Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምሕታት ንምርካብ ግዝያዊ ዑቕባ

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 jours

እዚ ብ ግዝያዊ ሓለዋ ኣብ ፈረንሳ ንዝተመዛበሉ ወይ ብሰንኪ ኣብ ዩክሬን ብዝተፈጥረ ኲናት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእሉ ሰባት ቅልጡፍ ሓለዋ ይህብ።

መሰል ግዝያዊ ዑቕባ ፣ ሓደ ፍሉይ ዑቕባ ኮይኑ፣ ብ 4 መጋቢት 2022 ብ ቤት ምኽሪ ኣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተወሰነ ኮይኑ፣ ኣብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብቐጥታ ህዝያዊ ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ዘውህብ ኮይኑ እዚ ድማ ክሳብ 4 መጋቢት 2027 ዝተወሰነ እዩ።

ኣብ ፈረንሳ፣ እቲ ዑቕባ ዝተፈላለየ ግዝያውያን መሰላት የውህብ ፣ ንሳቶም ድማ

  • እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (APS) ኣብ ፈረንሳ ፣ ናይ 6 ኣዋርሕ ዝሕደስ ፍሉይ ፍቓድ ኮይኑ፣ « ናይ ግዝየዊ ዑቕባ ረኸብቲ "bénéficiaire de la protection temporaire" » ዝበሃል ኮይኑ፣ ን3 ዓመታት ዝገልግልን ተሓዳሲን ኣብ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዝሕደስ ድማ እዩ።
  • እዚ ድማ ዓይነት ዑቕባ እዚ ናይ ምስራሕ መሰል ምህላው ናይ ባንኪ ሕሳብን ክህሉ የፍቅድ
  • ወነንቲ ናይዚ ዑቕባ እዚ ፣ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምርካብን መሰሎም ኮይኑ፣ ስልዒት ገንዘቦም ድማ ከከም ኩነታት ናይ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝተፈላለየ (ADA) እዩ።
  • እዚ ዑቕባ እዚ ናይ ምሕካም መሰሎም ዝተሓለወ (ምርካብ መሰል ዶክተርን ፣ መድሃኒትን የጠቓልል)
  • እዚ ዓይነት ዑቕባ እዚ ፣ ከከም ኩነታት ናይ ሓታታይ መሰል ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ናይ መበሪ ገዛ ምርካብን ሓገዝ የጠቓልል እውን እዩ

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ ዝተወሰኑ ክፍልታት መስርሕ መመልከቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (APS) ኣብቲ ፕረፈክቸር ብስሩዕ ዘይኮነስ ብኢንተርነት እዩ ዝፍጸም en préfecture.

"ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ" bénéficiaire de la protection temporaire" " ዝብል ምልክት ዘለዎ ሰነድ ኤፒኤስ ናይ መጀመርታ እዋን ምውጻእን ናይ መጀመርታ ምሕዳሱን ብነጻ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ካብቲ ካልኣይ ምሕዳስ (ማለት ፡ ሳልሳይ እዋን ምርካብ እቲ ሰነድ ) ጀሚሩ ወሎ እዋን ፡ 100 ዩሮ ማሕተም ግብሪ እቶም ሓተትቲ ክዕደግ ኣለዎም ( እዚ ታሪፍ እዚ ካብ 1 ግንቦት 2026 ጀሚሩ ይትግበር)።
ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info : Réfugiés.info : "Acheter un timbre fiscal" "ማሕተም ግብሪ ምግዛእ" ዝብል ሰነድ ምውካስ ይከኣል።

እቶም ዝበዝሑ ኣብ ናይ Réfugiés.info ሕእበሬታታት ብዛዕባ መሰላትን መኽሰባትን ናይ ግዝያውያን ሓተትቲ ናይ ዩክሬን traduites en ukrainien ን ሰነዳት ኣብ ንምርካብ ናይ ረፉጂ ኣንፎ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ብምግባር (à télécharger ኣብ l’App Store (Apple) ወይ le Play Store (Android)) ይከኣል

ከመይ ንገብሮ?

እንተደኣ፣ ብ ሓደ ካብ እዚ ዝስዕብ ጉዳያት ዝምልከተኩም ኮይኑ ን ግዝያዊ ዑቕባ ምሕታት ትኽእሉ ኢኹም :

1 እንተደኣ ዜጋ ዩክሬን ኮይንኩምን፡ ነዞም ክልተ ቅድመ ኩነታት ድማ ከተማልኡ ይግባእ፣ ፈለማ ፡ ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ዩክሬን ትነብሩ እንተኔርኩም፣ ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዩክሬን ካብ 24 ለካቲት 2022 ወይ ድሕሪኡ ምስ እትለቁ።

2 ዜጋታት ደቂ ዩክሬይን ዘይኮንኩም ፣ ግን ብ መንግስቲ ዩክሬይን ዝተዋህበ መንበሪ ናይ ስደተኛታት ካርድ፣ ዕለቱ ሰነድ ዘይወደቐ እንተለኩም። (ናይ ሃገራዊ ወይ ወይ ኣህጉራዊ ) መሰል ናይ ዑቕባ ካብ ዩክሬን ሰንድ ነይርኩም።

3 ዜጋ ዩክሬን እንተዘይኲይንኩም ፡ ግን ብሰበስልጣን ዩክሬን ዝተዋህበ ሕጋዊ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለኩምን ፡ (ናብ መበቆል ሃገርኩም ብውሑስን ነባሪን መንገዲ ናይ ምምላስ ተኽእሎ እንተዘይብልኩምን ኮይኑ ።)

4 እንተደኣ ሓደ ካብ ቤተሰብኩም ማለት (ኣባላት ቤተሰብኩም : መጻምድትኹም ከምኡውን ዘይተመርዓዉ ውሉዳት ምስ እትኾኑ፣ ከምኡውንሽማግለታት ምስ እትኾኑ). ወይ 1 ወይ 2ቲኡ ሓደ ካብ እዚ ኩነታት ዝምልከተኩም ሰባት ምስ እትኾኑ፣ ተረባሕቲ ናይዚ ዑቕባ እዚ ክትኮኑ ትኽእሉ

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ትሕቲ ዕድመ (ትሕቲ 18 ዓመት) ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ፈረንሳ ምስ ዝህልዉ ።
ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (APS) ወይ መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት ኣየድልዮምን እዩ።

ብጥቓልል ዝበለ ኹነት ክርአ ከሎ፡ ዘድልየኩም ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  • መመልከቲ ግዝያዊ ናይ ሓለዋ መመልከቲ ቅጥዒ
  • መርትዖ ዜግነት (መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት)፣ ከምኡ’ውን ናይ መጻምድትኻን ጽግዕተኛታት ደቅኻን።
  • ብሰበስልጣን ዩክሬን ዝተዋህበ ናይ መንበሪ ካርድ፣ ዜጋ ዩክሬን እንተዘይኮይንካ
    ናብ ከባቢ ሸንገን ዝኣተወሉ
  • መርትዖ ወይ መርትዖ ቪዛኹም (ቪዛ፡ እቲ ፓስፖርት ባዮሜትሪክ ዘይኮነ እንተኾይኑ፡ ወይ ኣብቲ ፓስፖርት ናይ ምእታው ማሕተም)
  • መረጋገጺ ኣድራሻ ወይ መረጋገጺ መንበሪ ዘነድኩም
  • ኣርባዕተ ናይ ቀረባ እዋን ዝተሳኣልኩሞ ስእልታት

ብዘይካካ እዚ ዝተጠቕሰ፣ ከከም ኩነታትኩም ተወሳኺ ሰነዳት ከተቕርብ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ።

ምሳኹም ኣብ ፈረንሳ ዝቕመጡ (ወለዲኹም፡ መጻምድትን ደቅን) ኣብ ፈረንሳ እንተሃልዮም préfecture ብኣባላት ስድራቤትኩም ብሓባር ናብኡ ክትመጹ ኣለኩም።ኣብ ፕረፈክቸር ክትመልእዎ ዘለኩም ቅጥዒን ፋይል ከተቕርቡሉ እትኽእሉሉ ዕለት ቆጸራን (ምስ ኦርጅናልን ፎቶኮፒን ሰነዳትኩምን 4 ስእልታትን) ክህበኩም እዩ።

ናብቲ ናብ ገዛኻ ዝቐረበ ፕረፈክቸር ክትከዱ ኣለኩም ።

መንነትኩምን ኩነታትኩምን ዘረጋግጹ ሰነዳት ዘለኩም ሒዝኩም ምምጻእ ኣይትረስዑ ነዚ ዝምልከት ብፍላይ ኣብ ዝስዕብ (ስጉምቲ 2 ርአዩ)።

ግድን ክማላእ ዘለዎ ነገር። ተዓጂብኩም ናብቲ ቦታ ምጹ ኣባላት ስድራቤትኩም ምሳኻ ኣብ ፈረንሳ እንተሃልዮም (ወለዲ፡ መጻምድትን ደቅን ክኾኑ ይኽእል ) ብኣኹም ብኣካል ክስነዩ ኣለዎም።

እቲ ፕረፈክቸር ክትመልእዎ ዘለኩም ቅጥዒን ነቲ ፋይል ከተቕርቡሉ እትኽእሉሉ ዕለት ቆጸራን ክህበኩም እዩ (ምስ ኦርጅናልን ፎቶኮፒን ሰነዳትኩምን ኣርባዕተ ናይ ቀረባትን ተመሳሰልቲ ስእልታትን)።

ብድሕሪኡ ናብ OFII (ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ውህደትን ፈረንሳ) ብምቕናዕ ADA (ናይ ሓተቲ ዑቕባ ኣበል) ክትረክቡን ትኽእሉ ኢኹም።

ምኽሪ፦ ቅድሚ እቲ መስርሕ ምጅማርካ ኩሉ ሰነዳትካ ኣኪብካ ምኻድ። ኩሉ ምስ ረኸብካ ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል፤

1. ናብ ናይ ፕረፈክቸርኩም መርበብ ሓበሬታ ብምኻድ ኣብ ላዕለዋይ የማን ኣብ ዘሎ ናይ ምድላይ መስመር "Ukraine" ዝብል ቁልፊ ቃል ጽሓፉ።

ምፍላጡ ዘገድስ ብተወሳኺ "demander protection temporaire prefecture"ከምኡ'ውን ስም ወይ ቁጽሪ ክፍልኻ ኣብ ሞተር ምድላይ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ግዝያዊ ሓለዋ ፕረፈክቸር ናይ ዞባ 76 ምሕታት ይከኣል

2. ኣብቲ ብዛዕባ ግዝያዊ ምክልኻል ዝገልጽ ክፋል ጠውቑ

3. ነቲ መመልከቲ ንምቕራብ ዝሕግዝ ሊንክ ኣብ demarche.numerique.gouv.fr ረኸብ

ንኣብነት፦ ፕረፈክቸር de Gironde ከምኡውን Nordምጥቃስ ይከእል

4. ኣብ demarche.numerique.gouv.fr ብኢመይል ኣድራሻና ኣካውንት ንፍጠር

5. ኢመይል ኣድራሻና ኣእቲና ፓስዎርድ ትመርጹ

6. ናይ ኢመይል ኢንቦክስና ከፊትና ኣብቲ ዝመጸና መልእኽቲ ኣብ ዘሎ activation link ጠውቕ።

7. ሽዑ ነቲ "Commencer la démarche" ዝብል ጠውቑ።

8. ፎርም ብምምላእ ዘድልዩ ደገፍቲ ሰነዳት ምውሳኽ።

ምፍላጡ ዘገድስ ንሓደ ዓቢ ሰብ (18 ዓመትን ልዕሊኡን) መመልከቲ ክቐርቡ ኣለዎም ።

ካብ ፕረፈክቸር ጻውዒትኩም ኣብ demarche.numerique.gouv.fr ክትቅበሉ ኢኹም ። ካብ ኣካውንትኩም ከተውርድዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ቀጺልካ ናብቲ ፕረፈክቸር ብምኻድ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ (APS)ን ADA ካርድካን ኣብ ሓደ እዋን ክትወስዱ ኢኹም።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ንምሕዳስ ካብ 3 ሰሙን ክሳብ 3 መዓልቲ ቅድሚ እቲ ዝወድኣሉ መዓልቲ ከተመልክት ኣለኩም።
ነዚ ብኸመይ ከም እትገብር ንምፍላጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ፕረፈክቸር sur le site de la préfecture ተወከሱ።

ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ ዝተወሰኑ ፕረፈክቸራት፡ ቅድሚ ብኣካል ክትወስዶ ምምጻእካ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ብኢንተርነት (ብመንገዲ demarche.numerique.gouv.fr) ከተሐድሶ ኣማራጺ ኣለኩም።


እቶም ዝድለዩ ሰነዳት ከከም ኩነታትካ ይፈላለዩ ክኾንይ ይኽእሉ ካብዞም ዝስዕቡ፤

  • እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (APS) ንነፍሲ ​​ወከፍ ዓቢ ኣባል ስድራቤት
  • ተመሳሳሊ ሰነዳት ከምቲ ኣብቲ መመልከቲ ፋይል ዝተሓወሱ
    ደረጃ ዘለዎ
  • መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ ደጋፊ ሰነዳት (መርዓ፣ ፍትሕ፣ ውዕል ስራሕ ወዘተ)
    እንተተኻኢሉ።
  • እንተተኻኢሉ ሓደ ብ justificatif de domicile ዝፍለጥሰነድ እተወሓደ ናይ 3 ኣኣዋርሕ፣ ወይ ምህላው፣ ወይ ሓደ ናይ መንበሪ ሰነድ d’hébergement ዝፍለጥ፣ እዚ ማለት ኣብ ገዛኹም ዘይትነበሩ ኣንተኮይንኩም፣ወይ እንዳሰ ተዓቚብኩም እንተለኹም
  • ሳልሳይ ኣማራጺ ናይ እንተደኣ les justificatifs de vos ressources ኣብ ፈረንሳ ናይ ኣታዊ ምንጪ ሃልይኩም፣ (ሰንድ ናይ ደሞዝ፣,ናይ ስራሕ ኮንትራት…) ወይ ናይ ወለንታዊ ተግባርን (ምስታፍ, ተመሃራይ ምዃን ወዘተ ሰነድ እንተለኩም…).
ምፍላጡ ዘገድስ ምስ ምሕዳስ ሰነድ መንበሪኹም፡ እቲ ፕረፈክቸር መሰልኩም formulaire ነዚ ቅጥዒ እዚ ብምምላእ ናብ ADA (ፋይናንሳዊ ሓገዝ) ንምንዋሕ ናብ OFII ክትሰድድዎ ዘለኩም ቅጥዒ ክህበኩም እዩ። ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።


ኣስተውዕል: ፋይልካ ምሉእ እንተዘይኮይኑ፡ መስርሕ ዝያዳ ግዜ ክወስድ እዩ፡ ከምኡ’ውን ዝተወሰኑ ዓይነታት ሓገዝ፡ ከም ADA ወይ ብA ou les aides versées par la CAF.CAF ዝኽፈል ጥቕምታት ክትስእን ሓደጋ ኣለኩም።

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ (APS) ብዘይ ዝኾነ ፍሉይ ስጉምቲ ስርሕ ክትሰርሑ የኽእለኩም

እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ካብ 3 ሰሙን ክሳብ 3 መዓልቲ ቅድሚ እቲ ዝወድአሉ መዓልቲ ከተመልክቱ ኣለኩም።
ንዚ ከመይ ጌርካ ከም እትገብሮ ንክትፈልጡ፣ ናብ ዝቐርበኩም ፕረፈክፉር ኪዱ፣ ኣድራሻ ናይ ጥቓኩም ዘሎ ፕረፈክቱር sur le site de la préfecture እተወከሱ።

ምፍላጡ ዘገድስ!
ቀንዲ ሕቶታት ኣቀባብላን ምውህሃድን ስደተኛታት ዩክሬን ኣብዚ ኣለዋ፣ ሓፈሻዊ መልስታትiciኣለወን። ኣብ ዝተወሰኑ ፕረፈክቸራት፡ ቅድሚ ብኣካል ክትወስዶ ምምጻእካ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ብኢንተርነት (ብመንገዲ (via demarche.numerique.gouv.fr) ከተሐድሶ ኣማራጺ ኣለኩም።

እቶም ዝድለዩ ሰነዳት ከከም ኩነታትኩም ይፈላለዩ እዩ፤

  • ምህላው ናይ ቀድም ሰነድ ናይ autorisation provisoire de séjour (APS) ናትኩም ኮነ ናይ ቤተሰብኩም
  • ከማኡውን ፣ ኩሎም ክማልኡ ዘለዎም ሰነዳት ምምላእ
  • ሓገዝቲ መረጋገጺ ሰነዳት ንኣብነት ከም እኒ ካርዲ ናይ መንበሪ titre de séjour de droit commun (ናይ መርዓ ሰነድ፣ ናይ ፍትሕ ወረቐት፣ ናይ ስራሕ ኮንትራት…)
  • እንተተኻኢሉ ውን አእቲ justificatif de domicile እንተወሓደ ናይ 3 ወርሒ፣ ወይ እውን እንተደኣ ምስ ሰብ ተጸጊዕኩም ትነብሩ ኮይንኩም ዝሕብር ሰነድ ሃልይኩም
  • እንተደኣ ተኻኢሉ ፣ እቲ ብ justificatifs de vos ressources ዝፍለጥ ሰነድ ማለት (ናይ ደሞዝ ክፍሊት፣ ናይ ደሞዝ ኮንትራት…)ወይ ድማ ኣብ (ወለንታዊ ተግባር , ምስታፍ ወይ ተመሃራይ ምዃንኩም ዘረጋግጽ ሰነድ ምስ ዝህልወኩም…).
እቲ ፕረፈክቱርኩም፣ እብ እዋን ምሕዳስ ግዝያዊ ሰነድኩም እዚ ፎርሙላ ክህበኩም እዩ፣ formulaire መሊእኩም ናብ ኦፊ ስደድዎ፣ በዚ ድማ፣ prolonger vos droits à l'ADA ዝበሃል መሰል የጽድቐልኩም(ቁጠባዊ ሓገዝ). ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱici.

ኣስተውዕሉ፣ እንተደኣ ሰነድኩም ምሉእ ዘይኮይኑ፣ ወይ እውን ጌጋ ሰነድ እንተሎ፣ ዝተወሰነ ሓገዛት ናይ ምርካብ መሰል ክትሕደጉ ትኽእሉ ኢኹም።l’ADA ወይ les aides versées par la CAF.

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ (APS) ንምሕዳስ ከተመልክክቱ ከለኹም፡ እቲ ፕረፈክቸር ንኹነታትካ ብምግምጋም መንበሪ ፍቓድ ክህበኩም ከሞ ኣብ ግምት ከእቱ ዘለዎ ጉዳያት ኣሎ፣ ፡ ብፍላይ ኣብ ፈረንሳ ስራሕ ወይ ስድራቤት እንተሃልዩኩም።

ምፍላጡ ዘገድስ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልካ ድሕሪ ደጊም ናይ ሓተቲ ዑቕባ ኣበል (ADA) ኣይትረክቡን ኢኹም። ይኹን እምበር፡ መሰል ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ሓገዛትን aides sociales (CAF) ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ንማሕበራዊ ኣባይቲ ክትሰርሕን ከተመልክትን ብቑዕ ኮይንኩም logement social. ገዛ እውን ክትረኽቡ ትኻሉ ኢኹም።

ኣብ ፈረንሳ ስድራቤታውን ውልቃውን ርክብ እንተሃልዩካኩም
እንተደኣ ምስ ፈረንሳዊ ዜጋ ተመርዕዒኹም፡ ወይ ወላዲ ፈረንሳዊ ቆልዓ እንተኾይንኩም፡ ወይ ኣብ ፈረንሳ ጽኑዕ ውልቃውን ስድራቤታውን ርክብ እንተሃልዩኩም፡ ብፍላይ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ANEF l’ANEF (Étrangers en France). "ናይ ብሕትን ስድራቤታውን ህይወት" መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ትኽእሉ ኢኹም።

እንተደኣ ኣብ ፈረንሳ ትሰርሑ ኲይንኩም

እንተደኣ ኣብ ፈረንሳ (ወይ እውን ዘሰልጥነኩም ትካል ረኺብኩም) ዝጠለብኩሞ ናይ ስራሕ ናይ ምርካብ ሕቶመሰል ናይ ምስራሕ ንምውሓስ ን ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ፕረፈክቱር ሕተቱ

  • ሓደ carte de séjour "salarié" ( ንቀዋሚ CDI ኮንትራት )
  • ወይ "travailleur temporaire" (ን ግዝያዊ CDD ኮንትራት).

ንሓደ ካብዞም መንበሪ ፍቓድ ንምምልካት፡ እቲ ኣገባብ ከከምቲ እትነብረሉ ክፍሊ ይፈላለ (ብዝተመዝገበ ፖስታ ወይ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ demarche.numerique.gouv.fr). ምቕራብ)። መጀመርታ ምስ préfecture ፕረፈክቸር ወይ ንኡስ ፕረፈክቸር ንዝነብረሉ ቦታ ክትረኽብዎ ይግባእ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣስራሒኹም ነቲ ናይ ስራሕ ፍቓድ መመልከቲ ብመንገዲ ANEF l’ANEF (Étrangers en France). ፖርታል ከቕርብ ኣለዎ። እዚ ቅድሚ መንበሪ ፍቓድ ምሕታትኩም ዝውሰድ ግዴታዊ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ክጅመር ኣለዎ።

ኣስራሒኹም ፍቓድ ስራሕ ከመልክትን ክረክብን ይግደድ፣ ዋላ’ውን ኣብ ትሕቲ APS (ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ንደለይቲ ስራሕ/ፈጠርቲ ንግዲ) ክትሰርሕ ኣብ ዝጀመርካሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ፍቓድ ኣድላዪ እንተዘይነበረ።

ኣስተውዕሉ፣ ገለ ሞያዊ መንበሪ ፍቓድ-ከም les cartes de séjour "talent", እንተደኣ ኮይኑመንበሪ ፍቓድ-ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዘየድልዮምን ብቐጥታ ብመንገዲ ANEF ፖርታል ክሕተቱ ከምዝኽእሉን ኣስተውዕሉ l’ANEF (Étrangers en France).

እንተደኣ ተመሃሮ ኮይንኩም

ትምህርቲ ወይ ዊን ትሃሉ ወሰኑ፡ ተወዳደርቲ ኣኔፍ (ወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳ) ""étudiant" ማተሃራይ" ህዝብና ግዚያዊ ጸሎት ተለዋጥነት ኣብ ፈረንጂ sur l’ANEF (Étrangers en France).

በዚ መስርሕ እዚ እንተበዝሐ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኽትረኽቦ ድማ ናይ ነዊሕ ጻንሖት ቪዛ ሒዝካ ናብ ፈረንሳ ክትኣቱ ኣየድልየካን እዩ፡ እንተኾነ ግን ነዞም ክልተ ቅድመ ኩነታት ከተማልእኡ ኣለኩም፤

  • ኣብ ፈረንሳ ዝመሃር ወይ ስልጠና ዝወስድ ብኣካል ምክትታል።
  • ኣብ ፈረንሳ ንምንባር እኹል ገንዘብ ምህላው

እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳኡ ዘሎ ቅድሚ ካብ 3 ሰሙን ክሳብ 3 መዓልታት ናይ ምሕዳስ ጠለብ ብምጥላብ ንክሕደስ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ።

ከመይ ጌርኩም ከም እትገብርዎ ንምፍላጥ ናብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዝቐረበካ ፕረፈክቸር e site de la préfectureተወከሱ

ምፍላጡ ዘገድስ ኣብገለ ኣብ ዝተወሰኑ ፕረፈክቸራት፡ ቅድሚ ብኣካል ክትወስዶ ምምጻእካ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ብኢንተርነት (ብመንገዲ demarche.numerique.gouv.fr) ከተሐድስዎ ኣማራጺ ኣሎኩም።

እቶም ዝሕተቱ ሰነዳት ከከም ኩነታትካ ዝተፈላለዩ እዮም፤

  • ናይ ቀደም ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (APS) ናይ ነፍሲ ወከፍ በጽሒ ኣባል ስድራቤት
  • ኢዝ ማለት ከምቲ ኣብቲ መመልከቲ ፋይል ዘሎ ሰነዳት
  • ኩነታትካ እንተተቐይሩ ዘመልክቱ ሓገዝቲ ሰነዳት (ሓዳር፣ ፍትሕ ውላድ ወዘተ ወዘተ)
  • እንተተኻኢሉ ትሕቲ 3 ወርሒ ዝኾነ ኣድራሻ መርትዖ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ወይ ኣብ ገዛ ትነብር እንተኾንካ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት
  • እንተተኻኢሉ እቶም ናይ መንበሪ ኣድራሻ መረጋግጺታ ናብ ፈረንሳ ካብ ዝመጻእክምሉ ኣትሒዙ (ናይ ስራሕ ክፍሊትን, ናይ ስራሕ ኮንትራት…) ወይ ካልእ ናይ (ወለንተኛታት ኮነ ናይ ተመሃሮ ወረቐት እንተለኩም…).​
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ፣ ምስ ምሕዳስ ሰነድ መንበሪኹም፡ቀጥዒ formulaire እቲ ፕረፈክቸር መሰልኩም ናብ ADA (ፋይናንሳዊ ሓገዝ) ንምንዋሕ ናብ OFII ክትሰድድዎ ዘለኩም ቅጥዒ ክህበኩም እዩ። ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣስተውዕሉ፣ :እንተደኣ ሰነድኩም ምሉእ እንተዘይኮይኑ፣ ወይ እውን ገለ ሓበሬታቱ ቅኑዓት ዘይኮይኖምን፣ ገለ ገለ መኽሰባት ንኸይትረኽቡl’ADA les aides versées par la CAF. ዝፍለጥ መኽሰባት ናይ ዘይምርካብ ሓደጋ ከስዕበልኩም ይኽእል እዩ

ካብ ፈረንሳ ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር እንተሰፊርኩም ግዝያዊ ሓለዋ ክትክሕድ ትኽእሉ ኢኹም (እዚ ማለት ብድሕሪኡ፣ እዚ መሰል እዚ ኣይህልወኩምን)።

ነዚ ንምግባር ነዞም ሰነዳት ብፖስታ (እንተተኻኢሉ ምስ ምቕባልኩም ኣፍልጦ) ናብ ፕረፈክቸርኩም ክትሰዱ ኣለኩም :

  • ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ
  • ናይ ኤዲኤ ADA ካርድካ
  • ግዝያዊ ሓለዋ ትገድፍ ከም ዘለኻ ዝገልጽ ምስክር ወረቐት

ብድሕሪኡ ውሳነኹም ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት ብፖስታ ክመጸኩም እዩ።

ኣብ ፈረንሳ ኩሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት (ትሕቲ 18 ዓመት) ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰል ኣለዎም።

ውላድኩም ካብ 3 ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድመ እዩ።

ውላድካ ካብ 3 ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድሚኡ እንተኾይኑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንምምዝጋብ፡ ምስ ኣዳራሽ ከተማ ናይቲ እትነብረሉ ቦታ la mairie de votre lieu d’hébergement.ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስዱ ኣለኩም ።

ውላድካ ካብ 11 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ እዩ።

ውላድኩም ካብ 11 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ እንተኾይኑ፡ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፤

ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይነበሩ ወይ ዘይደልዩ ፡ DSDEN ስራሕ ወይ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ምርካብ እውን ክድግፈኩም እዩ።

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • yassin bazzaziተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • gitoroተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት

Liens utiles