Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ማሕበር ናይ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተመሃሮ L'Union des étudiants exilés (UEE)

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ዋጋ

ብነጻ

ብዛዕባ ክመሃሮም ዘለኒ ትምህርቲታት ንጹር ዝኾነ ሓበሬታታት ምእካብ።

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 ans

እንታዩ’ዩ ?

ኣብዚ ናይ መርበብ ሓበሬታን ናይ " facebook " ኣድራሻ ብዝዕባ ነኣሽቱ መንእሰያት ስደተኛታት ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ትምህርቲ፥ ኢንጂነር፥ ዩኒቨርሲቲን ናይ IUT ኣይ ዩ ቲ ዝለዓለ ናይ ኮምፒተር ትምህርቲ: ሓበሬታ ዝረኽቡሉን፤ ዝምዝገቡሉን መብርሂ ኣሎ።

ከምኡውን ብዛዕባ መንግስቲ ንመን እሰያት ስደተኛታት ተመሃሮ ዝገብሮ ናይ ገንዘብን ኣብቲ ዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ናይ መንበሪ ገዛ ሓገዝን መብርሂታታትን ሓበሬታታትን ተጻሒፉ ኣሎ።

ጎኒ ንጎኒ ናይዚ ሓሳብ እዚ፣ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ብውልቃዊ ምስናይን ምሕጋዝን ናይ ንመንእሰያት ስደተኛታት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ዘቋረጹ እሞ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክቕጽሉ ንዝደልዩ ተመሃሮ፥ ነዚ ንምስላጥ ስጋብ ትምህርቲ እትምዝገቡሉ እዋን፥ ሓገዝ እትረኽቡሉ መንገዲ ተጣጢሑልኩም ኣሎ።


ስጋብ ትምህርቲ እትምዝገቡሉ እዋን ብዝቐለለ መንገዲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትኹም ንምቕጻል ዘኽእለኩም ስልጠናታት እትረኽቡሉ መንገዲ እውን ኣጠዓዒሙልኩም ኣሎ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ብሳላ ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ንዓኹም ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተሓለነን ዝዘርጋሕናዮን ንጹርን ንምርድ ኡ ድማ ቀለልትን ግልጽን ዝኾኑ ጠቐምቲ ሓበሬታት ዝተላዕለ ፥ እቲ ኣቋሪጽኩምዎ ዝነበርኩም ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትኹም ክትቅጽሉሉ እትኽእሉ ዝተፈልልዩ ቀሊል መንገዲን ኣማራጺታትን ሓቢርናኩም ኣለና፥

ኣብ ዝ ሓጸረ እዋን ድማ እቲ ዝቕጽል ናይ ትምህርቶም ክቅጽሉ ንዝደልዩ መንእሰያት ስደተኛታት ናይ ምዝገባ ጊዜ መዓስ ከምዝኾነ ከምንሕብረኩም ከረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ኣብቲ ናይቶም ኣብ ዓዶም ናይ ላዕለዋላይ ደረጃ ትምህርቶም ወዲ ኦም ዲፕሎም ወይ ካብ ኡ ንላዕሊ ዝኾነ ምስክር ወረቐት ዝነበሮም መንእሰያት ስደተኛታት ተመሃሮ ነቲ ወረቓቕቶም ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህሮቶም ንምቕጻል ዘኽእሎም ኣፍልጦ መታን ክረኽቡ ዝሕግዝን ዘሳልን ናይ ምስላጥ ሓገዝ ኣለኩም።

እዚ ሓበሬታ እዚ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዓረብን ተጻሒፉ ቀሪቡልኩም ኣሎ።


ዩንዮን " L'Union " ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር ብስደተኛታት ንስደተኛታት ተባሂሉ ተሓሊኑ ዝተመስረተ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበር እዩ። ናሕና ድማ ኣብ ማእከልና ብዛዕባ ምዝገባ ዝፈልጡ ኣዝዮም ብዙሓት በዚ ሞያ ዝተመረቑ ምሁራትን ፈላጣትን ሰብ ሞያ ስለዘለዉና፤ ናብቲ እትምነይዎን እትደልይዎን ኣንፈት ብሩህ መጻኢ ክንመሓርኩምን ከነሳልየኩምን ክንሕግዘኩምን ምዃንና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

እዚ ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ምስላይን መደብ : ብቋንቋታት ፈረንሳይን ኢንግሊሽን ዓረብን ኣሎና እዩ።

ማሕበርና ማለት ኡ ኢ ኢ " l'UEE" ኣብ ጎንኹም ኮይንና ንምስላጥ እንሕግዘኩም ክሳብ እቲ ናይ ምዝገባ ግዜ እዩ። ግን ኣብዚ ጥራይ ደው ኣይንብልን ኣብ ኩሉ ናይ ምስላጥ ቅጥዕታት ንምምላእ ናብ ኩሉ ቤት ጽሕፈታት ከነሳልየኩም ትደልዩ እንተኮይንኩም ንሓተኩም።

ንኣብነት ምምላእ ዝተፈላለዩ ቅጥዕታትን ናይ ስራሕ መሕተቲ ቅጥዒ ሲቪ ን ስራሕ ንኽትሓትቱ ናብቶም ዘስርሑኹም ብዛዕባ ናይ ስራሕ ተመኩሮኹም እተላልዩሉን

ምስቲ ናይ ስራሕ ቅጥዒ ኣሰኒኩም ስራሕ ንምሕታት እትልእኽ ናይ ስራሕ መሰነይታ ሰታሪት እንተለኩም ደጊምና ብምር ኣይን ብምንባብን ምምላ ኡን ስጋብ እቲ ምዝገባ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትኹም ዝሰልጠኩም ንተሓባበረኩም።

እዚ ናይ ምት ሕግጋዝን ናይ ምስላይን መደብ ብቋንቋታት ፈረንሳይን ኢንግሊሽን ዓረብን ኣሎና እዩ።


ከመይ ንገብሮ?

L’UEE vous intéresse et vous voulez nous aider et devenir un/une bénévole!

እዚ ናትና ሓሳብ ጽቡቕ ኮይኑእንተረኺብኩሞን እንተገዲስኩምን ምስ ማሕበርና ማለት ኡ ኢ ኢ "UEE'' ብነጻ ምትሕብባርን እንድሕር ደሊኩም ፧

ብፍቓድኩም ወለንታዊን ባህ ኢሉኩም ን ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተመሃሮ መንእሰያት ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣበርክቶኹም ኣወፍዩ።

እንድሕር ፍቓደኛታት ኮይንኩን

እዚ ቅጥዒ ምልእዎ Remplissez :- ce document !

ቆጸራ ንምሓዝ, በዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻና ማለት ኢመይል ክትጽሕፉልና ትኽእሉ ኢኹም :-
contact@uniondesetudiantsexiles.org

ኣስተውዕሉ ቖጸራ ንምሓዝ እንኮ መንገዲ ብ ኢመይል ወይ ብናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻና ጥራይ እዩ ።

ወይ ድማ ኣብ ናይ ፈይስ ቡክ ኣድራሻና Facebook : Cliquez ici!

ብዝያዳ ብዝዕባናን ክብሪ ስራሓትናን ንምፍላጥ, ቆጸራ ኣብዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻና :

Cliquez ici!

ኣብ ላዕሊ ገጽ

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

andressa bittencourtandressa bittencourtምምሕዳር
nournourምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
nalothmannalothmanተርጓሚ/ሚት
yazanyazanተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
abrhamabrhamተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
ueeueeኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ