Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ዋጋ

ብነጻ

ኩነታት

መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው

ምርካብ ኣፍልጦ ሞያኹም Expérience sans Frontières

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 6 mois

እንታዩ’ዩ ?

"ተመኩሮ ብዘይ ዶብ" ዝብል መደብ፡ ን ናይ ስራሕ ተመክሮኹም ፣ ኣብ ፈረንሳ ምእንቲ ስራሕ ንምርካብ ንኽጠቕመኩም ን ተመኩሮኹም ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ መደብ እዩ።

ኣብዚ ብምጥዋቕ እትገብርዎ d'Expérience Sans Frontières ነዞም ዝስዕቡ ነገራት የጠቓልል:

  • ሞያውን/ወይ ወለንታዊ ተመኩሮኻ ስራሕ ናይ መበቆል ሃገርኩም ይኹን ኣብ ፈረንሳ፣ ዘጥረኹሞ ስርሓት ኣፍልጦ ይረክብ።
  • ምስ ሞያዊ ፕሮጀክት ብዝተመጣጠነ ስልጠና ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ የሐይል፤
  • ኣብ ፈረንሳ ናይ ስራሕ ዓለምን ኩናታትን ንምርዳእ ኣብ ትካላት ናይ ስራሕ ልምምድ ወይ ውህደት ከም እተኽቡ ይገብርር፤
  • ስልጠናታ ንተወሳኺ ክእለት ንምርካብ ይሕግዝ፤
  • ተመኩሮኻ ናብ ዲፕሎማ፣ ርእሰ-ማል ወይ ምስክር ወረቐት ብመንገዲ VAE ኣገባብ (ምጽዳቕ ዝረኸብካዮ ተመኩሮ) ኣብ ፈረንሳ ኣፍልጦ ዘለዎ ምቕያር፣ ከከም ኩነታትካ።
ኣገዳሲ!
!ዕድመ ዜግነት ወይ ደረጃ ትምህርቲ ብዘየገድስ ናብ Experience Without Borders ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም ። ኣብዚ ዝኾነ ዲፕሎማ ወይ ደረጃ ስልጠና ኣየድልን። ተመኩሮኹም ጥራይ'ዩ ዝቑጸር!

ከመይ ንገብሮ?

እዚኣቶም እዮም እቶም ቀጥዒታት VAEሳ ፍሮንቴኽ

  • ኣብ ስሩዕ ዝተረጋገአ ህይወትን እትመርኹ ምዃን።
  • ተመክሮኹም ካብ ናይ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ካብ እትርከብ ሃገር ይኹን።
  • ሞያዊ ተመኩሮኦምን ክእለቶምን ተከዕብዩ እትደልዩ ምዃን
  • ብቐሊል ክገልጾ ፍለጥ ማለት ተመኩሮኡ ን ንነብሱ ንምልላይ ብሜላ ዝፈልጥ ፤ ሕቶታትን መልሲን ን ቛንቋ ብፈረንሳ ከተረድኡ ምኽኣልን & ብቐሊል መንገዲ ምዝርራብ ምብቃዕን ተየቃልል

ተመኩሮ ብዘይ ዶብ ንምግባር፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ወይ ብቐጥታ እተን ነዚ ደገፍ ዝህባ ኣካዳሚታት። ብኣካዳሚ ክትረኽብዎም ዘለኩም መወከሲታት ቁጽሪ ተሌፎን ኣብዚ ኣሎ፤
    • Île-de-France ኢል-ደ-ፍራንስ፡ 06 10 53 12 26
    • Normandie ኖርማንዲ፡ 06 20 41 01 38
    • Lille፡ 06 20 41 69 32
    • Lyon ሊዮን፡ 04 37 91 24 98
    • Nancy-Metz ናንሲ-ሜትዝ፡ 06 56 69 39 52
    • Reims ራንሰ ፡ 03 26 61 20 40
    • Aix-Marseille ኤክስ-ማርሴ፡ 04 42 90 41 13
    • Corse ኮርሲካ፡ 07 85 65 30 81
    • Nice ኒስ 06 27 66 57 32
    • >> ኣየናይ ኣካዳሚ ከም ዘለኩም እንተዘይፈሊጥኩም ወይ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ናብዚ ዝስዕብ ኢመይል ክስደዱ ፡ experiencessansfrontieres@ac-lyon.fr

ኣቀራርባ ሞያዊ ድሕረ ባይታኻ እቶም ናይ ሞያ መወከሲታት ክመርሑኻ የኽእሎም፤


  • ክእለትካ ኣብ ምዕባይ
  • ኣብ ምምዕባል ሞያዊ ፕሮጀክትካ
  • ኣብ ምርጫ ዲፕሎማ መስርሕ VAE ክትጅምሩ ምስ እትደልዩ።

ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ እንተሃልዩካን ከከም ኩነታትካን፡ ብሓገዝ ናይቲ መወከሲኻ፡ ካብ ማእከል ENIC-NARIC ናይ ዲፕሎማኻ ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ወግዓዊ ሰነዳት (ዲፕሎማ፡ ትራንስክሪፕት፡ ምስክር ወረቐት ስልጠና ወዘተ) ከተርኢ ኣለካ።

> ንምንባብ፡ እቲ Réfugiés.info "Faire reconnaître un diplôme étranger en France". ዝብል ወረቐት "ኣብ ፈረንሳ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ምህላው"።

ዲፕሎማታትካዚ ወይ ነጥብታትካ መርትዖ እንተዘይብልካ፡ ቅድሚ ካብ ሃገርካ ምውጻእካ ክትወስዶ ስለዘይከኣልካ ወይ ኣብ እዋን መገሻ ስለዝጠፍአካ፡ ንኤውሮጳዊ ብቕዓት ፓስፖርት ንስደተኛታት (EQPR) ናይ ምምልካት ኣማራጺ ኣሎካ።

> ንምንባብ: እቲ Refugees.info "Faire une demande de Passeport européen des qualifications des réfugiés (EQPR)" .ዝብል ወረቐት "ንኤውሮጳዊ ብቕዓት ፓስፖርት ንስደተኛታት (EQPR) ምሕታት" ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

Pendant votre parcours Expérience sans Frontières, vous bénéficiez d'un accompagnement personnalisé, individuel et/ou collectif :

ኣብ እዋን ናይ ተመኩሮ ብዘይ ዶባት ስልጠናታታ ፡ ውልቃውን ሓባራዊን ረብሓታት ን ኽትከስብሉ ዕድል ዝወሃቦ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • ንኽእለትካ ንምዕባይ ዝግበር ደገፍ (ሞጎት ወይ ናይ ምክታዕ ዓቕሚ ምህናጽ፡ ክትገልጾም እትደሊ ተመኩሮታት ዝመስመሩ ዓውድታት ምምራጽ ወዘተ)
  • ደረጃ ቋንቋኻ ንምምሕያሽ ብቋንቋ ፈረንሳ ከም ቋንቋ ወጻኢ (FLE) ስልጠና ምሃብ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ምዕባይ
  • ስራሕ ንምርካብ ዘድሊ ዝኾነ ይኹን ተወሳኺ ስልጠና ምድላውምግባርን ካብኡ ምኽሳብን
  • ናብ VAE ዝቐንዐ ኣንፈት ይከኣል እዩ።
  • ከምኡ ውን
  • ርኽበትን ምስ ቁጠባዊ ዓለም ምትእስሳርን (ኢንተርንሺፕ፡ ምኽሳብ ወዘተ) ዝድህሰሶ መደብ እዩ

ኣገዳሲ!
እቲ ናይ ምዕጃብ ወይ ምስናይ ግዜ ግዜ ኣብ ኩነታትካን ድሌታትካን ይምርኮስ። ብሓፈሻ ንሓያሎ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ ምስ ኮርስካ ይላመድ።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
fatma bouhejbafatma bouhejbaምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
hichamhichamተርጓሚ/ሚት
utilisateur_72712685utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
noornoorተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
vae sans frontièresvae sans frontièresኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
esfesfኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ