ስራሕን ገዛን ንምርካብ፣
ምስ ፕሪር ዓሰርተ ሓሙሽተ (PRIR 15) ዝተባህለ መደብ፣
እንታይ ኢዩ?
እዚ ፕሪር (PRIR15 ) ዝተባህለ መደብ እዚ ዑቕባ ሓቲቶም ከም ስደተኛ ወይ እውን ብሰብኣዊ መሰል ዑቕባ ረኺቦም ኣብ ከተማ ካንታል እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ንዝተቐመጡ ስደተኛታት ዝምልከት መደብ ኮይኑ፣
ነዚ ንምርግ ጋጽ ድማ ከም መሰነይታ እቲ ኦፍፕራ ኣብ ሲ ኤን ደ ኣ ዝጽዋዕ ቤት ፍርዲ ተቐቢልካ ዝብል ደብዳቤ ንዘለዎም ሰባት ዝምልከት እዩ።
እዚ መደብ እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ዝጠርነፈ ሓገዝን ምስናይን፣ ከም ኡ ድማ ብፍሉይ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ብውልቆም ነሰንዮም፣ በቲ ካብ መሻርኽና መሳርሕትናን ዝኾና ህዝባውያን ይኹና፥ ግላውያን፥ ትካላት ወይ ተቛማት፣ ዝወፍዮ ዝምስገን ተሳታፍነትን ሓገዝን ዝተላዕለ፣ ፕሪር ዓሰርተ ሓሙሽተ (PRIR15 መሰላት ክፍትሓሎምን ተጠቀምቲ ክኾኑን ኣብ ምግባርን፣ ኣብዚ ዞባ ንዝነብሩ ተቐማጦ ናይ ገዛን፥ ስልጠናን ማለት ፎርማስዮንን፥ ከምኡ ድማ ስራሕን ኣብ ምርካብ ከምዝተሓጋገዝ ይሕብር።
ንመን ኢዩ ፧
ዞባ\ ዴባርትሞ
15 - Cantal
ኣድራሽኡ ኣብ ከተማ ካንታል (Cantalር) ዝኾነ ነባራይ ምዃን።
ዞባ\ ዴባርትሞ
15 - Cantal
ኣድራሽኡ ኣብ ከተማ ካንታል (Cantalር) ዝኾነ ነባራይ ምዃን።
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ምስ መሻርኽትና ማሕበራትን ምስ ኣስተርጎምቲ ርክብ ዘለዎም፣ እኩባት ሰብ ሞያ ዝሓቖፈት ጋንታ ኣላትና።
ማሕበርና ፕሪር ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይትን፥ ሓገዝ ንዘድልዮም ስደተኛታት መንበሪ ገዛ ኣብ ምድላይን ምርካብን፥ ከምኡውን ስራሕን ስልጠናን ማለት ፎርማስዮን ኣብ ምርካብን፣ ኣብ ምስላጥን ዝተፈላለዩ ምሕደራዊ ጉዳያት ኣብ ምስላጥን፣ ብዘሳልዩን ብዝሕግዙን ፍሉያት ሰብ ሞያን፣ ነቲ ስራሕ ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ብዝጻወቱ ጊዜ ኦም ኣኽቢሮም ደበኽ ብዝብሉ ኣስተርጎምቲን ዝቖመትን ዝሓቖፈተ ፍልይቲ ጋንታ ዝቖመትን እያ።
ማሕበርና ፕሪር ዓሰርተ ሓሙሽተ (Le PRIR 15) ብምትሕብባር ቅዋማውያን ማለት ናይ ቅዋም መሻራትኽና ማሕበራት፣ ናይ ስራሕ ገዛን፣ ምምሕዳርን ፣ስልጠናን ንስደተኛታት ኣብቲ ድሕሪ መንበሪ ወረቐት ምርካቦም ዘሎ ስሩዕ ሂወት ከምዝኣትዉን ከምዝወሃሃዱን ከምዝጣየሱ ምግባርን፣ ኣብ ናይ ሓባር ዝኾኑ መሰላት ዝተሓጋገዙ ብፍላይ ድማ ስራሕ፥ ስልጠና ወይ ፎርማስዮን፣ ግዝያዊ ገዛን፥ ቀዋሚ መንበሪ ኣብ ምርካብን ዝተሓጋገዙ ማሕበራዊ ጉዳያት መንጎኛታት ወይ ሰራሕተኛታት ኣለዉና።
ገዛ ኣብ ምድላይን ምርካብን ምትሕብባር፣
ማሕበርና ፕሪር ዓሰርተ ሓሙሽተ (PRIR 15) ንስደተኛታት ርእሶም ክኢሎም ናይ ፈለማ ገዛ ምርካብ ሓገዝ ይገብር:
• ቀዋሚ መንበሪ ኣብ ምድላይን ኣብ ምርካብን ይሕግዝን የሳልይን፣ ግቡእ ምድላው ናብ ብውልቅን ብሓባርን ዝግበር ኣብ ሃገረ ፈረንሳ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ዝግበር መስርሕን ቅድሚ መንበሪ ገዛ ምድላይ ምጅማርኩም ክትፈልጥዎ ዝግበ ኣኩም ጽጹይን ጭቡጥን ሓበሬታ ኣብ ምውህላልን መሰላ ኣካረይትን ተኻረይትን ኣብ ምፍላጥ ንሕግዝ ኢና።
• መንበሪ ገዛ ምስረኸብኩም ድማ ናብቲ ገዛ እት ኣትዉሉን ናብራኹም እትጅምሩሉ ሂወት ኣብ ምጅማር ሓገዝ ይህብ።
• ኣብቲ ዝ ኣተኽምዎ መንበሪ ገዛ ብዘይ ሽግር ተኻረይቲ ኮይንኩም ኣብ ምቕጻል ድማ ይሕግዝ ምኽን ያቱ ብዝተፈላለየ ሕጊ ናይቲ ገዛ ካብ ዘይምኽባር ዝዝተላዕለ ካብ ኡ ናይ ምውጻእን ምስጓጉን ኣጋጣሚ እውን ክህሉን ከጋጥምን ስለዝኽእል ማለት እዩ።
• ጎድኒ ጎኒ ድማ፣ ግዝያዊ ፍታሓት ኣብ ምርካብን ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ንኣብነት ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብን፥ ናይ መንእሰያት መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብን፣ መጻንሒ መንበሪ ገዛ፣ ክራይ ገዛ ፣ ኣሎካስዮን ዝበሃል ሓገዝ ናይ ግዝያዊ ወይ መጻንሒ መንበሪ ገዛን፥ ምስ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ብሓባር ዝካርይዎ ገዛ ዝምልከት ግዝያዊ ፍታሓት ምርካብን ዘጠቓለለ እዩ።
ናብ ስራሕ ዓለም ንኽትኣትዉ ኣብ ዝግበር መስርሕ ኣድላዪ ሓገዝን ምስናይ ምርካብ።
• ናብ ስራሕ ዓለም ናይ ምጽምባር ዝግበር ናይ ምስናይ ሓገዝ፣ ጸብጻብ፣ ምምስራት ሞያዊ መጻ ኢ መደባትኩም፣ ስራሕ ናይ ሜላታት፣ ግቡእ ምድላው ናብ ናይ ስራሕ ቃለ መሕትት፣ ምስ ኣስራሕቲ ናይ ምልላይን ምርኻብን መደብ ወዘተ ዘጠቓለለ እዩ።
• ናይ ቋንቋን ናይ ስራሕ ስልጠናታት ንምርካብ ዝግበር ናይ ምስናይ ሓገዝ፣ ምምስራት ናይ ስልጠና ወይ ፎርማስዮን ጊዜ ናብ ስራሕ ዓለም ናይ ምጽምባር መደብ ዕዮን፣ ፣
• ናይ ሓባር ዘይኮኑ ፍሉያት ናይ ምህንድስና ስልጠናታት ንምፍጣርን ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ሓገዛት ምርካብ ወዘተ፣
- ነቲ ዝረኸብካዮ ስራሕ ምዕቃቡ ምኽኣል፣ እቲ ስልጠና ወይ ናይ ስራሕ ኮንትራቱ ተጀሚሩ ስጋብ ዝውዳእ ነቲ ተመሃራይ ወይ ሰራሕተኛ ምስ እቲ ዘስርሖን ሖ ኣካል ኣብቲ ናይ ስልጠና ቦታ ዘለዉ መማህራኑ ዘሎ ርክብ ምሕላውን ምድልዳሉን።
ማሕበራዊ ምሕደራዊ ሓገዝ ምርካብ፣
• ምኽፋት መሰላትኩምን ምዕቃቦምን፣
• ብፍሉይ ምስ ዓለም ለኻዊ ዑቕባ ምትሕሓዝ ወይ ርክብ ዘለዎም ምሕደራዊ ምስላጥ ዝምልከቱ ንኣብነት ከም ናይ ኦፍፕራ (OFPRA)፥ናይ ኦፊ (OFII)፥ ፕረፈክቱር(Préfecture)፥ ካፍ (CAF) etc. ን...ወዘተ፥ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዝምልከት እዩ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ክትረኽቡና ትደልዩ ?
ኣድራሻና : 18 rue Paul Doumer 15000 Aurillac
ኣገልግሎትና ብቖጸራ ጥራይ እዩ
በዘን ዝስዕባ ኣድራሻታት ቁጽሪ ስልክና ብምድዋል ወይ ብናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መቐበሊና ኣድራሻና ማለት ኢመይልና ብምጽሓፍ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፣
ብዛዕባ ናይ ማሕበርና ፕሪር ዘለዉና ኩሎም ናይ ምስናይ ሓገዛት ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታታት ንምፍላጥ ወይ ንምውካስ ምስእትደልዩ በዚ ኢመይልና ጸሓፉልና፣ prir15@forumrefugies.org