ንመዓልታዊ ናብራ ዝኸውን ቋንቋ ፈረንሳ ተማሃሩ።
ምስ Je De Mots ምስ ጀ ደ ሞ
እንታይ ኢዩ?
ስልጠና ን ቋንቋ ንፈረንሳ ክመሃሩ ወይ ደረጃ ከማሓይሹ ንእትደልዩ ሰባት፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንኽረዳድኡሉ ዘኽእል እዩ።
ምፍላጡ ዝገድስ!
ትምህርቲ ካብ ሓሙስ ክሳብ ዓርቢ፡ ንግሆን ድሕሪ ቀትርን (ድሕሪ ፈተና ከከም ደረጃኹም) ይካየድ።
ንመን ኢዩ ፧
ስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን
ካብ 3 ወርሒ (ዝወሓደ) ክሳብ 12 ወርሒ (= 1 ዓመት)
ዞባ\ ዴባርትሞ
59 - Nord
ስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን
ካብ 3 ወርሒ (ዝወሓደ) ክሳብ 12 ወርሒ (= 1 ዓመት)
ዞባ\ ዴባርትሞ
59 - Nord
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ብፈረንሳ ምጽሓፍን ምዝራብን ተማሃሩ
ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ዝያዳ ናጻ ክትከውንን ኣብ ጻዕርኻ ክሕግዘን ናበይ ከም እትኸይድ ክትፈልጥን።
ኣብ ዓውደ መጽናዕትታት ዜግነታዊ ውህደት ምክፋል
- ሕግታት ህይወት ፡ ኮዳት ፡ ልምድታት ህይወት ፈረንሳ ንምምሃርን ምንባርን።
- ኣሰራርሓ ምምሕዳራት ፈረንሳ (ኣዳራሽ ከተማ፡ ግብሪ፡ ፕረፈክቸር፡ ቤት ትምህርቲ ወዘተ) ንምፍላጥን ንምርዳእን
ምስ ካልኦት ሰባት ተራኸቡ
ብተወሳኺ እዚ ዕድል እዚ ምስ ካልኦት ሰባት ክትላለዩ፡ ዝተፈላለየ ላህጃታት ክትሰምዑ ፡ ነንሕድሕድኩም ክትተሓጋገዙ እትኽእሉ ...እዩ
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ቅድመ ኩነት ናይ መዝገባ።
• ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾነን ኣብ ፈረንሳ ንዝነብሩን ወይ ድማ ትሕቲ 5 ዓመት መንበሪ ፍቓድ ዝረኸበን ክኸውን ይግባእ
• ምስ ዕላማታት ናይቲ ስልጠና ዝሰማማዕ ውልቃዊ ፕሮጀክት ዘለኩም
• ተበግሶ ምህላውን ኣብ መዓልታት ስልጠና ንኽህሉ ቃል ምእታውን ( እንተወሓደ 3 ወርሒ ) ።
መዝገባ
• ቅድመ ምዝገባ : እቲ ናይ Fiche de liaison ነዚ ቅጥዒ ምስ ሶሻል ኣሲስታንስ ፣ ብምዃን ክምላእ ኣለዎ። ምሉእ ስም ፣ ቴለፎን፡ ትመልእዎ እንተዘይክኢልኩም፣ ነዚ ምምላእ ምስ ዘይትኽእሉ ድማ ኢመይል ናብ fle.lille@groupe-sos.org ስደዱ
• ንናይ ምምዳብ ፈተናን ንኣቀራርባ ኮርሳት ዝኸውን ቃለ መሕትትን ቆጸራ ምሓዝ።
• እማመድሕሪ ምቕባልኩም ዝቐረበ መደብን ምጅማር ኮርስን ።
ኣድላዪ እንተኾይኑ ርኸቡና።
ንማሪ ዱሞንት Marie DUMONT, ኣተሓባባሪት ፕሮጀክት ክትረኽብዋ ትኽእሉ ኢኹም፤
• ስልኪ ፡ 06.07.66.38.44
• ኢመይል ፡ fle.lille@groupe-sos.org ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ።
ኣድራሻ፡ ዘ ማኑፋክቸር፡ 3 rue du Docteur Huart 59260 HELLEMMES-LILLE
ሓቢርካ ምስራሕ
ምስ ማሕበራዊ መወከሲኻ (እንተሃልዩካ) ንዛረብ፡ ምዕባለኻ ንምርኣይ ወይ ድሌታትካ/ጸገማትካ ንምግላጽ እንተተጸጊምካ ንኽንፈልጥ።