ናይ ክሽነ ተሓጋጋዚ ሞያ ምምሃር፣
ምስ ምስ ሴዛም " SÉSAME " ዝተባህለ ማሕበር፣
እንታይ ኢዩ?
ሴዛም ናይ ሓሙሽተ ወርሕን ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን ዝወስድ ነቶም ናይ ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ውሕስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ባህላዊ ቤት መግቢ ሃገር ፈረንሳይ ናይ ክሽነ ተሓጋግዛይ ሞያ ክምህር መደብ ኣሎ።
እዚ ስልጠና እዚ ብቤት ጽሕፈት ናይ ደለይቲ ስራሕ "ፖል ኣምፕልዋ" ክፍሊት እንዳተኸፈለኩም፣ እትመሃርዎ ትምህርቲ ሞያ ኾይኑ፣ ገለ መዓልታት ኣብ ትምህርቲ ገለ መዓልታት ድማ ኣብ እቲ ሞያ እትስልጥኑሉ ትካል ወይ ቤት መግቢ እትከታተልዎ ትምህርቲን ልምምድን እዩ ክኸውን ።
ኣብ መዛዘሚ ናይዚ ስልጠና እዚ እቶም ናይ ዓለም ለኻዊ ናይ ዑቕባ ውሕስነት ዘለዎም ሰባት ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ ክእለቶም ማለት ደረጃ ናይ ደልፍ ከምዘመሓየሹ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐትን ማለት ዲፕሎም ን፣
ናይ ክሽነ ተሓጋጋዛይ ትምህርትን ስልጠናን ተማሂርኩም ከም ዝዛዘምኩም ዘረጋግጽን ዘመስክርን ኣርእስቲ ዘለዎ መረጋገጺ ወረቐት ብመሰረት ሕጊ des blocs de compétences ዴ ብሎክ ደ ፕሮፌስዮነል ተባሂሉ ብዝፍለጥ ንሞያታትን ልምድታቶምን ዝውስን ተቐባልነቶም ኽኸብርን ክዓዝዝን ኣብ ኩሉ ቦታታት ድማን ቕቡላት ንኽኾኑ ዝሕግዝ ዝውስን ኣካል ኣብ ናይ ሞያታት ሕግን ስርዓትን ተቐባልነት ንኽህልወኩም ዝሕብር ዝተረጋገጸ ምስክር ወረቐት ክወሃኩም እዩ።
ንመን ኢዩ ፧
ኣብ ናይ ስራሕ ደለይቲ ቤት ጽሕፈታት ከም ፖል ኣምፕልዋን "Pol Emploi" ሲር "CIR" ዝበሃሉ ማሕበራት ምምዝጋብ ድሕሪ ሕጂ ተወዲኡ እዩ ምኻድን ምድካምን ኣየድለየኩምን ስለዚ ካብዚ እውን ክትዓርፉ ኢኹም።
ዞባ\ ዴባርትሞ
ሓሙሽተ ወርሕን ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን "5,5 mois" ።
ኣብ ናይ ስራሕ ደለይቲ ቤት ጽሕፈታት ከም ፖል ኣምፕልዋን "Pol Emploi" ሲር "CIR" ዝበሃሉ ማሕበራት ምምዝጋብ ድሕሪ ሕጂ ተወዲኡ እዩ ምኻድን ምድካምን ኣየድለየኩምን ስለዚ ካብዚ እውን ክትዓርፉ ኢኹም።
ዞባ\ ዴባርትሞ
ሓሙሽተ ወርሕን ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን "5,5 mois" ።
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ናይ ክሽነ ተሓጋጋዛይ ትምህርትን ስልጠናን ምምሃርን ብድሕሪ ኡ ድማ በቲ ሞያ እትሰርሓሉ ዕድላት ምርካብ።
ብሳላ እዚ ድማ ፣ ንሞያውያንን ቕቡላት ንምዃንኩም ፣ ዝውስን ኣካል ኣብ ናይ ሞያታት ተቐባልነት ምስክር እዚ ናይ ክሽነ ተሓጋጋዛይ ሞያ ክትድህስስዎን ድማ ትኽእሉ ።
ምስቲ ሞያኩም ብዝተኣሳሰር መገዲ ቋንቋ ፈረንሳይ ምምሃር።
እቲ ብቋንቋ ፍረንሳይ ዝካየድ ትምህርትን ስልጠናን ምስቲ ናይ ክሽነ ተሓጋጋዛይ ሞያ ዝወሃሃድን ዝሰማማዕን ኮይኑ፣ ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ ክእለትኩም ኣብ ምምሕያሽ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።
ክልተ ምስክር ወረቐታት ዲፕሎም ወንኑ ወይ ትረኽቡ፣
ኣብኡ ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ ፈተና ማለት ደልፍ "DELF" ዝበሃል ፣ ትምህርትን ስልጠናን ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝዛዘምኩም ዘረጋግጽ፣ ምስክር ወረቐት ትቕበሉ።
እብዚ ሞያ ናይ ክሽነ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሕ ዝርከቦ ሞያ እዩ።
ባህላውያን ቤት መግብታት ኣዝዩ ብዙሕ ጠለባት ተጠቀምቲ ንምምላእን ንምእንጋዶምን ንምዕጋቦምን ክብላ ቀጻሊ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እየን ዝቖጽራ፣ ከምኡ ድማ ምስልጣን ሓደሽቲ ሰባትን ብድሕሪኡ ድማ ናብታ ማሕበሮም ክጽምበሩ ምግባርን እዩ ዕላማኤን።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ንዝያዳ ሓበሬታ ርኸቡና!
ቤት ጽሕፈታትን ተወከልቲ ናይ ማሕበርና ሴዛም "SÉSAME" ዝርከቡለን ዞባታት፥
- ኣብ ዞባ ፓሪስን ከባቢኣን፥ ተወካሊት - Anne COUVERT" ኢመይላ anne.couvert@akto.fr, ቁጽሪ ቴሌፎና ድማ 06.65.60.10.63 እዩ፣
- ኣብ ዞባ ብረታኝ "Bretagne" ፥ ኣብ ከተማ ሬንን ሎሪ ዮንን "Rennes et Lorient"፥ ጁሊያን "Julien GUEZINGAR " ኢመይሉ julien.guezingar@akto.fr ቴሌፎኑ 06.61.64.75.19 እዩ፣
- ኣብ ዞባ ብርጎኝ ፍረንሽ ኮምቴ "Bourgogne Franche Comté" ፥ ኣብ ከተማ ዲጆን፥ ተወካሊት ሰብ ሽማ ማርዮን ፋዝየር "Marion FASSIER" ኢመይል marion.fassier@akto.fr ቴሌፎና ድማ 06.99.82.09.88 እዩ፣
- ኣብ ዞባ ግራንድ ኤስት "Grand Est" : ኣብ ስትራስቡርግ "Strasbourg" ናንሲ ን ሚልሁዝን"Nancy et Mulhouse"፥ ማርዮን ፋዝየር"Marion FASSIER" ኢመይላ marion.fassier@akto.fr ቴሌፎና 06.99.82.09.88 እዩ።