Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ምስ AGIR 44

AGIR Ensemble 44
ኣዳላዊAGIR Ensemble 44

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜዝለኦኣለ 24 ወርሒ

ምርካብ ስራሕን ገዛን Loire-Atlantique መንበሪን ድለዩ ።

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 mois

እንታዩ’ዩ ?

እቲ AGIR ኣጂር ኣብ ፈረንሳ ንዝርከቡ ስደተኛታት መንበሪን ስራሕን ዝሕግዝ መደብ እዩ ።

መድደብ ፕሮግራም ኣጂር ኣብ ፈረንሳ ኣብ መስርሕ ውህደትካን ኣብ ኣገባባትካን ይሕግዘካ።

ንዝስዕቡ ክትድገፉ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ምምሕዳራዊ ኣገባባት ምፍጻም፣ ንዓኹምን ስድራቤትኩምን ንደቅኹምን ።
  • ምንባር መንበሪ ገዛ
  • ቋንቋቅ ፈረንሳ ንምምሃር ወይ ሞያ ንምምሃር ስልጠና ምርካብ
  • ምእንቲ ስራሕ ወይ ልምምድ ምርካብ፣ ምስ Pôle emploiን ናይ ተተሓሒዙMissions locales
  • እንተላይ ንጸገማት መዓልታዊ ህይወት (ክንክን ህጻናት፡ ጥዕና፡ ምንቅስቓስ) መፍትሒ ምድላይ

ምፍላጡ ዝገድስ!
ደገፍ ኣጂር እንተበዝሐ ን24 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ንዓኻ ዝቐርበሉ ውዕል ብምፍራም ወግዓዊ ይኸውን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2 ወርሒ ኣኼባታት ኣለኩም፡ ኣብ እዋን ደገፍኩም ድማ ናይ ጉጅለ ዓውደ መጽናዕትታት ይውደብ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ዝተፈላለዩ ሕቶታት ክትሓቱን ክምለሰልኩምን ኢኻ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣገባባት፡ ሓገዝ ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ግብሪ፡ ፍቓድ ምዝዋር መኪና፡ ምውጻኣ ሕሳብ ባንክ፡ ምርካብ መንነት ወረቐት፡ መንበሪ ካርድ ወዘተ።

  • ምርካብ ኣብ ሞያዊ ዝንባለኹም ክትድገፍ
  • ቅድም ሞያዊ ፕሮጀክትካ ሃኒጽካ ስራሕ ወይ ስልጠና ረኸብ፣ ምስ Pôle emploiን ሚስዮን ሎካል (France Travail) ብምትሕብባር
  • ምምሃር ብቋንቋ ፈረንሳ ክትስጉም ኣብ ማእከል ስልጠና ወይ ማሕበር ረኺብኩም ተመጽገቡ
  • ምርካብ ስራሕን ሞያዊ ውህደትን ደገፍ መሓውራት: Pôle emploi, local missions, AFPA, GRETA, ወዘተ ንምርካብ ይከኣል ።
  • ፈለማ መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብ ሓገዝ ውሰድ
  • ብድሕሪ እዚ መንበሪ ምርካብ ኣብ ምትካልን ኣገባባትን ሓገዝ ምርካብ
  • ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ ምርካብ

ከመይ ንገብሮ?

ካብዚ መደብ ንምስታፍ ክህልዉ ዘለዎ ዶክመንት፤

  • ናይ ቁዕባ ወረቐት ምህላው (ዕድመ ወይ ንእሽቶ ልዕሊ 16 ዓመት ምዃን)
  • ወረቐት ካብ ዝረኽቡ ክልተ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ክኸውን ኣለዎ
  • ከምኡ ውን ኣብ CIR (ውዕል ውህደት ሪፓብሊክ ወይ ፈረንሳ ) ዝፈረምኩም ምዃን
  • ኣብ Loire-Atlantique ሎየር-ኣትላንቲክ ይነብሩን ኣብኡ ይነብሩን (ዝተወሰነ ኣድራሻ ኣለዎም) ክኾኑ ይግባእ።
ምፍላጡ ዘገድስ!
ኣብ ስድራቤትካ ዘለዉ ሰባት (መጻምድትኻ፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ወለዲ)፡ ዋላ ስደተኛታት እንተዘይኮኑ፡ ምሳኻ ካብቲ መደብ ክጥቀሙ ይኽእሉ።

ካብ መደብ ኣጂር ንኽትጥቀም ዘድሊ ቅድመ ኩነት እንተ ኣማሊእካ (1ይ ክፋል ርአ) ብቐጥታ par l'OFII. ክትውከሱ ትኽእል ኢኹም ።

ኣብ ላዕሊ ገጽ
ብ ሊንክ ወይ ፈለግ ሼር ግበሩዎ

6 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
bissobissoተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
utilisateur_628083utilisateur_628083ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት