ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ንምውዳብ፣
ምስ ፐይኤር "Pai'R" ዝበሃል ትካል፣
እንታይ ኢዩ?
እዚ ፐይር "Pai'R" ዝተባህለ ትካል እዚ፣ ዕላምኡ ንኹሎም ንስደተኛታት ምስ መንእሰያትን ንኣሽቱን እውን ብሓባር ዘሳትፉ፣ እዞም ተጠቒሶም ዘለዉን ካልኦት ሓደሽቲ ናይ ምትሕጋዝን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ምውዳባ እዩ ወይ ምቕራብ እዩ፣ ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፈረንሳ እምበኣር ኣብ መልእ ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ሞራላውን ገንዘባውን ሓገዝን ሜላን ኣዳልዩ ኣሎ፣ ።
ንመን ኢዩ ፧
ካብ 1 ክሳብ 9 ሰሙናት፣
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ካብ 1 ክሳብ 9 ሰሙናት፣
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ኣብ ሓደ ናይ ግብረ ሰናይ ወይ ወለንታውያን ሰራሕተኛታት መደብ ተሳተፍ ወይ ንምስታፍ ስጉምቲ ውሰድ፣
ብኸመይ ከም ትሳትፍዎ ኣይትፈልጡን ? ወይ ድማ ንነዊሕ እዋን እዚ መደብ ክገብሮ ይደሊ እየ ኢልኩም እንዳሓሰብኩም ጸኒሕኩም ግን ንመን ከምትሓቱን ኣበይ ኬድኩምን ኣብ ተግባር ከምተውዕልዎ ኣይትፈልጡን ጸኒሕኩም ፦ጸገም የለን ትካል ፐይር "Pai'R" ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ፍታሕ ክህበኩም ኣብ ጎንኹም ኣሎ፣ !
ሓድሽ ናይ ምፍላጥን ምሕዝነትን መደብ ምስ ካል ኦት ደተኛታትን ምስ ደቂ ሃገር ፈረንሳውያንን፣
Pai'R ንስደተኛታትን ኣብ ሕድሕዶምን ምስ ካልኦትኣብ ኣከባቢኦ ዘለዉ ሰባትን ንምርኻብ፣ናይ ምሃዝቲ መደባት፣ ናይ ማሕበራዊ ህይወትን ቋንቋን ስልጠናታት ካልእን ይውድብ።
ወይ ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ
ድልየት ትካል ፐይር እምበኣር ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ኣፍቀርቲ ስፖርት ዝኾኑ ሰባትን ሓደ ጽቡቕ ሰንሰለታዊ ርክብ ክህሉ ምፍጣር እዩ ሓሳቡ፣ ናይ ምህዞ መደባት ወይ ልምምዳትን፡ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳን ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ወይ ናይ ምርኻብ ሃዋህው ልፍጣርን እዩ መደቡ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ቆጸራ ሓዙ ምስ Pai'R
ወይ ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ
ኣብ መስመር መርበብ ሓበሬታ ናይ ትካል ፐይር የራኽበና፣
እንተደኣ ንጥፈታትና ዘገድሰኩም ኮይኑ፣ መደባት ኣቕርቡልና፣ እንተላይ እውን ኣብ ድሮ ዝነበረ መደባት ክትሳተፉ ምስ እትደልዩ ድማ። ኣብዚ ጠውቑ : ici
ንዝ ያዳ ሓበሬታ ን
ንኣባልና ኣጋት ላንደል"Agathe Landel" ብፍሉይ ናይ መስመር መርበብ ሓበሬታ መልእኽታት መቐበሊ ኣድራሻ ማለት ኢመይል ''email" ጸሓፉላ ወይ ርኸቡዋ፥ agathe.landel@croix-rouge.fr