ኣገደቲ ሓበሬታ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ክታበት ኮሮና ምኽታብ ኮቪድ 19
እንታዩ’ዩ ?
ርህቀት እናሓለና ብጥንቃቐ ምንቅስቓስን ፣ ከምኡ እውን ክታበት ሓደ ካብ መገድታት ካብ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ19 ንምግታእ ዘኽእል ሓደ ሜላ እዩ። ክታበት ንዝኾነ ንልዕሊ 5 ዝዕድሚኦም ብነጻን ዘይ ግድነታዊ እዩ። ኣዚ ማለት ምስ እንደሊ ንወስዶ፣ እንተዘይደሊና እውን ንገድፎ ። ንዘኢ ብኸመይ ከል እንገብሮ ኣብ ናይ ፍረንችህ ኣንፎ ወብሳይት ኣብዚ ብምጥዋቕ ተወከሱ።
: "Obtenir son pass sanitaire" / "Obtenir son pass vaccinal" ).
ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣብ ፈረንሳይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበት ጸረ ኮቪድ19 ኣለው (ንሳቶም ኻኣ- ፐፋይዘር-ቢዮንተክ፣ሞደርና፣ ኣስትራዘነካን ፣ጃንሰ/ጆንሰንን ጆንሰንን ኢዮም)።ኩሎ እዚኦም ጸረ ኮቪድ19 ቫይረስ ውጽኢታውያን ኢዮም። ኣብ ዕድመኻን ኩነታት ጥዕናኻን ምርኩስ ብምግባር ኣ ይእዘዙልካ።
• ካብ 5ስጋብ 29 ዝዕድሚኦም ሰባት ፐፋይዘር-ቢኦተክ ጥርሕ እዮም ዝኽተቡ፣
• ካብ 30 ስጋብ 54 ዝዕድሚኦም ፐፋይዘር ወይ ሞደርና ክመርጹ ይኽእሉ፣
• ልዕሊ 55 ዝዕድሚኦም ፐፋይዘር፣ሞደርና፣ኣስትራዘነካ፣ ወይ ጃንሰ/ጆንሰን ጆንሰን ኣብ ፈረንሳይ ዘለዋ ክውጋእ ይኽእል።
እንታይ ዓይነት ክታበት እዩ ዝሰማማዓኩም ንምፍላጥ ኣብዚ ጠውቑ፣ ብዘይካ እዚ ኣውን ን ሓኪምኩም ብምድዋል ወይ ን ፋልማሲ ብምኻድ ሕቶ ካብ ምሕታት ንድሕሪት ኣይትበሉ። faire une simulation en cliquant ici
እዚ ክታበት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ክትውገኦ ትኽእል ኢኻ/ኺ ማለት ቆጸራ ብምሓዝ ኣብ ማእኸል ጥዕና፣ ወይ ምስ ቀንዲ ሓኪምካ፣ ወይ ምስ ሓኪም ስርሕካ፣ ኣብ ፋርማሲ፣ ምሕታት ወይ እውን ፣ ሓኪም ኣብ ገዛኹም ነርስ ብምምጻእ ክትክተቡ ትኽእሉ።
ከም ንቡር እዚ ክታበት ክልተ ሳዕ ዩ ዝውሰድ ኣብ ሞንጎ ናይ ቁሩብ ሳምንታት ፍልልይ፣ ኣብ ገለ ኻኣ እንተደኣኣ እቲ ሰብ ሓሚሙ ነይሩ፣ ሓንሳብ ጥራሕ ይወሃብዩ። ሕጂ ካብ 24 ጥፘ2022 ንንየው፣ ኣቲ ብ 'ዶሰ ራፒድ' ዝበሃል፣ ዓይነት ኣካትባ፣ ኣብ መዓላ ውዒሉ ። ኣዚ ማለት ድማ ዝኾነ ሰብ ካብ 12 ዓመት ዕድሚኡ ንላዕሊ፣ድሕሪ ሳልሳይ ወርሒ ናይ እቲ ናይ መወዳእታ ክታበትወይ ወይ ናይ መወዳእታ መልከፍቲ ናይ ኾቪድ 19 ክኽተት፣ ዝኾነ ሰብ ክኽተብ ይኽእል እዩ።
ንዝላዓለ ሓበሬታ ብዛዕባ ክታበት - ናይ ክታበት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዌብሳይት ንወከስ ፣ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
ንኽትክተብ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ፡
*ንኽትክተብ ቀጥታዊ ዝኾነ ቆጸራ ንምምዝጋብ ብመንገዲ ዶክተርሊብ ወይ ዌብ ሳይት Doctolib)ወይ www.sante.fr. እዚ ኸኣ ናብቲ ማእኸል ምዝገባ ከም ዝምራሕ ጌሩ ናብቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ናይ ክታበት ማእከል ከም ትምዝገቡ ይገብሮ።,, ኣብ ዝቕጽል ዶክቶሊብ ተጠቒምካ ከመይ ጌርካ\ኪ ቆጸራ ትሕዝ ክንገልጽ ኢና፣
* ተለፎን ነጻ ሃገራዊ ቁጽሪ ተለፎን 0800009110 ካብ ንግሆ ሰዓት 6፡00 ክሳብ 22፡00 ናይ ምሸት ፣ ናብቲ ፖስታል ኮድ ናይ ዞባ ብምእታው ናብቲ ኣብ ቀረባኹም ዘሎ ናይ ክታበት ማእከል ከተሓሕዘኩም ይኽእል።
*ብኣካል ብምርኻብ ምስ ሓኪምካ: ሓኪም ስራሕካ: ፋርማሲስትኻ: ነርስኻ ወይ መሕረሲትካ ቆጸራ ክትገብር ትኽእል።
ንኽትክተብ ብዶክተር ሊብ ወብሳይት ቀጥታዊ ቆጸራ ናይ ምሓዝ መስርሕ ክነብረሆ ኢና፣
•ንቕድም ንዶክተርሊብ( www.doctolib.fr .) ኣብ ኮምፑተርካ ኣስፍሮ(ኣውርዶ)፣
•ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ሕሳብ ወይ ኣክውንቲ እንተዘይብልኩም። ናብ ረፍጂ .ኣንፎ፣ በዚ ዝስዕብ ጥብቆ ወይ ሊንክ ተወከስካ\ኪ ሕክምናዊ ቆጸራ ኣብ ዶክርቶሊብ ሓዝ notre fiche Réfugiés.info "Prendre un rendez-vous médical sur Doctolib".
* ኣብ`ዚ ፓጅ ናይ መድልዪ Vaccination COVID-19 ቫክሲናሲዮን ኮቪድ 19 ኢልካ ጸሓፍ፣
* ድሕሪኡ ኮድ ፖስታል ፣ ነይ ከባቢ መንበሪኻ ኣስፍር
* ብምስዓብ (ዕድመኻ፣ ሓሚምካ ዶ ኔርካ ኮሮና ወላስ ኣይፋል ) ኣስፍሮ።
- ድሕሪዚ ኣብ ጥቓኻ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ቦታታት መኽተቢ ክታበት ኣስማት ዝርዝር ክመጸልኩም እዩ።ሽዑ ኣብታ ቆጸራን ንምሓዝ ቦታ ትመርጽ።
ን ኣፍልጦ!
ኣብ መድለዪ ብምፍታሽ ( ኣብቲ ናይ ቦታ ዝሕብር ምስ በጻሕኩም፣ ዝተፈላለዩ ኣማራጺ ናይ ቋንቋኣማራጺታት ኣለኩም) እቲ ዝምእምኣኩም ድማ ምረጹ። ብምስዓብ ካብተን ዝቕልቀላ ሰለስተ ናይ ዕለታት ኣማራጺ ብምጥዋቕ ቆጸራ ሕዙ።
ቆጸራ ክትሕዙ እንከለኹም፣ 1ይ 2ይ ወይ እንተኾይኑ ፣ ከምኡ እውን ሰዓታት ናይ ቫክሲን ክትሕተቱ ኢኹም፣
ን ኣፍልጦ!
እንተደኣ ኣብ ኣከባቢኹም፣ ቆጸራ ንምሓጽ ዘይተኻኢልኩም። ኣብ ኣከባቢኹም ዘሎ መኽተቢ ነቑጣ ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ።
ንምዝዛም ቆጸራ ንምሓዝ ኣብ « moi » ዝብል ጽሑፍ ብምጥዋቅ ቆጸራ ክንሕዝ ንኽእል፣ ኣብ መወዳእታ « Confirmer le rendez-vous ».ዝብል ብምጥዋቅ ቆጸራና ከም ዝሓዝና ከነረጋግጽ ንኽእል፤፣
- ንክታበት ቆጸራ ናይ ምሓዝ ጠለብ ዝተዓወተዝሕብር ምልክት ክመጸኩም እዩ።
ኣብ ናይ ቖጸራ መዓልቲ ቅድሚ ምኻድና፣ ታሴራና ካርት ቪታል፣ votre Complémentaire santé solidaire (C2S)ምእንተኢ ከነጸጻርሉ።
ን ኣፍልጦ!
ትሕቲ ዕድመ፣ ምስ ንኽወን ናይ ወለዲ ካርት ቪታል ፤ ካርት ቪታል እንተ ዘይብልና ኮይኑ ግን ምስክር ወረቐት ናይ ጥዕና ሓገዝ ዘማልእ፣ Complémentaire santé solidaire ዝብል ወረቐት ክንማል እ ኣለና ፣ ተወሳኺ ፍቃድ ናይ ወለዲ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዝሕብር ወረቐት ክንማልእ ይግባእ። ብዛዕብኡ ዝያዳ ኣብዚ ተወከሱ cette page internet).
ኣብ`ቲ ቦታ ምስ ከድኩም\ክን ኣይልኩም ንምምላእ ሕቶታት ከቅርልብልኩም ኢዮም፤፣
ሕቶታት ምስ መላእኩም። ዝበዝሕ ጊዜ ክታበት ብባዓል ሞያ ጥዕና ይውሃብ፣ንሱ ወይ ንሳ ኣብ ምናትካ ይወግኡኻ፣ ከም ተዐርፍ ይግበር፣ ክታበት ኣየቐንዙን ጊዜ ኻኣ ኣይወስድን።
ድሕሪ ክታበት ንድሕነት ተባሂሉ ን15 ደቒቕ ቅድሚ ምኻድና ክንጸንሕ ከምዘለና ይግበር ።
ብድሕሪኡ’ከ ?
ንሓደ ክልተ ማዓልቲ ክራኣዩና ዝኽእሉ ሳዕቤናት፦
•ምንዳር ኣብ ቦታ መውጋእቲ
•ሕማም ርእሲ
•ትሑት ረስኒ
•ቃንዛ ጭዋዳ- ብፍላ ኣብታ ክታበት ተወግኣኻላ/ኽላ ኢድ፤፣
ንኣፍልጦ!
እዚአን ቅቡላትን ንቡርን ዝኾና ልዕሊ ክልተ ማዓልቲ ዘይራኣያ ሳዕቤናት ክታበት ኢየን።
ካብዚአን ክንገላገል
•እኹል ዕረፍቲ
- ማይ ምስታይ የድሊ
እንድሕር ሕማቕ ተሰሚዑና ሓኪምና ክንጽወዖ ይግባእ፣ ብፍላይ ረስኒ ልዕሊ 39*C
እንድሕር ኮቪድ-19 እንተዘይሓሚኩም ወይ ጃንሰን ክታበት ዘይወሰድኩም ቕንተኾንኩ፡ታ ካልአይቲ ድማ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ክትክተብዋ ይግባኣኩም።
ከምቲ ግቡኣ ኣብታ፣ ቀዳመይቲ ክታበት ዝወሰድኩምላ፣ ነቑጣ፣ እታ ካልኣይቲ እውን ክትወስድዋ ዘለኩም ፣ ንዘይካ እቲ ቦታ ዘይጥዕመኩም እንተኾይኑ። እንተዘይ ጠዓመ ብገለ ግን ኣብ ካልእቦታክውሰድ ይከኣል እዩ።
•ከምዚ ምስዝኸውን ነቲ ማእከል ክታበት ካልኣይ ክትውጋኣሉ ዝግባኣካ ክተፍልጥ ይግባእ።
•ነታ ካልአይቲ ክታበት ክትውጋኣሉ ደሊኻሉ ዘለኻ ማእከል ክታበት ኣብ ዶክቶሊብ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጽናዮ ብዘለና ኣገባብ ኣቲኻ ነታ ካልአይቲ ክታበት ትወስደላ ከፋት ሪጋ ርኸብ፣ ኣብቲ ናይ ኣየናይ ክፋል ሕብረተሰብ ዝብል “ ካልኣይ ክታበት ከምትደሊ ጥራሕ ሓብሮም፣ ምስኡ እቲ ዝወሰድካዮ ዓይነት ክታበት ሓብሮም።
ድሕሪ እተን ክልተ ክታበታት፣ ሕጂ እታ ብ ህጹጽ ዶዝ እትፍለጥ ሳልሰይቲ ድማ ንምውሳድ ትካል እያ።
* ካብ ሓምለ 2021, ናይ ምኽታብ መስርሕ ካብ ን ልዕሊ 18 ዓመት ዕድሚኦም ፣ ካብታ ናይ መወዳእታ ዝተኸተብዋ ፣ወይ እውን ካብታ ኮቪድ ዝሓመሙላ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ።
*ካብ ጥሪ 2022 ኣትሒዙ ድማ ኣቲ ክታበት ራፔል ዝበሃል መበራትዒ ክታበት ፣ ካብ ናይ ክልል ዕድመ 12ልሳብ 17 ኣብ መዓላ ውዒሉ ኣሎ።
ኣብዚ ዶክሜንት ኵሉ ብግልጺ ይጸሓፍ ናይ መወዳእታ ዕለት ክታበት፣ ስም ናይ ክታበት፣ እቲ ክታበት ምሉ እ ብግቡእ ተማሊኡ ድዩ ወይሲ ኣይፋል፤፣
መዘኻኸሪ
(ንኣፍልጦ) ኩሉም ብግቡእ ዝተኸተቡ\ባ ሰባት ፣ ንኹሉ ዘማልኡ ፣ ኣብ ዌብ ሳይት በዚ ዝስዕብ ጥብቆ ወይ sur le « portail patient » de l’Assurance Maladie. ሊንክ ሓደ ምስክር ወረቐት ክረኽቡ\ባ ይኽእሉ\ላ፤፣
•እዚ ማለት ከም ዝተኸብኩም "pass sanitaire" ሓደ ጭብጢ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት ኢዩ፣ ወይ ብመልክዕ ወረቐት ወይ ከኣ ብመልክዕ ዲጂታል TousAntiCovid. ኵሉና ኣንጻር ኮቪድ ክልኣኸካ\ኪ ኢዩ፤፣
•እዚ ወረቐት ናይ ጥዕና ፓስ ሳኒተር ኣብ ዝኾነ ቦታ ንክትንቀሳቀሲ ይሕግዝ፣ ምስ ዋሕስ ዘለዎ፣ ብፍላይ ኣብ ግዜ ክረምቲን ሕብረተ ኢሮፓ ክትቀንቀሳቀስሉ ትኽእሉ። ፈረንሳይ ኣብ እኩብ ሰብ ክትጽንበሩ የኽእለኩም።
ንዝያዳ ኣፍልጦ !
ካብ ጥሪ 24 ንነጀው፣ ኣብ ብዙሕ ቦታታት፣ እቲ 'ፓስስ ሳኒቴኽ'፣ ብ 'ፓስቫክሲን' ከም ዝተተከአ ዘይምርሳዕ. ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ወብሳይና ተወከሱ፣ Voir la fiche Réfugiés.info : "obtenir le pass vaccinal"
ካብ 24 ጥሪ 2022 ንንየው። ክታበት ን ኹሉ ሰብ ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ፣ ደድሕሪ እቲሰለስተ ኣዋርሕ ፣ናይ መወዳእታ ክታበት፣ ወይ እውን መልከፍቲ ኮቪድ 19 ፣ እዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣብ እቲ ዝወሰድኩሞ ክታበት ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ከም ዝኣኸለ ዝሕብር እዩ።
*ድሕሪ 15 ጥሪ 2022 ፣ እቲ ፓስ ሳኒተኽ ፣ ን 7 ኣዋርሕ ዘገልግል ዝነበረ ራፐል ወይ መተባብዒ፣ ን ኩሉ ዕድሚኡ ልዕሊ 18 ሰብ ከም ዝረኦኣም ኮይኑ ኣሎ።
* ድሕሪ 15 ለካቲት፣ 2022 ፣ ድማ፣ ናይ ሓድሽ ናይ ምተብብዒ ክታበት ምኽታብ ኣብ ክንዲ 7 ኣዋርሕ ናብ 4 ኣዋርሕ ተሰጋጊሩ ይርከብ።
ክታበት ንሕማም ንከይላብዕ ይሕግዝ ግን ካብ ሕማም ምሕላፍ ኣክልክልን ኢዩ።
ስለ`ዚ ኵሉ ግዜ ርሕቀትና ክሓሉ።፣ ኣብ ዝኾነ እዋን እንተደኣ ኮቪድ ሓሚምና ክንውሸብ ይግባእ፣ ካብ ዝሓመመ ሰብ እንው ንርሓቕ፣ ብፍላይ ዝኾነ ምልክት ፣ ምስ ዝስመዓና እውን ነብስና ካብ ካልኦት ነግልላ።
ኵሉ ግዜ ናይ ርሕቀት ንሓሉ ፣ ማስኪ መሸፈኒ ኣፍ ክንጥቀም ኣለና፣ ወላ ክታበት ንውሰድ፣ መምርሒ ክንክተል ይግባእ
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ