ናይ ሓኪም ስኒ ሓገዝ ምርካብ፡
ምስ ሶሊዶን"Solident" ፡
እንታይ ኢዩ?
ትካል ሶሊዶን "Solident" ናይ ምሕካም መሰል ንዝተነፈጎም፡ ናይ ማሕበራዊ መሐከሚ ፍቓድ ማለት ኩቬርቱር ሶሲያል"ኣሹራንስ ማላዲ ተባሂሉ ዝፍለጥ" መሰል ንዘይብሎም ሰባት ማለት እዩ፣
ኣገዳሲ ሓበሬታ
- ሶሊዶን ማሕበራዊ ናይ መሐከሚ ፍቓድ ማለት ኩቬርቱር ሶሲያል ወይ "ኣሹራንስ ማላዲ ተባሂሉ ዝፍለጥ" መሰል ንዘይብሎም ሰባት ዝምልከት ጥራይ እዩ፣
- እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምርካብ እቶም ሰባት ብካዳ፡ ብስፓዳ፡ ብ ፖፕስን፡ ብመደሳን ዱ ሞንድ እዚ መጸውዒ ሽሞም እዩ፡ስለዚ በዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ማሕበራት ዝተላእከን ዝ ሕገዝን ሰብ ጥራይ እዩ ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእል፣
ንመን ኢዩ ፧
ናይ ማሕበራዊ ናይ መሐከሚ ፍቓድ ማለት ኩቬርቱር ሶሲያል"couverture maladie" ወይ ኣሹራንስ ማላዲ"assurance maladie" ሓገዝ ምስ ዘይህልወኩም፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
38 - Isère
ናይ ማሕበራዊ ናይ መሐከሚ ፍቓድ ማለት ኩቬርቱር ሶሲያል"couverture maladie" ወይ ኣሹራንስ ማላዲ"assurance maladie" ሓገዝ ምስ ዘይህልወኩም፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
38 - Isère
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ንገዛእ ርእስኹምን፡ ንቤተሰብኩምን ከተሐክሙ ትክእሉ ኢኹም፣
ንስኹምን ቤተሰብኩምን እዚ ናይ ስኒ ሕክምና ኣገልግሎት ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም፣
እዚ ንምግባር ከነሰንየኩም ኢና፣
ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መሰል ንኽህልወኩም ኣብ ናይ ምምሕዳር ዝሳለጥ ጉዳይ ብዝምልከት ክንሕግዘኩም ኢና፣
ኣብቲ ንሓኪም እትረኣይሉ መዓልቲ ምናልባት ነቲ ዝግበር ዝርርብ ንምቅላል ክጥዕም ናይ ናይ ቋንቋኹም ተርጓማይ ቀረብ ብስልኪ ወይ ቴሌፎን ክህሉ ይኽእል ይኸውን እዩ፣
ኣብታ ሕክምና እትቐርቡላ መዓልቲ እቲ ተርጓማይ ንኹሉ እቲ ዝርርብ ክትርጉሞ ይኽእል እዩ፣
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
እዚ ሕክምና ከምዘድልዮም ሓኪም ዝጸሓፈሎም ወይ ዝ ኣዘዘሎም ሕምሙማት ጥራይ እዮም ቆጸራ ክሕዙ ዝኽእሉ፣
ናብ እዚ ናይ ስኒ ሕክምና ኼድኩም ኣገልግሎት ንምርካብ ይኹን መሰል ንኽህልወኩም ኣብ እትገብርዎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕክምና ወይ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ንዝሳለጥ ጉዳይ ብዝምልከት ሓገዝን ምስላይን ንኽትረኽቡ ነቲ ሕማም ከምዘለኩም መርሚሩን ፈሊጡን ናይ መሐከሚ ትእዛዝ ወይ ወረቐት ኣብ ፈረንሳ ድማ ኦርዶናንስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝጽሕፈልኩም ሓኪም ምስ ትካል ሶሊዶን ብዛዕባኹም ክረኽቦምን ከዘራርቦምን ሕተትዎ፣
ርኸቡና ወይ ድማ ንኽትረኽቡና እንተደሊኹም፣
ቆጸራ ንምውሳድ ሰኑይ, ረቡዕን ሓሙስን ካብ ሰዓት 13ን30 ክሳብ 16ን30.
ብቑጽሪ ስልክና ወይ ቴሌፎን ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኹም፣ 09 71 16 15 59