Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ብምትሕብባር ኢርተስ (IRTESS)ዝበሃል መደብ።

IRTESS
ኣዳላዊIRTESS

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ኣበይ ?

ናይ ለይቲ ሓላዊ/ት ወይ ዋርድያ ንምዃን ዘኽእል ስልጠና ምውሳድ።

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a un an

እንታዩ’ዩ ?

እዚ ስልጠና ምውሳድ እምበኣር ኣብ ዝተፈላልያ ትካላት ንዝርከቡ ህጻናት፥ ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት፥ ብጹሓት ዕድመን፣ ንዓበትይን፣ ኣብ ካልእ ናይ ዕድመ ኽሊ ንዝርከቡ ኣካለ ጎደሎን ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናን፥ ማሕበራዊ ጸገማት ንዘጋጠሞምን ዘለዎምን ሰባት፥ ዝከታተላ ናይ ጥዕና ትካላት ስራሕ ናይ ሓለዋ ለይቲ ማለት ዋርድያ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዞም ኣብዚ ሓለዋ ናይ ለይቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት እምበኣር፥ ድሕነት ናይቶም ኣብቲ ትካል ጥዕና ንዘለዉ ሰባት ምሕላውን ምርግጋጽን።

ንምንታይከ የዘገድስ?

• ድሕነት ናይቶም ተቐማጦ ናይቲ ህንጻ ምውሓስ፣

• ድቃስ ለይቲ ንዘሸገሮም ሰባት ድቃስ ንኽድቅሱ ምሕጋዞም፣

• ሽግር ሰባት ዝሰምዕን ዘረጋግኦምን ዘህድኦምን ናይ ኣገልግሎት መስመር ምርግጋጽ፣

• ሓደጋ ቅድሚ ምምጽኡ ተዳሊኻ ምጽናሕ፣

• ነቶም ርእሶም ክኢሎም ጽርየት ኣካላቶምን ጥዕናኦምን ክካታተሉን ክሕልዉን ንዘይከኣሎ ተቐማጦ እቲ ትካል ምሕጋዝን ምክንኻኖምን፣

እዚ ስልጠና እዚ፣ ኣብ ሞያ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ምውሳድን፣ ብፍላይ ከኣ ሓደጋ ናይ ባርዕ ሓዊ ብዝምልከት ጉዳይ እኹል ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዝህልወኩም ምግባርን ማለት እዩ።

ምስ ኩሎም ኣብቲ መእለዪ ትካል ወይ ህንጻ ንዘለዉ ተቕማጦን፣ ከምኡውን ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሰራሕተኛታት፣

ንኣብነት ከም ኣብ ዓውዲ ምሕደራን ሕክምናን ንዝነጥፉ ኣካላትን፣ ንዘለኩም መዓልታዊ ርክብን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መንገድታት ምምዕባል ወይ ምህብታሙ ምኽኣልን ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

ከመይ ንገብሮ?

ምስ ኩሎም ኣብቲ መእለዪ ትካል ወይ ህንጻ ምስ ዘለዉ ተቕማጦን፣ ከምኡውን ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሰራሕተኛታት፣

ንኣብነት ከም ኣብ ዓውዲ ምሕደራን ሕክምና ኣካላትን ምስ ዝነጥፉ ኣካላት ጽቡቕን ድልዱልን ዝኾነ መዓልታዊ ርክብ ክትምስርቱ እንተኽኢልኩምን እንተ ኣማዕቢልኩምዎን፣

ከምኡውን ኣብቲ ማእከል ክንክንን መእለዪ ጽጉማትን ንዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ሕጽረት ነገራት ይኹን ዓቢ ሽግር ንምፍታሕ ናይ ምውህሃድን ምስምማዕን ብቕልጡ ናይ ምስታፍን መንፈስን ስጉምቲ ንምውሳድ እውን ቅሩብነኩምን ተርእዩ እንተድ ኣኾይንኩም፣

ኣብ መወዳእታ ካባኹም ዝድለ ነጥቢ ድማ፣ ነዚ ናይ ለይቲ ሓለዋ ስራሕ፣ ምስቲ ናይ ሰዓታት ምቅይያራቱን ከምዘለዎ ክትቅበልዎን ንዑኡ ተቐቢልኩም ንኽትሰርሑሉ ናይ ስራሕ ድሉውነትኩም ከተርእዩን ከተረጋግጹን ፍቕርን ድልየትን ተበግሶን ክህልወኩም ኣለዎ።

ንናይ እዚ ስልጠና ሓላፊ ቫንሰን ሾቮ(Vincent CHAUVOT) ክትረኽብዎን ክትውከስዎን ትኽእሉ ኢኹም፣

በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 03.80.72.64.67 ብምድዋል ወይ ብናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መልኣኺ ኣድራሻኡ ማለት ናይ ስርሑ ኣድራሻ ናይ ኢመይል vchauvot@irtess.fr መልእኽቲ ክትልእኹሉን ከተዘራርብዎን ትኽእሉ ኢኹም።

ብተወሳኺ ድማ ናይ እዚ ስልጠና ጸሓፊት ወይ መ አንገዲት ሉሲ ተሪዮ ዝተባህለት በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 03.80.72.64.55 ደዊልኩም ከተዘራርብዋን እንተደሊኹም እውን ብናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መልኣኺ ኣድራሻኣ ማለት ናይ ስርሓ ኣድራሻ ናይ ኢመይል ltheuriot@irtess.fr ክትውከስዋን ከተዘራርብዋን ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ላዕሊ ገጽ

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
fairouzfairouzተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
lanie456lanie456ተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
utilisateur_90145802utilisateur_90145802ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
noornoorተርጓሚ/ሚት
abrhamabrhamተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
vincent chauvotvincent chauvotኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ