ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ገዛ ማለት ኣፓርትመንት(appartement) ምስ ጎረባብትኻ ናይ ኣነባብራ መንገዲ ምስትውዓሉን ተጠንቂቕካ ምንባርን፣
ምስ ኣሽ ኤ ኣሽ( H&H ) ዝተባህለ ኣነባብራ ዝሕብር መደብ ትምህርቲ፣

ኣቢታ ኤ ኡማኒዝም (Habitat et Humanisme) ዝተባህለ መደብ ምስ መሻርትኽቱ ዝኾና ማሕበራት ብምትሕብባር ኣዝዩ ሃናጺን ጭቡጥን ዝኾነ ከመይ ጌርና ብሓባር ክንነብር ከምእንኽእል ዘረድእ መደባት ስልጠናታት ኣዳልዩ ኣሎ፣
ኣብዞም መደባት ዝድህ ሰሱ ጉዳያት እምበ ኣር እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
- ናብቲ እንኣትዎ ኣፓርታሞ (መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ሓባር ፓላሶ ወይ ደርብታት ዝሓዘን ብዙሃት ነባሮ ዘለዉዎ ገዛ እዩ) ዝርከብ መንበሪ ገዛ ንምእታው ግቡእ ምድላዋት ምግባር፣
-ናይ ጸዓት ማለት ኤሌክትሪክን ጋዝን ብሓፈሻ ካልእን እነህልኾ ሓይሊ ምጥንቓቕን ቁጠባ ምግባርን፣
- ኣብ ናይ ገንዘብ ዓቕምና ብምትኳር ኣታዊናን ወጻኢናን ብምምማይ መጻኢ ፋይናንሳዊ መደባትና ምስራዕ፣
- ወዘተ...
ንምንታይከ የዘገድስ?
ከመይ ንገብሮ?
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ











