Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ, ዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ

ምንባር ኣብ እዋን ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ኣብ ፓሪስ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 14 jours

እንታዩ’ዩ ?

እቲ ጸወታታት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን (OPG) ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርት ብሉጻት ኣትሌታት ዓለም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘራኽብ ኣህጉራዊ ውድድር እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ

እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ይውደቡ ፣ ሓንሳብ ኣብ ሓጋይ፣ ሓንሳብ ኣብ ክረምቲ: ኣብ ጃፓን ኣብ 2021 (ሓጋይ JOP) ኣብ ቻይና ድማ ኣብ 2022 (ክረምቲ JOP)።

እምበኣርከስ ኣብዚ ሓጋይ 2024 ፈረንሳ ኣብዞም እዋናት ንውድድር ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ከተአንግድ እያ፤

  • ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ፡ ምስ ጸወታታት ኦሎምፒክ
  • ካብ 28 ነሓሰ ክሳብ 8 መስከረም 2024 ፣ ምስ ፓራኦሎምፒክ ጸወታታት (ስንኩላን ስፖርተኛታት ዘራኽብ ፓሪስ ክእንገድ እዩ)።

እቶም ውድድራት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢል-ደ-ፍራንስ (ፓሪስን ከባቢኣን)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቦርዶ፡ ሊዮን፡ ሴንት-ኢቲየን፡ ሊል፡ ማርሴን ቲሁፖኦን ኣብ ታሂቲ ዝተባህለ ቦታታት ናይ ፍረንሳ ይካየድ ።

ኣዝዩ ዘገድስ

እዚ ፍሉይ ፍጻመ እዚ ኣብ ምሉእ እቲ እዋን ፍሉይ ውዳበን ለውጥታትን ዘጠቓልል እዩ። ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ክሳተፉ እዮም (ብዝሒ ህዝቢ ፓሪስ ብመንጽር እዚ 2 ሚልዮን እዩ)። መገሻታትኩምን ንጥፈታትኩምን ክትውድቡ ንመክር ።

ከመይ ንገብሮ?

እዚ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ካብ 28 ነሓሰ ክሳብ 8 መስከረም ድማ ውድድራት ኣብ ፓሪስ ኣብ 13 ቦታታት ይውደብ ግን ከኣ ኣብ መገድታት እውን ይካየድ። ልዕሊ 10 ሽሕ ኣትሌታት ክህልዉ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት ኣገባባት ድማ ማሕተም ግብሪ ኣብቲ ፋይል ከተእትዎ ኣለካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡e site de Paris 2024. ኩሎም ካልኦት ኣብቲ ፋይል ዘለዉ ሰነዳት ድሉዋት ምስ ዝኾኑ፡ ማሕተም ግብሪ ምግዛእ ይምከር። carte ንኻልእ ኣገባባት ድማ ነቲ ዝተሓተተ ሰነድ ክትእክብ ከለኻ ማሕተም ግብሪ ሒዝካ ክትመጽእ ኣለካ።
ምፍላጡ ዘገድስ

ዝርዝር ኣቆጻጽራን ሰዓታትን ናይቶም ውድድራት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፓሪስ 2024 ኣሎ፡ ምሉእ ካርታ ናይተን ንውድድራት ኦሎምፒክ ዘአንግዳ ናይ ውድድር ቦታታት እውን ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም ።

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባ ርእሰ ከተማ (ላ ቪሌት፡ ሆቴል ደ ቪል፡ ትሮካዴሮ ወዘተ) እውን ብዙሓት ናይ ጽምብል መደባት ተታሒዞም ኣለዉ።

ንነብስኻ ንምሕባር “ Olympic Games – Paris 2024ዝብል መርበብ ሓበሬታን ኣፕሊኬሽንን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ (ብቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን ይርከብ)
> ናይ ኣፕ ስቶር ምውራድ ሊንክ (ኣፕል)
> ፕለይ ስቶር ምውራድ ሊንክ (ኣንድሮይድ)

እምበኣርከስ ስነ- ስርዓት መኽፈቲ ናይዚ ጸወታታት ዓርቢ ክካየድ እዩ። 26 ሓምለ ካብ ሰዓት 7፡30 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 11፡15 ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ገምገም ሩባ ሴን. ዳርጋ 94 ጀላቡ ዘለዎ ናይ 6 ኪ.ሜ ናይ ባሕሪ ምርኢት መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ መላእ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ጽርግያታት፡ ድልድላትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ትራፊክ ክቕየር እዩ። ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት 8 መዓልታት፡ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ፡ ናይ ጸጥታ ዙርያታት ክነጥፉ እዮም ። 18 ሓምለ (ስጉምቲ 2 ርአ) .


ምፍላጡ ዘገድስ
እቲ “ ንጸወታታት ኣቐዲምካ ግበር ” ዝብል መርበብ ሓበሬታን ወግዓዊ ዜናን ኣብ እዋን ጸወታታት እትገብሮ ጉዕዞታት ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታን ዜናን ይህብ።

ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት (ብፍላይ ኣብ ከባቢ ውድድር ዝካየደሎም ቦታታት) ናይ ጸጥታ ዙርያታትን ናይ ትራፊክ ገደባትን ክግበር እዩ።


ምፍላጡ ዘገድስ
ናብ ዝተወሰኑ ውሑስ ቦታታት ንምእታው፡ ብፍላይ ድማ ንመኽፈቲ ስነ-ስርዓት ፡ ናይ ጸወታታት ፓስ ( ውልቃዊ ዲጂታላዊ ፓስ) ከድሊ እዩ።
ናብ መርበብ ሓበሬታ ፓስ ጀውስ ፡ https://www.pass-jeux.gouv.fr/demande ብምኻድ ፓስ ክትሓትት ትኽእል። እቲ ናይ ምሕላፍ መመልከቲ ብነጻ ’ ዩ ። ምስ ፓስካ መንነት ሰነድ ከተቕርብ ኣለካ።

ኣብ እዋን ጆፕ 3 ዓይነት ናይ ጸጥታ ዙርያ ኣለዉ ፤

  • grises zones : ጸረ-ሽበራዊ ዙርያ (ንኣብነት: ባንክታት ሴን ንመኽፈቲ ስነ-ስርዓት)፣ ብጌምስ ፓስ ዝተፈቕደ ናይ እግረኛታት ምእታው፣ ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ብመኪና ምእታው ክልኩል
  • ቀይሕ rouges ዞባታት : ኣብ ዙርያ እቲ ግራጭ ዙርያ፣ ብዘይ Games Pass ንእግረኛታት ምእታው ዝተፈቕደ፣ ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ምእታው መኪና ክልኩል እዩ።
  • ሰማያዊ bleues ዞባታት : ኣብ ዙርያ ቀይሕ ዙርያ፣ ብዘይ ጌምስ ፓስ ዝተፈቐደ ናይ እግረኛታት መእተዊ፣ ቁፅፅር ዘለዎ ናይ መኪና መእተዊ።
ምፍላጡ
ኣብዚ ካርታ ናይቶም ናይ ውድድር መርበባት ጸጥታ ኣብ ሓቀኛ ግዜ ዝተመሓየሹ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ካርታ ኣብ ጽርግያታትን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን ትንበያታት ህዝቢ እውን የቕርብ። ነዛ ካርድ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ንምርዳእ ነዚ ትምህርቲ ምውካስ ድሕር ኣይትበሉ ።

ኣብ እዋን ጸወታታት ፡ ንሓደጋታት ግብረሽበራዊ ንምምካት ኣብ መጓዓዝያ ወይ ኣብ ጎደናታት ዝገብርዎ ምቁጽጻር ፖሊስ ብዓቢኡ ክውስኽ እዩ።

ኣብ ጥቓ ቦታታት ኦሎምፒክ፡ ፓትሮል ፖሊስ፡ ድሕነት መእተዊ ንምቁጽጻር ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። እቲ ጸወታ ልዕሊ 45 ሽሕ ኣባላት ፖሊስን ወተሃደራትን ከዋህልል እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ
እቶም ቀንዲ ሕቶታት ብዛዕባ ጉዕዞን ጸጥታዊ ዙርያታትን ኣብዚ ኣለዉ , ምስ ሓፈሻዊ መልስታት። መልሲ ሕቶኻ እንተዘይረኺብካ ነዚ ቅጥዒ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ .

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ምሉእ ግዜ ጸወታታት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን፡ ጽርግያታትን ህዝባዊ መጓዓዝያታትን ካብቲ ልሙድ ኣዝዩ ዝያዳ ጽዑቕ ክኸውን እዩ። ናይ መገሻ ኹም ግዜኻ ክትቅይሮ ወይ ድማ ኣገባብ መገሻኻ ክትቅይሮ ይምከር ።

ብፍላይ እተን ሜትሮታትን RERን ናይ ምድንጓይ ሓደጋ ኣለወን።

ኣስተውዕሉ፡ ኣብ እዋን ጸወታታት ዋጋ ትኬት ክውስኽ እዩ ፡ ካብ €2.15 ናብ €4 ንሜትሮ፡ ካብ €3.20 ክሳብ €6 ድማ ንRER።

ምፍላጡ ዘገድስ
ኣብዚ ሓጋይ ዝያዳ ንኸይትኸፍሉ ኣቐዲምኩም ንጽል ትኬት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ናቪጎ ምዝገባ እንተሃልዩካ (ዓመታዊ፡ ወርሓዊ) ወይ ድማ ናይ ናቪጎ ሊበርተ + ካርድ እንተተጠቒምካ ፡ እቲ ዋጋ ኣይቅየርን እዩ።

ፓሪስ2024 ፓስ እውን ኣብ ሰነ 2024 ክጅምር እዩ።ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ገጽ ተወከሱ ።

ኣብ እዋን ጸወታታት ፡ ዝተወሰኑ መደበራት ሜትሮን ትራምን ክዕጸዋ እየን ፡ ንኣብነት ሻምፕስ-ኤሊሰስ - ክሌመንሶ፡ ኮንኮርድ፡ ቱይለሪስ፡ ኮሌት ቤሶን፡ ፖርተ ደ ቨርሳይ፡ ፖርት ዲ ኢሲ።

ብተወሳኺ ካብ ዝተወሰኑ ጽዑቓት መደበራት ምውጋድ ይምከር : Gare du Nord, Chatelet-les-Halles, Palais royal - Louvre museum, Saint-Lazare, Miromesnil, Madeleine, Pigalle, Porte de Clichy, Stalingrad, Jaurès, ወዘተ።

ወግዓዊ መተግበሪ JOP " ፓሪስ ህዝባዊ መጓዓዝያ 2024 " ጉዕዞታትኩም ኣብ ሓቀኛ ግዜ ክትሕስቡን ትኬትኩም ክትገዝኡን የኽእለኩም። ብ6 ቋንቋታት፡ ፈረንሳ፡ እንግሊዝ፡ ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ጣልያንን ጀርመንን ይርከብ።
> ናይ ኣፕ ስቶር ምውራድ ሊንክ (ኣፕል)
> ፕለይ ስቶር ምውራድ ሊንክ (ኣንድሮይድ)

ብተወሳኺ ነቲ “ Île-de-France Mobilitésዝብል መርበብ ሓበሬታ ወይ መተግበሪ (ብፈረንሳን እንግሊዝን ይርከብ) ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ ።
> ናይ ኣፕ ስቶር ምውራድ ሊንክ (ኣፕል)
> ፕለይ ስቶር ምውራድ ሊንክ (ኣንድሮይድ)

ኣብ መኪና እንተሃሊኻ ፣ ኣብ ውሽጢ ቀይሕ ዙርያ ክትዝውር ወይ ክትዕቅብ ኣይትኽእልን፣ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ምዃንካ እንተዘይተለልዩን ድሕሪ ምፍታሽ ፖሊስን። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ዝርዝር ናይቶም ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ኣብዚ ኣሎ .

ከተማ ፓሪስ ኣብዚ ኣብ ሰማያውን ቀይሕን ዙርያታት ብዛዕባ ትራፊክ፡ መእተዊን መዕረፊ መካይንን ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕቶታት ትምልስ።

ኣብ ክንዲ ሜትሮን መኪናን ከከም ንውሓት ጉዕዞኻ ካልእ መጓዓዝያ ክትወስድ ንመክር፤

  • ብእግሪ ምጉዓዝ : ኩሉ ከባቢታት ከባቢ ናይ ጸወታታት ውድድር ቦታታት ብእግሪ ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ
  • carpoling ( መኪና ምክፋል)፤ ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።
  • ብሽክለታ : ኩሎም ናይ ውድድር ቦታታት ብብሽክለታ ክበጽሑ እዮም (ብዘይካ ቪለፒንተ)
ከም Vélib’ ዝኣመሰላ ርእሰ-ኣገልግሎት ዝህባ ብሽክለታታት ወይ ከም Véligo ዝኣመሰላ ናይ ክራይ ብሽክለታታት ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን 2024 ሓደስቲ ጣብያታትን ፍሉይ ዋጋታትን ንምቕራብ ዝህብኦ ምቕራብ ኣሐይለንኦ ኣለዋ (ንኣብነት፡ ንሓደ ወርሒ 53.90 ዩሮ፡ ንኽልተ ወርሒ ድማ 107.80 ዩሮ፡ ምስ ግዴታዊ መሰረታዊ መድሕን)።

ኣስተውዕሉ፡ ኣብ እዋን ውድድራት ኣብ ጽርግያ፡ ብሽክለታ ምዝዋር ኣይክከኣልን እዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጽርግያታት ከምቶም ስፖርተኛታት ምጉዓዝ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ድኳናትን ትካላት ንግድን ( ቤከሪ፡ ቤት መግቢ፡ ሸያጢ ትምባኾ ወዘተ) ክፉታት ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ

ናብ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት ( France Services , CPAM , France Travail , ወዘተ) እውን ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም ።

ኦፍፕራ ካብ 15 ሓምለ ክሳብ 16 ነሓሰ 2024 ኣብ Île-de-France ዝነብሩ ሓተትቲ ዑቕባ ጥራይ ክጽውዕ እዩ ። እተን ዝምልከታ ክፍልታት፡ ፓሪስ (75)፡ ሴን-ኤት-ማርን (77)፡ ኢቨሊን (78)፡ ኤሶን (91)፡ ሃውትስ-ደ-ሴን (92)፡ ሴን-ሴንት-ደኒስ (93)፡ ቫል-ደ እየን። - ማርን (94)፡ ቫል-ዲ-ኦይስ (95)።

ናብ ማሕበራትን ናይ መዓልቲ መቐበሊ ማእከላትን ምብጻሕ ብJOPs ብፍላይ ኣብ ኣውራጃታት ኦሎምፒክ ክዕንቀፍ ይኽእል። ገለ ማሕበራት ኣብያተ ጽሕፈተንን መቐበሊ ኣጋይሽን ክዓጽዋ ወይ ንግዚኡ ክግዕዛ እየን። ቅድሚ መገሻኹም ክትረኽብዎም ንመክር።

ኣብ እዋን እቲ ጸወታ ኦሎምፒክ እንተኽኢልኩም ፡ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ውፉይ ቦታ travailler à distance (faire du télétravail) ( café ኮዎርኪንግ ወዘተ) ብሪሞት (faire du télétravail) ክትሰርሑ ተመራጺ እዩ

እዝ ብናይ ማዕዶ ስራሕ፣ ብሓፈሻ ኣብ ምምሕዳራዊ ወይ ቤት ጽሕፈት ሞያታት (ፋይናንሳውን ባንክን ኣገልግሎት፡ ስራሕ ጸሓፊ፡ ኣኤዲቲን ኣርትዖትን ምጽሓፍን ወዘተ) ይከኣል እዩ

ነዚ ንምግባር ድማ ኣስራሕትኹም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ብቴፎን ክሰርሕ ክትሓትዎም ኣለኩም። ብተወሳኺ ብዛዕባ ቴሌዎርኪንግ ዝምልከት መሰላትካን ግዴታታትካን (ብዝሒ ዝተፈቕደሉ መዓልታት፡ ክትጥቀመሉ ዘለካ መሳርሒታት፡ ውሕስነትን ዳታ ወዘተ) ኩሉ ኣብ ግምት ከተኣትዉ ኣለኩም ።

ንኣብነት ኣብ ሰሙን 3 መዓልታት ብቴለ ክትሰርሕን ኣብተን ካልኦት መዓልታት ድማ ንመገሻኻ ወይ መጓዓዝያኻ (መኪና ተማላኣተኛ ድዩ ወይ ፡ ብሽክለታ ወዘተ) ከተመዓራርዮን ትኽእል ኢኻ።

እዚ ኣብ ግምት እና ኣእትና፣ ግን ከኣ፣ እዚ ብ ማዕዶ ስራሕ ፣ ቴሌዎርኪንግ ንኣካላዊ ሞያታት ወይ ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ንዝራኸቡ ሞያታት (ናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ሞያታትን፣ ሆቴላት/መመገቢ ምግቢ፣ ፋብሪካ ስራሕ ወዘተ) ዝምችእ ኣይኮነን ።

መፍትሒታት ኣለዉ :

  • ንኣስራሒኻ ሰዓታትካ ከስተኻኽል ሕተትዎም
  • ዕረፍቲ ውሰዱ
  • መኪና ምትእኽኻብን ብሽክለታን ምሓዝ (ስጉምቲ ደረጃ ዘሎ ሓበሬታ ረአዩ)።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ስፖርታዊ ውድድራት ክትሪኡ እንተደሊኹም፡ ገና sur la billetterie officielle des Jeux ኣብ ወግዓዊ ቤት ጽሕፈት ትኬት ጸወታታት ክትገዝኡ እትኽእሉ ቦታታት ኣለዉ ።

ብተወሳኺ ነቲ ወግዓዊ መድረኽ ዳግመ-መሸጣ ትኬት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም ፡ “Paris 2024 tickets” s : "Paris 2024 tickets".

ካብዞም ወግዓውያን መድረኻት ወጻኢ ትኬት ከይትገዝኡ ተጠንቀቑ፣ ንኸይትቕበልዎ ወይ ናብ ናይ ኦሎምፒክ ቦታታት ክትኣትዉ ዘይምኽኣል ሓደጋ ኣለኩም።

ኣብ ፓሪስ ምሉእ ሓጋይ ብዙሕ ንጥፈታት እውን ክህሉ እዩ ። ኩሎም ዝተዳለዉ événements de célébration ናይ ጽምብል ፍጻመታት ኣብዚ ረኸቡ ።

ንኣብነት:

  • ኣብ ፓርክ ደ ላ ቪሌት ሓድሽ ስፖርት ንምፍታንን ዓወታት ፈረንሳውያን ኣትሌታት ንምክፋልን ይካየድ
  • ኣብ ትሮካዴሮ ኣብ ዝርከብ ሻምፕዮንስ ፓርክ ፡ ኣብ እግሪ ግምቢ ኤፍል፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣፍቀርቲ ስፖርት ንምርኻብ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ንልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ክፉት ዝኾነ ነጻ መደብ ፓሪስ 2024 ክለብ le Club Paris 2024,ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም ፡ ነቲ ጸወታታት ከስተማቕሩን ምስ ፈረንሳውያን ኣትሌታት ኣብ ስፖርታዊ ብድሆታት ክትሳተፉን።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

9 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
nounouተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት