ንስራሕ ኣብ እትንቀሳቐስሉ እዋን ናይ ትራንስፖርት ሓገዝ ምርካብ፣
ምስ ብሳላ ፕላትፎርም ሰርቪስ ሞቢሊቴ (la Plateforme de services Mobilité) ዝተባህለ መደብ፣
እንታይ ኢዩ?
ኣብ ሞንትባር ዝተባህለ ኣሮንዲስሞ (arrondissement de Montbard) ማለት ክሊ ምምሕዳር ዝርከብ እገልግሎት መጓዓዝያ ፣ ማርሽ ደ ቡርጎኝ (Marches de Bourgogne) ዝተባህለ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ትሕቲ ዕድመ ማለት ሚስዮን ሎካል፣ ንዓኹም ኣብ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝ ምእንቲ፣ ንዘለኩም ናይ መጓዓዝያ ጸገማት ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ሓገዛት ዝህብ ማሕበር እዩ።
ሚስዮን ሎካል እምበኣር ናይቶም ካብን ናብን ኣብ ምንቅስቓስ ጸገማት ንዘለዎምን ኣዝዮም ዝሽገሩን ሰባት ጸገም ወይ ሽግር መጎዓዝያ ንምፍታሕ ኢሉ ጉልበታውን ንዋታውን ዓቕሚ ኣዋፊሩ ኣሎ።
ናይዚ ኣገልግሎት እዚ ተጠቃሚ ንምዃን ግን ኣቐዲምና ክንፈልጦምን ከነማልኦምን ዘለና ረቛሕትታት ኣለዉ እሞ ምውካስ ኣገዳሲ እዩ።
ንመን ኢዩ ፧
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
መኪና፣ ሞቶርባይስክልን፣ ብሽክለታት ብሕስር ዝበለ ናይ ምትሕግጋዝ ዋጋ (un tarif solidaire) ምክራይ፣
መኪና
10 ኤውሮ ንዓመት ኣባል ንምዃን ዝኽፈል ዋጋ
30 ኤውሮ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ክራይ ዋጋ
500 ኤውሮ ክፍሊት ትሕጃ
ሞቶ
10 ኤውሮ ንዓመት ኣባል ንምዃን ዝኽፈል ዋጋ
10 ኤውሮ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ክራይ ዋጋ
75 ኤውሮ ድማ ትሕጃ ናይ ውሕስነት ቆቢዕ ማለት ካስክ፣
300 ድማ ትሕጃ፣
ብሽክለታ
10 ኤውሮ ንዓመት ኣባል ንምዃን ዝኽፈል ዋጋ
5 ኤውሮ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ክራይ ዋጋ
50 ኤውሮ ክፍሊት ትሕጃ
ምርካብ ሓገዝ ኣብ ምምሃር ሕግታት ምምራሕ መኪናን ማለት ኮድ ደ ላ ሩት (code de la route)፣ ከምኡውን ኣብ ምምሃር ምዝዋር መኪናን፣
- ከምኡውን ሲሙላቶር(Simulateur) ዝተባህለ ብሓሳብ መኪና ዝተሰርሐ ዓቢ ዘይንከሳቐስ ግን ልክዕ መኪና ከምእትዝውር ዘለኻ ኮይኑ ዝስመዓካ ስጋብ ዝተወሰነ ልምድን ፍልጠትን ክእለትን ብፍላይ ድማ ኣብ መኪና ከምዘለኻ ዝህብ ስምዒትን ተመኩሮን ዝሓዘለ ኣብ ምዝዋር መኪና ልምዲ ንዘይነበሮም ሰባት ዝሕግዝን ዘለማምድን ኤሌክትሮኒካዊ ወይ ብፈረንሳ ኑሜሪክ (numérique) ዝበሃል ልክዕ ከም ናይ ቆልዑት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝጻወትዎ ቅድድም መካይን ዓይነት ኮይኑ ዘለማምድን ዝምህርን ማሽን ስልጠና ምውሳድ፣
- ምርካብ ሓገዝ ኣብ ምምሃር ሕግታት ምምራሕ መኪናን ማለት ኮድ ደ ላ ሩት
ኣብ ምምሃር ፍቓድ መምርሒ መኪናን ንምውናን እቲ መምርሒ ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝን ከምኡውን ሚክሮ ክረዲ (micro-crédit) ዝበሃል ገንዘባዊ ልቓሕ ምርካብ።
- ሓበሬታን ኣፍልጦን ብዛዕባ እዚ ሚክሮ ክረዲ( micro-crédit) ዝበሃል ብልቓሕ መልክዕ ዝውሰድ ናይ ገንዘብ ሓገዝ።
- ኣብ ምሕደራዊ ጉዳያት ግቡእ ምኽሪን ሓገዝን ምርካብ፣
- ቅድሚ ልቓሕ ምሕታትካ ዝሳለጡ ጉዳያትን ናይ ልቓሕ መሕተቲ ሰነዳት ምድላውን፣
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ምስ እዚ ፕላትፎርም ደ ሰርቪስ ሞቢሊቴ (Plateforme des services Mobilité) ዝተባህለ መደብ ቆጸራ ሒዝኩም ክትመያየጡ ምስ እትደልዩ፣
ብስልኪ ደዊልኩም ቆጸራ ንምሓዝ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልክና 06 70 56 72 62 ደውሉ፣
ብመርበብ ሓበሬታ ተጠቒምኩም መልእኽቲ ክትልእኩልና ምስ እትደልዩ ድማ ኢመይል ኣድራሻና mobilitemarchesdebourgogne@milobfc.fr እነሆልኩም፣