ኣብ ፈረንሳን ናይ ቀረባ ፈታዊ ተሓላቂ ሰብ (ትኽ-ትንፋስ ) ንምርካብ
ምስ ምስ መደብ "Rencontres et Loisirs"
እንታይ ኢዩ?
ንስኻ ሓደ ወለንተኛ ክፉት ኣተሓሳስባ ዘለካን ሰብ ኴንከ ፣ ንሓደ ስደተኛ ኣብ ፈረንሳ ክትሕግዝ ድሉው ዲኻ? መንግስቲ ፈረንሳን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ብምትሕብባር፤ ነዚ ናይ ግብረ ሰናይ፥ ተግባር ኣብ ግብሪ ምውዓል፤ ዝከኣለሉ፥ ብግህዶ ጭቡጥ ዝኾነሉ ጉዳይ ኣጣጢሑ ኣሎ::
ኣብዚ መደብ ምሕገዝ ንስደተኛታት እምበኣር, ብቐዳምነት ምስ ሓደሽቲ ሰባት ብምልላይን ኣብ ናይ ትርፊ ጊዜኦም ዘሕልፍዎ ምዝንጋዕ ዘጠቓለለ ኾይኑ፤ ሲነማ ሙዚቃ ምዝንጋዕ ካልእን እዚ እትወስድዎ ስጉምቲ ድማ ኣብ ሂወት ሓደ ስደተኛ፤ ዓቢ ኣስተዋጻኦ ንኽትገብሩ ዓቢ ኣፍደገ የርሑ ።
ስለዚ ንስኻ ብወለንታኡ ናይ ግብረ ሰናይ ሓጋዚ ደኣ እምበር ኣብ ቦታ ወይ ሞያ ናይ ሓደ ተሓጋጋዚ ናይ ማሕበራዊ ሂወት ማለት( ትራቫዮር ወይ ኣሲስታንት ሶሺያል travailleur social) ክትትክእ ዘገድደካ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ይኹን ሓይሊ ከምዘየሎ ክትፈልጥ ይግበኣካ።
እቲ ተደልዩ ዘሎ ሸቶ ነዚ ክትሕግዞ ደሊኻዮ ዘለኻ ስደተኛ፤ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን ማሕበራዊ ዝኾነ ምትእስሳርን ምትሕልላይን፥ ዝመለኦ ዝምድና ምፍጣርን እቲ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ድማ፥ ምምዕባሉን እዩ።
ንመን ኢዩ ፧
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ንሓደ ስደተኛ፥ መታን ናብቲ ሓባራዊ ሂወት ንምቕላል
መታን ናብ ሕብረተሰብ ፈረንሳይ ብዝቐለል መንገዲ ክጽምበር ክኽእልን፥ ስደተኛ ኣብ ምሕጋዝ ወይ ንምስናይ፥ ምስታፍ
ምስ ሓደሽቲ ሰባት ብምራኻብን ፍልጠት ምድላብ
ንሓደ ስደትኛ ምሕጋዝካ ንዓኻውን ካብቲ ልሙድን ተደጋጋሚን ዓንኬል ሂወትካ ወጺካ ሓደሽቲ ስባት ምፍላጥን ሓድሽ ናይ ሂወት ተመኩሮ ክትላለይን ክትድልብን የኽእለካ።
ሓድሽ ባህልን ልምድን ክትላለ ይገብረካ።
ልዕሊ ኹሉ ድማ ውጽኢቱ ብዕሊን ብጋህድን ኣብ ባይታ ዝርኤ መደብ ምሕጋዝ ስደተኛ ምስታፍካ ንስኻውን ብወገንካ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦም፡ ሓደሽቲ ባህልታትን ወግዕታትን ልምድታትን፥ ክትላለ የኽእለካ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ኣብቲ ትነብረሉ ከባቢ እትርከቡ ማሕበር ተወከስ።
ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ከባቢ እቲ ንዓኻ ዝሓሸ እዩ እትብሎን ዝሰማምዓካ ናይ ምሕጋዝ ኣገባብ ወይ መንገዲ ኣለልን ምረጽን፡ካብዘን ኣብዚ ካርታ ተወሳሳእቲ ወይ ንጡፋት ኮይነን ተጠቒሰን ዘለዋን ዝርከባሉ ቦታታት ብምሕራይ ዝሰማምዓካ ቦታ ሕረ።
ኣድራሻን ሙሉእ ሓበሬታን እትረክበሉ ቦታ ንምኻድ ናይ እቲ ማሕበር ሽም ጠውቕ እቲ ዝጠወቕካዮ ድማ ቢንተርኔት ተመሪሑ ናብቲ እትደልዮ ሙሉእ ሓበሬታ ክመርሓካ እዩ።