Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ብምትሕባር ሌዛ ኣንኩባተር ተ ኣሽ ኤስ ኤን( les Incubateurs THSN) ዝተባህለ መደብ፣

La Ruche
ኣዳላዊLa Ruche

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእል, A1

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜትኽኽል 9 ወርሒ

ናይ ውልቂ ትካል ወይ ማሕበር ምምስራት፣

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 ans

እንታዩ’ዩ ?

እዚ ሌዛ ኣንኩባተር ተ ኣሽ ኤስ ኤን(Incubateur) ዝተባህለ መደብ፣ ንናይ ውልቆም ትካል ወይ ልቸንሳ ንዘለዎም ስደተኛታት፣ ናይቲ ትካል ይኹን ማሕበር ናይ ምምስራት መደቦም ብመጀመርያ ኣብ ምምስራቱ ደሓር ድማ ዕውታት ኣብ ምግባሩ ንትሽዓተ ኣዋርሕ(9) ዝኻየድ ውልቃዊ ዝኾነ ናይ ምስናይን ምሕጋዝን መደብ እዩ።

ነዚ ንትሽዓተ ኣዋርሕ(9) ዝኻየድ መደብ ንምስላጥ እምበኣር፣ ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ(15) ዝኾኑ ኣጀሚሮም ከወድኡ ዝኽእሉ ቀንዲ ረቓሒታት ወይ ጸወርቲ ዓንድታት ናይዚ መደብ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ነዘን ዝስዕባ ረቛሒታት ዘጠቓለላ እየን።

  • ነዚ መደባቶም ዕዉት ንኽኸውን ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መሰረታውያንን ኣገደስትን ነዚ መደባቶም ኣብ ምዕዋት ዓቢ እጃም ከበርክትሎምን ክሕግዝ ዎምን ዝኽእሉ መሳርሒታት ምውናን፣
  • ምምስራትን ምምዕባልን ሓደ ነዚ መደብ ንምስላጥ ዝሕግዝ ዓቢ ሞያዊ መርበብ ርክብን ሓበሬታን ልዝብን ናይ ፍሉያት ሰብ ሞያ ማለት ኤክስፐርትን (experts) ሰብ ትካልን አንትረፕረነር(entrepreneurs) ማለት ርእሶም ክኢሎም ብግሎም ትካሎም ብምምራሕ ዝንቀሳቐሱ ሰብ ትካል ወይ ሰብ ልቸንሳ፣ ዝጠቓለለ መደብ እዩ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ ዞባ ቴስዓን ሰለስተን ዝርከባ ከተማታት ሳን ደኒ(saint denis) ን ሞንትሮይን(montreuil) ዝተባህላ ከተማታት ዘሎ ንዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኣጋጣሚታትን ናይ ሞያን ንስራሕኩም ዝምልከት ኣኼባታት ክትገብሩሉ ስራሓትኩም እውን ከተሳልጥሉ እትኽእሉሉን ቦታታት ተዳልዩልኩም ከምዘሎን ክትጥቀሙሉ ከምእትኽእሉን ንሕብር።


  • ሓደ ብውልቂ ዝከታተል ሓጋዚ ኣማኻሪ ምርካብ፣
  • ሓደ ዝተፈላለየ ኣርእስቲን ሜላን ዝሓቖፈ ንኣብነት ከም ኣብ ቁጠባ፣ መራኸቢ ብዙሃን፣ ዕጋዳን ወዘተ ዝተኮረ ሃናጺ ዝኾነ ልምምድን ናይ ሓባር ስልጠናን ምክትታል።
  • ምስ ናይ ሞያ ፈላጣት ወይ ምሁራን ምርኻብን ምልዛብን፣ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲታት ማለት ኣብ መንግስታውን፥ ቤት ፍርዳውን፥ ሕሳብን ጸብጻብን፥ ከምኡውን ትጽቢታት ውጽኢት ኣብ ንግዳውን መዳይን ካልኦት ነዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ሰፋሕቲ ጉዳያትን ኣርእስታታትን ዘተኮሩ መደባትን ንኣገልግሎት ሰሪዑልኩምን ቀሪቡልኩምን ኣሎ።
  • መዓስ እዚ ጥራይ ንሕና፣ ኣብ ግላዊ መደባትኩም ክትስጉሙን ክትዕወቱን ዝኽእሉኹም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዓበይቲ ሰባት ንምርኻብን ምፍላጥን ዝሕግዝ ዓበይቲ መደባትን ኣጋጣሚታትን ከምነዳሉ ክትፈልጡ ንፈቱ።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻና ብምጥዋቕ ኣብ እትረኽብዎ መመዝገቢ ቅጥዒ ተጠቒምኩም ክትምዝገቡ ከምእትኽእሉ ንሕብር : https://la-ruche.net/incubateur-a-montreuil/

ንምምዝጋብ ክጠቕመና ኢልኩም ናባና እትሰድዎ ዝኾነ ይኹን ሰነድ ወይ ናይ ግልኹም ሓበሬታ ዝሓዙ ቅጥዕታት ማለት ዶሲየ ክትልእኩልና ኣይተግደዱን ኣየድልየኩምን እውን አዩ።

ንሱስ ደሓን ደሓር ድሕሪ እቲ ኣቐዲሙ ክማላእ ዘለዎ ቅጥዕታትን ካባኻትኩም ዝጥለቡ ነገራትን መሰማላእኩሞም ኣረጋጊጽና ንሕና ባዕልና ክንድውለልኩምን ብድሕሪ እዚ ድማ ተረኺብና ክንዘራረብን ክንመያየጥን ስለዝኮና ኣቐዲምኩም ዝኾነ ይኹን ቅጥዒ ንምልኣኽ ኣይትተሃወኹ።

በዛ እት ስዕብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻናን incubateur.montreuil@gmail.com በዚ ዝስዕብ ቑጽሪ ስልክናን 01 48 67 59 29 ክትድውሉልናን ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ላዕሊ ገጽ

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
jafhajafhaተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
nalothmannalothmanተርጓሚ/ሚት
sansanተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
abrhamabrhamተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
incubateur à montreuilincubateur à montreuilኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ