ኣብ ጂሮንድ ቦርዶ ንሕግዝ ወይ ነሳሊ ኢና፣
ምስ ኣኢኤር "AIR" ዝበሃል ዞባዊ መደብ፣
እንታይ ኢዩ?
ኣኢኤር "AIR" ዝበሃል ዞባዊ መደብ፣እትእንገዱሉ ቦታ ንኽትረኽቡ ይሕግዘኩም፣ ኣብ ከተማ ቦርዶ ኣብ ማሕበራዊ ሞያ ምርካብን ሓበሬታን ሓገዝን ።
! ክፍለጥ ዝግብ ኦ፣
ከም ስደተኛ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ወይ ናይ ፍልሰተኛታት ሰብ ኣዊ ፣ መሰልን ውሕስነትን ዑቕባን፣ ወይ ናይ ምህላው፣
! እንወስዶም ስጉምትታታት፥
• ኣብ ናይ ማሕበራውን ጥዕናውን ጉዳይ ን ኣብነት ኣሹራንስ ማላዲ "assurance maladie" ፣ ሰኤስኤስ"CSS"፣ ኤረሳ"RSA"፣ ካፍ"CAF"፣ ኣምፖ"Impôts" ግብሪ ን ካልእ ነዚቶም ዝኣመሰሉ ነገራትን እዮም፣
• ግዝያዊ መጸግዒን መጽለሊ ቤትን፣ መንበሪ ገዛ ደሊኻ ምርካብን፣
• ሓገዝ ምስላይ ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ፣ግዝያዊ መንቀሳቕሲ ወረቐት፣ ምትእኽኻብ ናይ ስድራ ቤትን፣ ምትእኽኻብ ናይ ቤተሰብ፣ምፍልላይ፣
• ምጽንባር ናይ ሞያዊ ሂወት፣ ስራሕን ናይ ሞያ ስልጠና ትምህርቲ ምርካብን፣
• ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎትን ማለት ኑሜሪክ ወይ ብቋንቋ ኢንግሊዝ ዲጂታል ኣገልግሎት ዝበሃል ፣ ምስ ማሕበራውን ዜግነታውን ዝተኣሳሰር ኣገልግሎት ምርካብ ፣
• ስልጠናታት ቋንቋ ፈረንሳይ ክንመሃረሉ እንኽእል ሓገዝ ምርካብ፣
• ምስ ናይ ቤተሰብን፣ ምዱብን፣ ካብ ምዱብ ወጻ ኢ ዝኾነ ትምህርቲን ኣብ መንግስታዊ ጉዳያትን ምትእስሳር ዘለዎ ጉዳይት ሓገዝ ምርካብ፣
• ናብ ናይ ባህልን ስፖርት መዘናግዕን ናይ ምንጣፍ ኣፍደገታት ምርካብ፣
ንመን ኢዩ ፧
ኣብ መደብ ሃገራዊ መአንገዲ ናይ ስደተኛታት ማሕበራት ካዳ "CADA" ሰፐኣሽ" CPH" ሁዳ"HUDA" ዘይምዃን፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
33 - Gironde
ኣብ መደብ ሃገራዊ መአንገዲ ናይ ስደተኛታት ማሕበራት ካዳ "CADA" ሰፐኣሽ" CPH" ሁዳ"HUDA" ዘይምዃን፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
33 - Gironde
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ኣብ ናይ ሓባር መሰላት መሰል ንምርካብ ርሑው ኣፍደጌን ሓገዝን ምርካብ፣
ማሕበራዊ ወይ መንግስታዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ናይ መጀመርያ ምሕታትን ድሕሪ ኡ ድማ ኣብ ግዚ ኡ ምሕዳሱን፣
ኣብ ቤት ጽሕፈት ደለይቲ ስራሕን ፖል ኣምፕልዋ"Pol emploi" ከም ደላዪ ስራሕ ምምዝጋብን፣ ወርሓዊ ምሕዳስን ወይ ዴክላረ"declarer" ዝበሃል ማለት እዩ ፣
ናይ ኤረሳ"RSA" ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ናይ መጀመርያ ምሕታትን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ግዚኡ ምሕዳሱን፣
ናይ ሰኤምዩ "CMU" ናይ ሕክምና መሰላት ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ናይ መጀመርያ ምሕታትን ድሕሪ ኡ ድማ ኣብ ግዚ ኡ ምሕዳሱን፣
ምእዋጅ ኣታዊታትካ ወይ መሃያኻ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ግብሪ ኣምፖ "Impôts"፣
ምክትታል ጉዳያትካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት ጥዕና ማለት ኣሹራንስ ማላዲ"assurance maladie" ኣብ ኣመሊ"AMELI" ማለት መርበብ ሓበሬታ ናይ ኣሹራንስ ማላዲ እዩ፣
ምትእስሳር ምስቶም ቀንዲ ረቋሒታት ናይ ሓባር መሰላት ንምቅናዕ ዝነጥፉ ማሕበራት ከም፥ ሰሰኣኤስ"CCAS"፥ ኤምደኤስኢ"MDSI"፥ ፖል ኣምፕልዋ"Pôle Emploi"፣ ከም ኡውን ምስ ክልኦት ነዚኦም ዝኣመስሉ ማሕበራትን ማለት እዩ።
ኣብቲ ናብ ሞያዊ ዓለም ዝጽምበረሉ እዋን ሓገዝ ምርካብ፣
ስራሕ ወይ ስልጠና ማለት ፎርማስዮን ናብ ዝረኽበሉን ኣንፈት ንምኻድ ሓገዝ ምርካብ፥
ቋንቋ ፈረንሳይ ዘማዕብለሉ ልምምድ ወይ ስልጠና ምርካብ፣
ድሕረ ባይታ ናይ ማሕበር ሰኢኤር"CIR" ብግቡእ ምጽናዕን፣ ምስቲ ማሕበር ምጽምባርን ምውህሃድን ፥
ሓገዝ ኣብ ምምዝጋብ ናይ ምምራሕ መኪና፣
ምትእስሳር ምስቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ማሕበራት ናይ ሃገረ ፈረንሳይ፥ ናይ ስልጠና ማሕበራት፥ ምጽምባር ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝነጥፋ መዋቕራት ወይ ውድባት፤ ምስ ትካላት ፤ ማሕበረሰባት፥ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት፥ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን፥ ከምኡውን ምስ ክልኦት ነዚኦም ዝኣመስሉ ማሕበራትን ማለት እዩ።
ምምዕባል ምስ ሰባት ዘለኒ ርክብን፥ ርእሰ ተኣማንነተይን ብዘይ ናይ ማንም ሰብ ሓገዝ ነብሰይ ክኢለ ዝንቀሳቐስ ምዃነይን ምርኣይን።
ናይ መጓዓዝያ መስመራት ብግቡእ ንምፍላጦምን ሓገዝ ምርካብ፥
ኣብ ሞያውን ማሕበራዊ ርክባትን ንምምዕባል ሓገዝ ምርካብ፥
መሰላተይ ምፍላጥን ነዚ ዝሕግዛኒ ማሕበራት ምልላየንን፥
ብመሰረት እቲ ንዓይ የድልየኒ እዩ ኢለ ዘለለኽዎን ዝጠልቦን ዘለኹ ነገራት፥ ክሕግዛኒ ናይ ዝኽእላ ማሕበራት ግቡእ ኣፍልጦ ክህልወኒ ምጽዓርን ናባታተን እውን ምምራሕን፥ ንኣብነት ከም ስፖርት፥ ማሕበራዊ ምትእስሳር፥ ባህሊ፥ ስልጠናታት ቋንቋ ፈረንሳይን፥ ህዝባውያን ጸሓፍትን ከምኡውን ምስ ክልኦት ነዚኦም ዝኣመስሉ ማሕበራትን ምልላይን ምትእስሳርን ማለት እዩ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ናብቲ ቦታ ብኣካል እኸይድ፥
ክሕግዘኒ ምስ ዝኽእል ሶሻል ቆጸራ ንምሓዝ፥ ኣብዚ ኣድራሻ እኸይድ፥
እቲ ኣድራሻ ብፈረንሳይ:-
74 rue Georges Bonnac
Terrasses tour n°6
1er étage
33000 Bordeaux
እቲ ኣድራሻ ብትግርኛ
ጎደና ጆርጅ ቦናክ ቁጽሪ 74 ፣
ተራሶ ቱር ቁጽሪ ሽዱሽተ 6
1 ቀዳማይ ደረጃ
33000 ቦርዶ
በዚ ቁጽሪ ቴሌፎን ደዊለ ቆጸራ እሕዝ፥
05 57 81 25 90