ምስልጣን ብ DU Passerelle ናብ ዩኒቨርስቲ ንምእታው
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible , RÉSEAU MEnSኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 15 joursናይ ፓሰረል ስልጠና ኮርስ formation Passerelle ዝበሃል መስርሕ ን ኣብ ስደት ዝርከቡ ሰባት (ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ንኡሳን ግዝያውን ሓለዋ፡ ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ሓተትቲ ዑቕባን) ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዩኒቨርሲታት ንኽመሃሩ ዘድሊ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ንኽበጽሑ ዘኽእሎም መስርሕ እዩ ።
ኣብ ፈረንሳ ብድምር 45 ናይ ፓሰረል Passerelle ስልጠናታት ኣለዉ። ነፍሲ ወከፎም ፍሉያት እዮም: ስም ናይቲ ስልጠና: ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ: ንውሓት ግዜን እቲ መደብን ከከም ዩኒቨርሲቲ ዝተፈላለየምዃኑ ኣብ ግምት ኣእትዉ።
ብሓፈሻ ነፍሲ ወከፍ ስልጠና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብሃፈሻ ፤
- ምክትታል ትምህርቲ ፈረንሳ፣
- ሞያውን ኣካዳሚያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ሓግዝ (ኣየኖት መጽናዕቲ ወይ ድሕሪ ስልጠና ኣየኖት ስራሓት ከም ዝከኣል፡ ከመይ ጌርኩም ትምዝገብ ወይ መመልከቲ ትሰድድ ወዘተ)
- ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንዝግበር ምምሕዳራዊ ኣገባባት ዝግበር ደገፍ ፣
- ኣብ መንጎ ባህልታትን ስፖርታውን ንጥፈታት ፣
- ማሕበራዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ሕክምናውን ደገፍ ብኣገልግሎት እቲ ትካል ወዘተ ...
ገለ ኮርሳት ኣብ ካልእ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኮርሳት ናይ ምክፋል ተኽእሎታት እውን ይህቡ፣ ናብ ሓወልትታት ወይ ኩባንያታት ምብጻሕ፣ ምስ ተማሃሮ ወይ መምህራን ትምህርቲ ምሃብ...
ኣብ መወዳእታ መብዛሕትኡ ኮርሳት ከም DELF ዝኣመሰለ ናይ ፈረንሳ ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
42 ናይ ፓሰረል ኮርሳት ንፓሰረለ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ተፈላጥነት ኣለዎም። መዓስ እዚ ጥራይ ፣ እዚ ኣክረዲቴሽን ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ኣህጉራዊ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ ዝኾኑ ተማሃሮ (bourses sur critères sociaux CROUS ስኮላርሺፕ (ትሕቲ 28 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ዝወሃብ ማሕበራዊ መዐቀኒ ስኮላርሺፕን ካብ 28 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ዝወሃብ ፍሉይ ዓመታዊ ኣበልን) ክረኽቡ የኽእሎም። እዚ ኣክረዲቴሽን ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ኣህጉራዊ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ ዝኾኑ ተማሃሮ CROUS ስኮላርሺፕ (ትሕቲ 28 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ዝወሃብ ማሕበራዊ መዐቀኒ ስኮላርሺፕን l’allocation spécifique annuelle ካብ 28 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ዝወሃብ ፍሉይ ዓመታዊ ኣበልን) ክረኽቡ የኽእሎም።
ኣብ ፕሮግራም ድልድል ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) ዝተመዝገቡ ተማሃሮ፡ ልክዕ ከም ኩሎም ካልኦት ተማሃሮ፡ ናይ ተማሃራይ ደረጃን ንኹሉ ኣገልግሎታት ናይቲ ትካል ክረኽቡን ኣለዎም። ን CROUS ናይ ተማሃሮ መንበሪ እውን ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንዝያዳ ሓበሬታ : la fiche Réfugiés.info "Avoir un logement étudiant CROUS"ኣ
እዚ መደብ ፕሮግራም ድልድል ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) ንተማሃሮ ብነጻ እዩ: ካብ ክፍሊት ምዝገባን ካብ ኣበርክቶ ህይወት ተመሃሮን ካምፓስን (CVEC) ነጻ እዮም። ንምምዝጋብ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ረኸብኩም ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት ክግለጽ እዩ።
ኣብ እዋን DU Passerelle ናይ CAF ጥቕምታት ከም APL ወይ ኣበል ክትቅጽል ክትቅጽሉ ትኽሉ ኢኹም።
እዚ ዝኸውን ድማ ከከም ኩነታትኩም ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል (ናይ ቀደም ፖል ኢምፕሎይ) ተመዝጊብካ ክትጸንሑ ስልጠና እናወሰድኩም ክትሰርሕን እውን ኣማራጺ ኣለኩም። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሕጂ ተማሃራይ ከለኻ ናይ RSA ሓገዝ ክትረክቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም (ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ኩነታት፡ ብመንገዲ ፈረንሳ ትራቫይል)፣
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
ምምሃር
ፈረንሳይ
ግቡእ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽትረክብ ሓገዝ ምርካብ፣
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር፣
ትምህርተይ ንምቕጻል ምስ ትካል ፓሰረል"Passerelle" ብምትሕብባር እኹል ምድላው እገብር፣
ስልጠናታት ውሰድ፣
14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
xavidumምምሕዳር
a mugnierምምሕዳር
niknameተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
ammar bazzaziተርጓሚ/ሚት
utilisateur_14587093ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
tatsianaተርጓሚ/ሚት
mgoተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
anastasiia12345ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት