ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ኣክሰሌር ባዶ ሸውዓተ(ACCELAIR 07) ምስ ዝተባህለ መደብ፣

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ስራሕን ገዛን ናይ ምርካብ ዕድል፣
እንታዩ’ዩ ?
ኣክሰሌር "ACCELAIR" መደብ፤ ዑቕባ ከምዝሓተቱን ወረቐቶም ከምዝወሰዱ ካብ ኦፍፕራን "ofpra" ሰኤንደኣን "cnda" ብዝመጾም ደብዳቤ ብምርግጋጽ፥ ዑቕባ ካብ ዝሓትቱ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝኾኖም ሰባት፥ ናይ ቀዳማይ፣ ናይ ካልኣይን፣ ሳልሳይን ደረጃታት ናይ ዓለም ለኻዊ ውሕስነት ረኺቦም ወረቐቶም ንዝተዋህቡ ስደተኛታት፣ ምቕማጦም ኣብ ዞባ ኣርደሽ ንዝኾኑ፣ ዝሕግዝን ዘሳልይን መደብ እዩ፣ ሳላ ጻዕርን ሓገዝን ህዝባውያን፥ ግላውያን ትካላት ወይ ተቛማት መሻርኽትና ዝተላዕለ፣ ኣክስሌር ኣብዚ ዞባ ንዝነብሩ ተቐመጥቲ፣ ስራሕን መንበሪ ገዛን ንምርካብ ሓገዝን ምስላይን ኣድልዩ ኣሎ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ማሕበር ኣክሰሌር ባዶ ሸውዓተ (Accelair 07) :ብኣዝዮም ምኩራት ሰብ ሞያ ማሕበራዊን ሓገዝን ምስላይን,ናብን ብድርሕሪ መንበሪ ገዛ ምርካብን ከም ኡውን ነቶም ምኩራት ሰብ ሞያ ስራሕ ናብ ዝረኽቡሉ ኣንፈትምምራሕን ምስላይን፣
ብህዝባዊ ሓገዝን ምስናይን ፍሉይ ምኩራትን ሞያተኛታትን ብዝኾኑ ሰብ ሞያ፣ ንስደተኛታት ስለዝሓሊ ኣብ ዘድልዮም ጊዜን ቦታን ከተፍ ዝብሉን ዝርከቡን ነቲ ብዘይምስትውዓልናን ብሰንኪ ቋንቋ ሕጽረት ከጋጥም ንዝኽእል ሽግር ዘርሕቑ ብፍላይ ኣብ እንገብሮም ናይ ቤት ጽሕፈታት ጉዳያትና ነቲ ጸገም ኣብ ምቅላል ዓቢ እጃም ዘለዎም ተርጎምቲ ዝቖመት ማሕበር እያ።
ኣክሰሌር ባዶ ሸውዓተ (ACCELAIR 07 ) ንወረቐቶም ዝሓዙ ስደተኛታት ናይ ግሎም ዝኾነ ገዛ፣ ርእሶም ክኢሎም ባዕላቶም፣ እቶም ገና ገዛ ዘይረኸቡ ሰባት እታ ናይ መጀመርታ መንበሪት ገዝኦም ንኽረኽቡ ይሕግዝን የሰንዮምን፣
- መንበሪ ገዛ ኣብ ምድላይ ሓገዝን ምስናይን፣ ብውልቅን ብሓባርን ዝግበር ንጹርን ፍሉይን ዓላማ ዘለዎ፣ ብዛዕባ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ገዛ ናይ ምድላይን ምርካብን መስርሕን፣ ጭቡጥን ህሉውን ዝኾነ ኩነታትን፣ ገዛ ንምርካብ ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምትን ክፍለጥ ዘለዎ ሓበሬታታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂን፣ ብተወሳኪ ድማ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣካራይን ተኻራይን ዘሎ ዝምድናን፣ ምፍላጥ መሰልን ግቡእን ኣካራይን ተካራይን ብዝምልከት ጭቡጥ መረዳእታን ሓገዝን ምሃብ፣
- ናብቲ ዝተረኽበ ሓድሽ ገዛ ናይ ምእታው መስርሕን ብውልቂ ዝወሃብ ሓገዝን ምስናይን፣
- ነቲ ዝተረክበ መንበሪ ገዛ ድማ ብዝተፈላለየ ጉድለታት ወይ ጸጋማት ክኾኑ ይኽእሉ ወይ ድማ ምናልባት ሕጊ ናይቲ ገዛን ኣነባብራን ብዘይምኽባር ዝተላዕለ ነቲ ገዛ ንዘይምስኣኑን፣ ነቲ ተረኪቡ ዘሎ ገዛ ብዝተኻእለ መጠን ምዕቃቡን ተንከባኪብካ ንነዊሕ እዋን ብዘይ ገለ ሽግር ክትነብሮ ክትሕዞን ዘኽእል ሓገዝን ምስናይን፣
ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ካልኦት ግዝያውያን ዝኾኑ ፍታሓት ምንዳይን ምስተረክቡ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓሎምን ዘጠቓለለ ስራሓት ምስራሕን ምንጥጣፎምን፣
ንኣብነት ከም ናይ ማሕበራውያን መንበሪ ገዛውቲ፣ ናይ መንእሰያት መቐበሊን መአንገድ ገዛውቲ፣ ብማእከላይ ኣካል ውሕስነት ወይ ብዋሕስ ዝርከቡ ናይ ክራይ ገዛውቲ፣ዝካረዩ ገዛውቲ፣ ግዝያዊ ፍታሕ ዝኾኑ ገዛውቲ፣ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓበራ እትነብሮ ናይ ሓባር ክራይ ገዛውቲ ምርካብ ዝሓቖፈ መደብ ኣለና።
- ስራሕ ንምርካብ ዝግበር ሓገዝን ምስናይን፥ ጸብጻብ፥ ምምስራት ሞያዊ መጻኢ መደባት፥ ስራሕ ናይ ምድላይ ወይ ናይ ስራሕ ኣደላልያ ሜላታት፥ ናይ ስራሕ ቃለ መሕትት ብዝምልከት ልምምዳትን ምድላዋትን ምግባር፥ ምስቶም ወሃብቲ ስራሕ ሰብ ትካላት ከይተረፈ ብኣካል ናይ ምርኻብን ምዝታይን፣ ነዚኦም ዝመስሉ ካልኦት መደባት ዝሓቖፈን ዘጠቓለለን መደብ እዩ።
- ናይ ቋንቋን ናይ ሞያ ስልጠናታት ንምርካብ ዝግበር ሓገዝን ምስናይን፣
- ናብቲ ስልጠና ናይ ምእታውን ኣብቲ ስልጠና እትወስዶ ልምድታትን ተመኩሮታትን ከምድኡ ድማ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምልኣኽን ምምሕልላፍን፣ ምርሒት ምርካብን ዘጠቓልል መስርሕ፣ ነቲ ናይ ስራሕ ሽመትኩምን ቦታኹምን ዝሰማማዕ ስልጠና ድማ ምርካብን የጠቓልል።
- ኣብ ኢንጂነራት ምርኩስ ብምግባር ወይ ናታቶም ደገፍ ብምምርኳስ ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ናይ ሓባር መሰላት ዘይተጠቓለሉ ምምስራት ፍሉያት ዝኾኑ ስልጠናትን እዚኣቶምን ነዚኦም ዝኣመሰሉ ካልኦት መደባትን ዝጠቓለለን መደብ እዩ።
- ብተወሳኺ ድማ እቶም ተሳተፍቲ ናይዚ መደብ ኣብዚ ውዕል ስጋብ ዘለዉ ግዜ፣ ንኣብነት ስራሕ ንክረኽቡን ስራሕ ምስረኸቡ ድማ ነቲ ዝረኸብዎ ስራሕ ብዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ከይስእንዎን ከይከስርዎን፣ ነቶም ሰራሕተኛ ኣብቲ ናይ ስራሕ እዋኖም ምስቶም ኣስራሕቶምን ወይ ምስቶም መማህራኖምን ዘለዎ ርክብ ብጽቡቕ ክሕልዉዎን ዝግበር ሓገዝን ምስናይን ዝኣመሳሰሉ ሓገዛትን ጥቕምታትን ኣለዎም ማለት እዩ።፣
- ምርሓው ወይ ምክፋትን መሰላትኩምን ነቶም ዝተረክቡ መሰላት ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ዘይምስ ኣኖምን ዘይምኽሳሮምን፣
- ንዓለም ለኻዊ ዑቕባ ብዝምልከትን ምስላጥ ምሕደራዊ ጉዳያትን፣ ብፍላይ ድማ ምስ እዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር መንገዲ፣ ምስ ኦፍፕራ (OFPRA)፥ ኦፊ(OFII)፥ፕረፌክቱር(Préfecture)፥ ካፍ (CAF) ን፣ ካለኦት ምስእዚኣቶም ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ሓገዝ ምርካብ ዝሓቖፈ መደብ እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
ብዛዕባ ኣብ ኣክሰሌር ባዶ ሸውዓተ (ACCELAIR 07) እነካይዶም ናይ ምስናይ ሓገዛት ዝያዳ ሓበሬታታት ንምውካስ፣ ወይ በዛ እትስዕብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መቐበሊና ኣድራሻ ማለት ኢመይል accelair07@forumrefugies.org ክትልእኩልና ትክእሉ ኢኹም፣
ወይ ከኣ በዛ እትስዕብ ቁጽሪ ስልክና +33 (0)6 14 96 81 72 ብምድዋል ክትውከሱና ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ