን ሓገዛቶምን ዝምልከቶን፣ ፖል ኣምፕልዋ(Pôle emploi) ማለት ቤት ጽሕፈት ደለይቲ ስራሕን ዘጠቓለለ ሓገዝን ጥቕምታትን ወዘተ... እዩ።

ምስ ናይ ስነ ኣእምሮ ፣ በዓል ሞያ ንምርኻብ ፣ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ፣ ብትሑት ዋጋ ኣገልግሎት ከም እትረኽቡ ምግባር፣

ፍሉይ ናይ ስነ ኣእምሮ ኣዊ ሓገዝ፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ጥዕናዊ ኩነታትኩም ስፍሕ ዝበለ ምርመራን ሓገዝ ንምርካብን ዝጽዕርን ከምኡ ድማ ኣብ ጥዕናዊን ይኹን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትኩም ዘጽብቡ ጉዳያት ሓገዝ ዝህብን ኣፍደገ ዝኸፍትን መደብ እዩ።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብታ ፈለማ ናብ ማሕበርና እትመጹላን ምሳና ንምዕያይ መደብ እንገብረሉን ጉዕዞ ንምጅማር መደባትና እነፍልጠኩምን ምሳኻትኩም ድማ እንዝትየላን መዓልትን፣ ብዛዕባ ክትገብርዎም ዘለኩም ጉዳያትን መጻኢ መደባትኩምን ብንጹር ኣለሊኹምን ብሩህ ዝኾነ ጉዕዞ መጻኢ ሂወትኩም እትጅምሩሉ ግሉጽ ዝኾነ ሓበሬታ ከነርእየኩምን ክንሕብረኩምን ኢና፣

ምእንቲ እቲ ዝግብኣኩም፣ ኣገልግሎትን ደገፍን ክትረኽቡ፣ ኣብ ዕላማ ዘለዎ ጉዳያት ኣለሊኹም ክትሰርሑን፣

ከምኡ እውን ፣ ናይ ቋንቋን ካልእ ስልጠናታትን ናይ ስነ ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን፣ መክሰባት ክትከስብሉን ምእንቲ፣

ቑጽሪ ስልክና : 0238215859

  • ኣብ መርበብ ሓበሬታ መልእኽቲ እንልእኸሉን እንቕበለሉን ኣድራሻና ማለት ኢመይልና እዚ ዝስዕብ እዩ፣ : contact@initiativesetdeveloppement.com
ኣብ ላዕሊ ገጽ

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

hugo stéphanhugo stéphanምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
omar kokachomar kokachተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
rheearheeaተርጓሚ/ሚት
abrhamabrhamተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
initiatives et développementinitiatives et développementተርጓሚ/ሚት