Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሓተትቲ ዑቕባ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ዜጋታት ፈረንሳ

ዋጋ

ብነጻ

ምፍላጥ ንመሰል ስራሕ ምግንዛብ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 7 mois

እንታዩ’ዩ ?

ሕጊ ዕዮ ንኹሉ መሰላትን ግቡኣትን ሰራሕተኛታት ኣብ ፈረንሳ ይገዝእ እዩ።

ኢሉ የላልየና።

እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት :

  • ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕሊ ስራሕን ንምቁራፅ ዝሕግዙ ቅድመ ኩነታትን፣
  • ናይ ስራሕ ግዜ፣ ክፍሊት፣ ዕረፍቲ፣ ጡረታ ወዘተ ዝምልከት ሕግታት።

ሕጊ ዕዮ ተበጻሒ ኮይኑ፡ ብኢንተርነት ብነጻ ክውከስ ይከኣል : Code du travail

ከመይ ንገብሮ?

  • ናይ 2021 ጝሂ ዕዮ ዘጽደቖ ዝወሓደ ክፍሊት 10,25 ኢሮ ኣብ ሰዓት(SMIC brut) እዩ
  • ግዜ ናይ ስራሕ ኣብ ሰሙን ክሳብ 35 ሰዓት ክንሰርሕ ይፍቀድ ፣ ኣብ ሰሙን ክሳብ 39 ሰዓታት ክኸውን ይኽእል ፣ ዝያዳ ሰዓት ምስ እንስራሕ ተወሳኺ ግዜ ክንክፈሎ ይግባእ ፣ ግን ኣብ ገለ ገለ ቦታት ናይ ስራሕ ዝያዳ ሰዓታት ምስራሕ ኣብ ክንዲ ንኽፈል ዕረፍቲ ናይ ሓጺር ግዜ ክንወስድ ንኽእል።
  • ጥሮታ ንወጸሉ ግዜ ኣብ መንጎ 62 ዓመት 67 ዓመት
  • ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣብ ወርሒ 2,5 መዓልቲ ይፍቀደና።

ምኽሪ

  • ሰዓታት ግዜ ናይ ስራሕ ክኽበሩ ኣለዎም ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዝኾነ ምኽንያት ወይ ጸገም ምስ ነብኩር, ምኽንያት መብኮሪና መሰንይታ ከነቅርብ ይግባእ ፣ ን ኣብነት እንተ ሓሚምና ናይ ሕክምና ወረቐት ናብ ኣስራሒና ክነቅርብ ኣለና።
  • ኩሉ ክፍሊት ወረቐት ናይ ስራሕን ፣ከንቀምጦም ይግባእ። ምኽንያቱ እዋን ናይ ስራሕ ይህወትና፣ ከም ዝሰርሕና ንጥፈታት ከም ዝገብረና መጠን ፣ ኣብ እዋን ጥሮታ ጭብጢ ክኾኑና ይኽእል እዩ።
  • ኣድልዎ ወይ ወገንነት ምግባር ፣ብምኽንያት ናይ መበቆል ዓዲ ፣ ጾታ ፣ ኩነታት ናብራ ስድራ :ጥንሲ:ብቅርጺ ናይ ኣካላት ኣብ ግዝፊ : ኣብ መጽውዒ ስም ናይ ወላዲ: ኣብ ኩንታት ናይ ጥዕና :ኣብ ስንክልና ኣብ ባህርያት ተፈጥራዊ ተወራሲ ሕማም: ኣብ ቅርጺ ምቅይያር ናይ ጾታ:ኣብ ዕድመ ርእይቶ ናይ ፖሊቲካ :ንጥፈታት ናይ ማሕበር ;ኣብ ምስሊ ግዳማዊ ትርኢትወይ ዘይ ግዳማዊ ትርኢት በንጻሩ ;ኣብ ዓሌት ;ኣብ ሃገር ኣብ መበቆል ኣብ ሃይማኖት ኣብዞም ክሎም ዝተጠቀሱን ካልእን ምንእኣስ ወይ ምፍልላይ ወገንነት ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ ::

ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ተማሳሰልቲ ጉጅለ መደብ ናይ ስራሕ ኣሎ ፣ በዚ ኣስራርሓ ናይ መደብ ሕግታት ዝተፍላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ፤ መሰልን ግብኡን ስምምዕ (ውዕል ይ ስራሕ ንኣስራሕን ሰራሕተኛን )

ንኣብነት ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ንከተል ፣

  • ስልጠና ፣ ብዝተፋለዩ መንገዲ ንተማሃሮ ሰልጠንቲ ናይ ሞያ ኣብ ሰምናዊ መደብ ተስሪዖም ኣለው ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከል መሰልጠኒን ሰምንዊ ግዜ ናይ ስራሕ ኣብ ትካልን ፣ ሰሙን ንሓንሳብ ኣብ ስራሕ ንሓንሳብ ኣብ ትካል መሰልጠኒ ፣ኮንትራት ናይ ምስልጣን ናይ ሰራሕተኛን ክንገብር ንኽእል ።
  • ስነ-ጥበብ ፣ ብኢድ ዝስራሕ ናይ ሞያ ኮይኑ ነብሱ ዝኽኣለ ኣስራሒ ኣለዎም፣ ንኣብነት ዳሕብስቲ ብሎንጀሪ ፣ ህንጻ ፣ ሰራሒ ሳእኒ ፣ ክዋፈር ዳ ጸጉሪ ፣ ኣብዚኦም ቦታ ንምስራሕ ናይ ሲ ኣ ፔ ወረቐት ፣ ወይ ተመጣጣኒ ናይ ዲፕሎም ወረቐት ፣ ወይ ናይ 6 ዓመት ተምክሮ ክህልወና ኣለዎ።
  • ንግዲ ፣ ንግዲ ንክንሰርሕ ሓደ ቦታ ናይ ሸቐት ክህልወና ኣለዎ ፣ ን ኣብነት ቡቲክ ፣ ኣብ ጎደና ባንኮ ዘርግሕና፣ ዓባይ ማኪና ፣ ካልእን …. ከምኡ’ውን ምስ ሓንቲ ትካል ማርክ ምስራሕ ይከኣል ኢዩ፣ ብዝኾነ ሓደ ቦታ ውሑስ መሽጢ ቦታ

• ሓረስቶት ዝዘርኡ ከም ንቡር ዘራእቲ ኢዮም ዝጽውዑ ነፍሱዝኻአለ ኣስራ ሓ ኣለዎም። ን ናቶም ናይ ብሕቶም መሬት መሕረሲ ወይ መሬት ናይ ክራይ ንከፍርዩ።

• ሰራሕተኛ መንግስቲ ፣ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ናይ ትካል መንግስቲ ብወድድር ብምስታፍ ስራሕ ትረክብ ፣ ውሕስነት ናይ ስራሕ ኣለዎም ፣ ምስ ህዝቢ ዝኸይድ ሕጊ ተቀይዶም ኢዮም ዝኸዱ፣ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ኣብ ሰልስተ ግሩብ ዝተመደበ ኢዩ ፣ ግሩብ A ደረጃ bac+3 ግሩብ B ደረጃ ባክ bac ግሩብ C ሲ ኣ ፐ CAP ክፍሊት ናቶም ከም ኩነታት ናይ ደረጅኦም ናይ ስራሕ ኢዮምን ዝኽፈሉ ፤፣ ሰርሕተኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ምስ ህዝቢ ምስራሕ ዜግነት ናይ ሃገረ ፈረንሳይ ወይ ናይ ሕብረተ ኢሮፓ ከድልየና ኢዩ ፣ በንጻሩ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ ሰርሕተኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ንሓጺር ኮንትራት ክንስረሕ ይከኣል ኢዩ ።

  • ሰራሕተኛታት፣ ብሓፈሻ ኣብ ናይ መንግስቲ ንህዝቢ ዝሰርሑ ሓፈሻዊ ፣ ወይ ኣብ ንውልቃዊ ፣ ኣብ ትካላት ፣ ከም ኩንታቱ ፍቃድ ኮድ ናይ ስራሕ ኣብ ገለ ቦታታት ምስ ኣስራሕቲ ብግዜ ናይ ሰዓት ስምምዕ ተጌሩ ክስራሕ ይከኣል።
  • ግዝያውያን ሰርሕተኛታት ፣ ምስ ወኪል ትካላት ኣጀንሲ ናይ ግዝያዊ ሓጺር ስራሕ ኣብታ ትካል ፣ ስራሕ ንሓደ\ሓንቲ ካብ ሰራሕተኛታት ምስ ዘብኩር ኣብ ምትካእ ክኸውን ይኽእል ፣ ወይ ከኣ ናይ ህጹጽ ስራሕ በታ ትካል ጠለብ ቀሪቡ ተዳልዪ ክኸውን ይኽእል፣ ግዝያዊ ስምምዕ ብመንግዲ ናይ ኣንተር ሪም ወይ ብ ኣጀንሲ ብቀጥታ ናብ ሕሳብ ናይ ኣክውንቲ ክኽፈል ይኽእል፤ ሓደ ሓደ ግዜ ስራሕ ቀጻልነት ዘለዎ ንክሉ ግዜ ምስ ትካላት ስራሕ ክረከብ ይከኣል ኢዩ።
  • እዋናውያን ፣ ሰራሕተኛታት፣ ፣ ስራሕ ምስ ግዜ ዝተኣሳሰር ኢዩ ፣ ስምምዕ ናይ ስራሕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክሳብ ኣስታት 8 ወርሒ ክኸውን ይኽእል ፣ ን ኣብነት ኣብ ግዜ ቀውዒ ምህርቲ ዝሕፈሰሉ ፣ ኣብ ጎቦ መንገዲ ምምራሕ ፣ ሞኒተር ኣብ እስኪ ካልእን ………
  • ወቕታዊ ሰራሕተኛታት፡- ውዕሎም ንወቕቲ ወይ ካብ ዕለት ክሳብ ዕለት፡ እንተበዝሐ ን8 ኣዋርሕ ይፍጸም። ኣብነታት ሞያታት፡ ምእካብ ወይኒ፡ ምልቃም፡ መራሒ ኣኽራን፡ መምህር ስኪ ወዘተ።

ኣብ ትሕቲ ካልኦት ክልተ ቁሩብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ሓደ ንጥፈት ምፍጻም እውን ይከኣል እዩ።

• ሰልጠንቲ፦ ኣብ መንጎ ሰልጠንቲ፣ ኣአንጋዲ ትካል (ኩባንያታት፣ ማሕበራት ወዘተ)ን ትካል ትምህርትን (ቤት ትምህርቲ፣ ዩኒቨርሲቲ ወዘተ) “ስሉሳዊ” ስምምዕ ይፍረም። ንውሓት ግዜ ናይቲ ልምምድ ልዕሊ 2 ወርሒ እንተኾይኑ (ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ተኸታተልቲ ይኹን ዘይኮኑ) እቲ ልምምድ ዝገብር ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቦነስ ይረክብ።

• ወለንተኛታት፦ እቲ ወለንተኛ ግዜኡን ክእለቱን ተመኩሮኡን ንኻልእ ሰብ ወይ ትካል (ማሕበር) ከም ዝበጽሕ ይገብር። ኣይክፈልን እዩ ግን ምስ ንጥፈታቱ ዝተኣሳሰሩ ዝተወሰኑ ወፃኢታት (ናይ መገሻ ወፃኢታት፣ ንዋት ወዘተ) ክምለሰሉ ይኽእል እዩ። እቲ ወለንተኛ ናይ ምሉእ ግዜን ናይ ውሱን ግዜን ውዕል ኣለዎ። ኣብ ሓፈሻዊ ረብሓ ዘለዎ ተልእኾ ይዋፈርን ካሕሳ ይረክብን።

ሰራሕተኛታት ውዕል ስምምዕ ስራሖም ምስ ዝሰርሕዎ ዝተሓሓዝ ክህልዎ ይግባእ።.ኣብዚ ስምምዕ ናይ ስራሕ ብዝርዝር ብግልጺ እንተ ተጻሒፉ ፣ ን ኣስራሕን ሰርሕተኛታት ካብ ዝኾነ ዓመጽን ምብላጽን ከገላግል ይኽእል፣ ከ ከም ኩነታቶም ስምምዕ ናይ ስራሕ ብዝተፋለለዩ ዓይነት ኣገባብ ተጻሒፎም ኣለዎ ፤፣

• ስምምዕ ስልጠና ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ሞያ ስምምዕ d'alternance ናይ ምትካእ ማለት ንክልተ ዓይነት ስምምዕ ኮይኑ ኣብ መንጎ መሰልጠኒ ሞያ ትምህርትን ምስ ትካል ናይ ሞያን በብ እብረ እና ተማህርና እና ሰራሕናን እንገብሮ ስምምዕ ኮይኑ ብበዓይነቱ ውዕል ክንገብር ንኽእል ንኣብነት ግዚያዊ ስምምዕ ናይ ሰዲዲ CDD ወይ ዘይወድቅ ስምምዕ ናይ ሰዲኢCDI ክንረክብ ንኽእል።

• ስምምዕ ናይ (CUI) ብቀዳምነት ንጸገም ዘለዎም\ወን ሰባት ዝውሃብ ኢዩ እዚ ዕድል ናይ ስራሕ ብቀዳምነት ነጸገም ዘለዎም\ወን ሰባት ዝውሃብ ስራሕ ኢዩ ፤፣

• ግዝያዊ ስምምዕ ናይ ስራሕ (CTT) ወይ ኣንተሪም ብክልተ ዓይነት ናይ ኣካይዳ ናይ ስራሕ ኣሎ ፣ ንኣብነት ፣ ምስ እታ ንሰራሓላ ትካል ብቀጥታ ግዝያዊ ስራሕ እንሕደሰና ብበግዚኡ ክንሰርሕ ንኽእል ወይ ከኣ ምስ ወኪል ናይ ኣጀንሲ ወይ ኣንተሪም ስምምዕ ብምፍራም ብመንገዲ ናይ ኣንተሪም እና ኣሕደስና ክንሰርሕ ንኽእል ።

• ስምምዕ ናይ ውሱን ግዜ (CDD) እንተ ነዊሑ ክሳብ 18 ወርሒ ክኸውን ይኽእል ፣ ኣብ መጨረሽታ ስምምዕ ከኽትም ይኽእል።

•መፈጸምታ ዘይብሉ ዘይወድቅ ስምምዕ (CDI) ፍሉጥ ስራሕ ኮይኑ ኣብ መጀምርያ ግዜ ስራሕ ክንጅምር ከለና ኩሉ በደቂቅ ተዘርዚሩ ንረኽቦ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ስራሕ ምቅያር ወይ ምልቃቕ ስራሕ

ስምምዕ ኮንትራት ናይ ስራሕ ጠጠው ንከነብል ብዝተፋለልዩ ዓይነት መንገዲ ኣለው። ስምምዕ ናይ ውሱን ግዜ እንተ ኮይኑ ኣብ ግዚኡ ምስ ኣከለ ናይ ስምምዕ ግዜ ከብቅዕ ኢዩ ስራሕ ምስ ወዳእና ከኣ ሾማሽ ንክንሓትት መሰል ኣለና።

ምልቃቕ ናይ ስራሕ ምልቃቕ ናይ ስራሕ ፣ ብጀካ ኣብ ናይ ምፍታን ግዜ ፣ ምስ ኣስራሒ ብስምምዕ ምልቃቕ ናይ ስራሕ ይከኣል ኢዩ፣ ብዘይ ፍቃድ ናይ ኣስራሒ ካብ ዓቅሚ ወጻኢ እንተ ኮይኑ ፣ሓገዝ ናይ ሾማሽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና ፣ ብጀካ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ናይ ምብካር ተመድቡ ዝነበረ ፣ ማለት ሰራሕተኛ ዕረፍቲ ዘይወዱ እንተ ኔሩ።

ምፍናው: ኣስራሒ በይኑ ነቲ ውዕል የቋርጾ ==> እቲ ምብራር ምስ ዲሲፕሊናዊ ምኽንያት ዝተኣሳሰር ምስ ዝኸውን እቲ ሰራሕተኛ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ካሕሳ ኣይረክብን እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ምብራር ቁጠባዊ ወይ ውልቃዊ ምኽንያት እንተሃልይዎ እቲ ሰራሕተኛ ካሕሳ ይረክብ

ኣብ መወዳእታ ናይ ስራሕ ስምምዕ ሰራሕተኛ እዘን ዝስዕባ ዝርዝር ክረክብ ይግብኦ። ሰርትፊኬት ናይ ስራሕ

ሓንቲ ደገፍ ምስክር ወረቐት ናይ ስራሕ ንፖል ኣምፕልዋ

  • ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት
  • ንፖለ ኢምፕሎይ ዝኸውን ምስክር ወረቐት
  • ምሉእ ክፍሊት ዝኸውን ቅብሊት
ኣብ ላዕሊ ገጽ

20 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
khedrakikhedrakiተርጓሚ/ሚት
utilisateur_50685950utilisateur_50685950ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_91411775utilisateur_91411775ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
valentynavalentynaተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_35099322utilisateur_35099322ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
aman expertaman expertተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
utilisateur_93887086utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_2134382utilisateur_2134382ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
mariamariaተርጓሚ/ሚት
relorefrelorefኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
nalothmannalothmanተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት