ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ ደማር ዝበሃል ትካል፣
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኣበይ ?
ሞያ ናይ ማሕረስ ወይ ሕርሻ ምፍላጡ፣
እንታዩ’ዩ ?
ዕላማ ወይ ሸቶ ናይ እዚ መደብ እዚ፣ ስደተኛታት ነዚ ናይ ሕርሻ ሞያን፣ ብፍላይ ድማ እቲ ናይ መስኖኣዊ ሕርሻን፣ ሞያ ምቕምቃም ኣታኽልትን ክላለይዎን ክፈልጥዎን ምግባርን እዩ፣
እዚ መደብ እዚ፤ ደማር ዝበሃል ኮይኑ (ትርጉሙ ድማ ስደትኛታት ናብዚ ናይ ሕርሻ ሞያታት ስራሓት ክዋፈሩ ክኽእሉ ብምትሕብባር ኣምፕሮደት ዝበሃል ትካል ፣ ኣብ ከተማ ሞራን ብዝርከባት ማሕበረሰባት ሓደሽቲ ናይ ሓባር መስኖዊ ሕርሻ ዝተዳለወ መደብ እዩ፣
እቶም ተሳተፍቲ ድማ ብናይ ተፈጥሮ ድኹዒ ጌርካ ብባህርያዊ ድኹዒ ተጠቒምካ ካብ መድሃኒት(ባልዕ) ነጻ ዝኾነ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምፍራይ ብዝብል መርሓ ብሰብ ሞያ ተመሪሖም ቆጥቋጥን ዘይተሓርሰን መሬት ብምቑጥቋጥን ኣለምሊምካ ብምሕራስን ብምጉልጓልን ዘሪእካ ጽቡቕን ፈራዪ መሬት ምዝራእ ዝዓለመ ማለት እዩ፣
ክፍለጥ ዝግብኦ!
ንምምዝጋብ፣ ሰ ኢ ኤር "CIR" ዝተባህለ ውዕል ክትፍርሙ ይግበኣኩም፣ናይ ሲቪላዊን ሃገራውን ናይ ሃገረ ፈረንሳ ቋንቋን ተማሂርኩም ዝወዳእኩምን፣ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ደለይቲ ስራሕ ማለት ፖል ኣምፕልዋ ዝተመዝገብኩም ክትኮኑ ኣለኩም፣
ንምንታይከ የዘገድስ?
ሳላ እዚ መደብ እዚ፣ ናይ ሕርሻ (መስኖኣዊ ሕርሻ ኣሕምልትን ፍረታትን፣ ከምኡውን ናይ ምቕምቃም ኣታክልቲን ኣግራብን) ሞያታት ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዞም ንጥፈታት እዚ ኣቶም ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ዘለዎም ሞያታት እዮም፣
ኣባላትና ብዜጋታት ፈረንሳይን ከምኡውን ብካልኦት ስደተኛታትን ሰባትን ዝቖመ እዩ፣
ዕስራን ሽዱሽተን"26" ሰዓት ንሰሙናት ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝ ኣክል ብምስራሕ ናይ ስሚክ ዝበሃል ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ሕጋዊ ናይ መሃያ መዐቀኒ ክትክፈሉ ኢኹም፣
ከመይ ንገብሮ?
ዝያዳ ሓበሬታ፥ ንምርካብ ናብዚ ዝስዕብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ፍሉይ ናይ መልእክቲ መቐበልን መልኣኽን ኣድራሻና ጸሓፉልና፣
Improdett38@gmail.com
ኣድራሻና
d'IMPRODETT: 5 rue Federico Garcia Lorca, 38000 Grenoble
እዚ ስልጠና ዝካየደሉ ቦታ => Les Jardins de la Solidarité : 836 Route du Vieux Chêne, 38430 Moirans
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ