Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት
ፍሉያት ተሳተፍቲንኡሳት

ኩነታት

ናይ ባንክ ሕሳብ ምህላው

መምርሒ ፍቃድ መኺና ምውጻእ ገንዘብ ምልቃሕ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 9 mois

እንታዩ’ዩ ?

ን ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 25 ዓመት ዝዘለዉ መንእሰያት፣ ንፍቓድ ምዝዋር መኪና (ፍቓድ B መካይን፣ A1 ቀለልቲ ሞተር ብሽክለታታት ወይ A2 ስኩተር) ምእንቲ ንኽኸፍሉ ዝሕግዝ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ።

ካብ ሓንቲ መሻርክቲ ባንኪ ልቃሕ ካብ 600 ክሳብ 1200€ ኢሮ ምርካብ ፣ እዚ ገንዘብ ወልሓንቲ ወለድ ኣይሓስብን ኢዩ ፣

ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ምስ ወዳእኩም ወርሓዊ ዝክፈል ገንዘብ ኮይኑ ኣብ ወርሒ 30€ ትኽፈሉ ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

እቲ ባንኪ ነቲ ስልጠና ዝኸውን ገንዘብ ብቐጥታ ናብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ይልእኾ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ተመዝጊብካ ምዝዋር መኪና ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ምፍላጡ ዘገድስ!

እንተደኣ ንመጀመርታ ግዜ ኮይኑ ፍቓድ ተውጽኡ ዘለኹም ትሓቱ ፡ እቲ ባንክ 600€፡ 800€፡ 1000€ ወይ 1200 € ከለቅሕ ይኽእል

እንተደእ እቲ ፍቓድ እንተ ኣምሊጡካ ግን ከኣ ዳግማይ ክትወስዶ እንተደሊኻ፡ እቲ ባንክ እንተበዝሐ €300 ከለቅሕ ይኽእል።

ብዝኾነ እቲ ልቓሕ ካብ ጠቕላላ ዋጋ እቲ ፍቓድ ርኸብዎ ኣይትርከብዎ ክቕየር ኣይኽእልን።

እንተደኣ ምኽንያት ምሕታትኩም ስራሕ ንምርካብ ፍቓድ መዘወሪ መኪና እንተድኣ ኣድልዩካ፡ እዚ ድማ መመልከቲታት ምልኣኽ ክትጅምር የኽእለካ

እቲ ለቃሕኩም ሳላ እቲ ኣብ ወርሒ 30€ ዝምለስ ገንዘብ፡ ባጀትኩም ክትውድቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ከመይ ንገብሮ?

ነዚ ንምግባር ዝሕግዝኹም መሻርኽቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ንምርካብ፤ይግባእ

  • ከምዚ ግበሩ ኣብቲ መስኮት "permit at 1€ per day" ዝብል ኣርማ እንተሃልዩ ኣረጋግጹ
  • ከምኡ ውን ኣብቲ sur ce site (ኣድራሻኹም ብምጽሓፍ ኣእትዉ ).

እቲ ንልምምድ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ዝኸውን ግምት ብቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና እዩ ዝግበር፣ እዚ ድማ ከከምቲ ንፈተና ፍቓድ መኪና ንምድላው ዘድሊ ሰዓታት ምዝዋር መኪና እዩ።

እቲ ትምህርቲ ምስ ምስተወድአ ተወሳኺ ናይ ምዝዋር ሰዓታት ክትገብር እንተድኣ ኣድልዩ፡ ባዕልኹም ኢኹም እትኸፍልዎ ።

ዝርዝር ናይ መሻርኽቲ ባንክታት ኣብዚ ኣሎ ።

ፋይል ብኸምዚ ዝስዕብ ከተዳሉ ኣለካ፤

  • ኣብ ወርሒ €30 ክትመልስ ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ናይ ኣታዊ መርትዖ
  • ንነብስኻ ክትመልስ እንተዘይክኢልካ ካብ ወለዲ ተቐማጢ ገንዘብ።

ነቲ ናይ ባንክ ልቓሕ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ናይ ደገ ሰብ ክትፍርም ይከኣል እዩ።

ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ነቲ ብኣግኡ ምምሃር ምዝዋር መኪና (AAC) ዝገብሩ፡ እቶም ወለዲ እዮም ነቲ ገንዘብ ክልቃሕ ዘለዎ።

እቲ ለቓሕ ሓንሳብ ምስተዋህበን ድሕሪ እቲ ልሙድ ናይ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ግዜ ንምውጻእን፡ መጠን ናይቲ ልቓሕ ብባንክ ናብቲ መሻርኽቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ይኽፈል።
እቲ ባንክ ነቲ ገንዘብ ከለቅሓካ እንተዘይተሰማሚዑ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ነቲ ዋጋን ነቲ ናይ ስልጠና ውዕልን ክስርዞ ይኽእል።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

24 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

marianne georgesmarianne georgesምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
andressa bittencourtandressa bittencourtምምሕዳር
nournourምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
utilisateur_42995259utilisateur_42995259ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
alaa1988alaa1988ተርጓሚ/ሚት
utilisateur_55142919utilisateur_55142919ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_39243168utilisateur_39243168ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
taher-azimitaher-azimiተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
nalothmannalothmanተርጓሚ/ሚት
utilisateur_57010478utilisateur_57010478ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
delphgatdelphgatተርጓሚ/ሚት
aman expertaman expertተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
utilisateur_93887086utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
noornoorተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
erikaerikaተርጓሚ/ሚት
matthieu portematthieu porteተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት