ምስታፍ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ስፖርት ኣብ ሓደ ኣብ መዓልቲ ስፖርት
ምስ ምስ Du Stade vers l'emploi
ኣዳላዊ France Travail ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a un anኣብቲ ኣብ ስታድዩም ዝተዳለወ ስፖርታዊ ውድድር ኮይኑ ፣ ደለይቲ ስራሕ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ንኽራኸቡ ዘኽእል ባይታ እዩ።
ምፍላጡ ዘገድስ “ካብ ስታድዩም ናብ ስራሕ” ዝበሃል መደባት ኣብ ብዙሓት ስታድዩማት ኣብ መላእ ፈረንሳ ዓመት ምሉእ ይውደብ ። ስፖርታዊ ንጥፈታት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ቀሊልን ን ኹሉ ክሳተፎ ከም ዝኽእል ኮይኑ እዩ ተዳልዩ ።
እዚ ፍጻመ ሓደ መዓልቲ ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ ክልተ ክፋላት ተመቒሉ ዝካየድ እዩ፤
- ናይ ንግሆ ስፖርት : ደለይቲ ስራሕን መልመልትን ስሞም ከይተገልጸ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብሓባር ይሳተፉ (መን መልመልቲ መን ደላይ ስራሕ ምዃኑ ዝፈልጥ የለን: ቀዳማይ ኣስማት ተሳተፍቲ ጥራይ ኢኻ ትፈልጥ)።
- ስልጠና ናይ ድሕሪ ቀትሪ : ቀትሪ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብ ዙርያ ሓደ ጠረጴዛ ተራኺቦም መግቢ ሓቢሮም ይካፈሉ፡ ኩሉ ግዜ ስሞም ከይተገልጸ። ድሕሪ ምምጋብ እቶም መልመልቲ ንነብሶም የላልዩ። ድሕሪኡ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ርጉእ ሃዋህው፡ ንዝቐርበሎም ስራሕ ንምምልካት ምስኦም ክትዘራረቡ ትኽእኩ ኢኹም።
እቶም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኣስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት : መመገቢ፣ መሸጣ፣ ሆቴላት...
ሪዝዩምካ ምምጻእ ወይ እቲ ዝበለጸ ኣትሌቲክ ምዃን ኣየድልየካን እዩ። እቶም ፈተናታት ክእለትካን ፍልጠትካን ንምዕባይ ዝተመጣጠኑ እዮም: ናይ ጋንታዊ ሓባራዊ መንፈስ፣ ናይ ምስማዕ ክእለት፣ ምላሽ ምሃብ... እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ መልመልቲ ምስ ድሌታትን ክብርታትን ትካሎም ዝሰማማዕ ፕሮፋይላት ምርካብ እዩ።
ምፍላጡ ዘገድስ!
ኣብ መዓልቲ “ካብ ስታድዩም ናብ ስራሕ” ንምስታፍ ፡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክህልወካን ኣብ Pôle Emploi ክትምዝገብን ኣለካ ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ከመይ ንገብሮ?
13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
claudia m
a mugnier
diplosamተርጓሚ/ሚት
rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
guillaume dumas (pe)ተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት