Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ወለንታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ

ምስ ምስ Benenova

ኣዳላዊ Benenova ኣቐድዲሙ ዝነበረ 4 роки тому

ነጻ ግዜ ስለ ዘለኩምን ፣ ድሌየት ናይ ወልንታዊ ኣገልግሎት ጠቐምቲ ንሙኻን ፣ ምስ ካልእ ሰብ ብምራኻብ ቃንቃ ፈረንሳይ ንምላድ ብተግባር ንምዝራብ ይሕግዝ፣ ብጃካ`ዚ ናይ ሰብ ሞያ ቦታ ንምፍላጥ ወይ ንምድህሳስ ይሕግዝ ::

ማሕበርና ፣ ናይ ወልንታዊ ንምስራሕ ድሌየት ዘለዎ ምስ ማሕበራት ናይ ምርኻብ ሓደ ዕድል ይፈጥር ፤ ኣብ ዝተጠቕሰ : ምስ ማሕበር በኒቫ ናይ ሓጺር ግዜ ንምስራሕ ክትምዝገብ ትኽእሉ ፣ ( ሰዓታት ካብ 2 ሰዓት ክሳብ 5 ሰዓት ) ከም ድልያኩም ኣብ ዝኾነ እዋን ነጻ ግዜ ምስ ዝህልወኩም ::

ኣብ ማሕበር በነቫ ዌብ ሳይት ኢንተርነት ክጥቐሙ ደሊኹን ወይ ዝኾነ ዓይነት ንጥፈታት ናይ ስራሕ ክትሳተፉ ምስ ትድለልዩ ምስ ማሕበር ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ፣ ኣብ ናቶም ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ::

ኣገዳሲ ሓበሬታ ፍሉይ ክልእለት ወይ ሞያ ክህልወና ግዴታ ኣይኮነን ፣ ቋንቋ ፈረንሳ ዘይትዛረቡ እንተ ኮንኩም ጸገም ኣይኮነን ኣብ ቀጻሊ ምስ ካል ኦት ሰባት ብምዝራብ ልምምድ ክትገብሩ ኢኹምን ::

ንምንታይከ የዘገድስ?

ናይ ወልንታዊ ሓገዝ ምስ ማሕበር ግብረ ሰናይ ምስራሕ ሓደ ሰናይ ተግባር ኢዩ ፣ ከምኡ`ውን መርኣያ ናይ ምትሕብባር ፣ ንማሕበራት ዓቢ ሓገዝ ናይ ኣግልግሎት የቃልል ::

ምስ ተምዝገብኩም ንሓንቲ ግዜ ወይ ኣብ ዝደለኹሞ ብብዝሒ ግዜ ክትመጹ ትኽእሉ ::

ናይ ወልንታዊ ምስራሕ ኣብ ሓደ ዕላማ ዘለዎምዘራኻብ ሓደ ሓይሊ ኢዩ፣ ሓደ ውሁድ ሕብረተ ሰብ ብጣዕሚ ዝተሓባበር ከምኡ`ውን ተቀባሊ ኣእጋንዲ ጋሻ ክፈጥር ይኽእል ፤ ተወሳኺ ምዕሩይ ሕብረተ ሰብ ክፈጥር ይኽእል ::

ምስ ብዙሓት ማሕበራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንጥፈታት ንምፍታን ክትሳተፉ የኽእል::

ናይ ወልንታዊ ኴንካ ምስራሕ ንቋንቋ ፈረንሳ ብተግባር ክንዛረብ ይሕግዝ፣ ብተወሳኺ ጥቕሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታ ናይ ሰብ ሞያ ድህሳሰ ክንገብር ይሕግዝ፣ ን ኣብነት ኣብ ጃርዲን ፣ ምትዕርራይ ዝተፈላልዩ ዓይነት ፣ ምሕጋዝ ንደቂ ሰባት ፣ ንምኽሻን ካልእ ዓይነት ነገራትን ……

ከመይ ንገብሮ?

ኣብ ናይ ወልንታዊ ስራሕ ክትነጥፍ ምስ እትደሊ ምስ ግሩፕ ናይ Benenova ምርኻብ ትኽእሉ ኢኺም

ኣብ ከተማ ፓሪስ

contact.idf@benenova.fr ወይ 06 62 47 21 25
Lille : contact.lille@benenova.fr
Nantes : contact.nantes@benenova.fr

16 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • a mugnierምምሕዳር
  • andressa bittencourtምምሕዳር
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • nalothmanተርጓሚ/ሚት
  • alhindi nourተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • colinemተርጓሚ/ሚት
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • areknazተርጓሚ/ሚት
  • benenovaኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ

Liens utiles