ናይ ደልፍ (DELF) ፈተና ንምፍታን ክግበር ዝበኦ ግቡእ ምድላዋት ኣቐዲምካ ምድላው ምግባር፣
ምስ ፓሳስዮን (PASSATION) ምስ ዝጽዋዕ መደብ፣
እንታይ ኢዩ?
ናይ ደልፍ (Delf) ፈተና ክትፍተኑ ዶ ትደልዩ ኢኹም፧ እምበኣር ነዚ ፈተና እዚ ንምፍታን ግቡእ ናይ ሓምሳ ሰዓታት (50) ብገንዘብኩም ከፊልኩም ግቡእ ምድላዋት እትገብሩሉ ናይ ልምምድን መጽናዕቲን መደብ ኣብ ኤኮል ደ ሜትየ (École des Metiers)ዝተባህለ ኣብ ከተማ ዲጆን (Dijon Métropole) ስለዘሎ ናይዚ መደብ ተጠቀምቲ ኹኑ።
ነዚ ናይ ደልፍ ፈተና ብዓወት እትሓልፉሉ መንገድን፥ ናይ ኣጸናንዓ ሜላታትን፥ መጽንዒ መሳርሒታትን፥ ክትረኽቡ ኢኹም።
- ነቲ ብኣካል ዘጋጥመኩም እትፍተንዎ ፈተና ዝመሳሰልን፥ ነቲ ፈተና መታን ተዓዊትኩም ክትሓልፉሉ ዘኽእለኩም መለማመዲ ፈተና፥ ጻዕዳ ፈተና ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈተና ክትፍተኑ ኢኹም።
- ናይ ደልፍ (DELF)፥ ኣ ሓደ (A1)፥ ኣ ክልተ (A2) ወይ በ ሓደን (B1) ዝበሃላ፣ ስልጠናታት ምዝገባን ፈተናን፣
i ክፍለጥ ዝግበኦ ኣገዳሲ ጉዳይ፣
እዚ ስልጠና እዚ እምበኣር ገንዘብ ከፊልኩም እትመሃርዎን እትፍተንዎን እዩ እምበር ብነጻ ከምዘይኮነ ኣቐዲምና ክንሕብረኩም ንፈቱ።
- ንምድላውን + ፈተናን ናይ ደልፍ (DELF)፥ ኣ ሓደ (A1) = ሸሞንተ ሚእትን ዒስራን ኤውሮ (820€)
- ንምድላውን + ፈተናን ናይ ደልፍ (DELF)፥ ኣ ሓደ (A2) = ሸሞንተ ሚእትን ዒስራን ሓሙሽተን ኤውሮ (825€)
- ንምድላውን + ፈተናን ናይ ደልፍ (DELF)፥ በ ሓደን (B1) = ሓሙሽተ ሚእትን ሱሳን ኤውሮ (860€)
ንመን ኢዩ ፧
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ን 50 ሰዓታት
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ን 50 ሰዓታት
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ነቲ ፈተና ተዓዊትኩም ክትሓልፉ ኽትእሉ ምእንቲ ነቲ ብኣካል ዘጋጥመኩም ፈተና ዝመሳሰል መለማመዲ ፈተና ክትፍተኑ ኢኹም።
እዚ መዳለዊ መደብ እዚ ምስ እቲ ብኣካል ዘጋጥመኩም እትፍተንዎ ፈተና ዝመሳሰልን ጻዕዳ ፈተና ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈተና ክትፍተኑን ብግቡእ ክትዳለዉን የኽእለኩም እዩ።
ነዚ ፈተና እዚ ተዓዊትኩም እትሓልፉሉ ሜላታት ኣዋህልሉ ወይ ግቡእ መጽናዕቲታትን ምድላዋትን ግበሩ።
እዚ መዳለዊ መደብ እዚ እምበኣር፥ ብሳላ እቶም ዝተፈላለዩ ነዚ ፈተና እዚ ብዓወት ሓሊፍኩም ምስክር ወረቐት ወይ ዲፕሎም እትሕዙሉ ፍሉያት ሜላታት ዕዉታት ክትኮኑ ናይ ምግባርን ምሕጋዝን ተኽእሎታት ኣለዎ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልክና 03 45 34 62 00 ደዉሉልና።
ወይ ድማ በዚ ዝስዕብ sandybergeron@ecoledesmetiers.fr ናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መቐበሊ ኣድራሻና ማለት ኢመይልና ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ንኽንልእከልኩም ንምሕታት መልእኽቲ ክትልእኹልና ትኽእሉ ኢኹም።
i
ኣኣግዳሲ ሓበሬታ
ክትፍለጥ ዝግባኣ ኣገዳሲት ሓበሬታ፥ እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ እዚ ስልጠና ዝጅመረላ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜ፥ ሰኑይ ዕለት ኣርባዕተ ጥቅምቲ ክልተ ሽሕን ዕስራን ሓደን (04 octobre 2021) ከምእትጅምር ክንሕብረኩም ባህ ይብለና።