ስደተኛ ናይ ሓንቲ ሃገር ክንስኻ፣ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምንባር
እንታይ ኢዩ?
ከም ፈረንሳ ዝተቐበለትኩም ስደተኛታት መጠን፣ ኣብ ውሽጢ ካልኦት ሃገራት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምንቅስቓስ ትሕቲ 3 ኣዋርሕ ምስ ዝከውን ብዘይ ዝኾነ፣ ምምሕዳራዊ ወረቓቕቲ ፍሉይ ፍቓድን፣ ብናጻ ክትንቀሳቐሱን ክትጸንሑን ትኽእሉ ኢኹም።
እንተደኣ ኣብ ካልእ ሃገር ክትቅይሩ ደሊኹም ግን፣ ልክዕ ከም ኣብ ፈረንሳ ዘሎ l’OFPRA፣ መዘንኡ ምስ ዝኾነ፣መንግስታዊ በዓል መዚ ናይታ ክትግዕዝዋ እትደልዩ ሃገር ፍቓድ ከድልየኩም እዩ።እንተኾነ ግን ብዘይ ፍቓድ ናይዚ መስርሕ እዚ፣ ናብቲ ክትቅይርዎ እትደልዩ ሃገር ናይ ምቕያር ተለብኩም ፣ ውሑስ ኣይክኸውንን ።
ንመን ኢዩ ፧
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ብኸመይ ይኸውን
ብ ደብዳቤ ን ኦፍራ l’OFPRA ፍቓድ ምሕታት
እንተደኣ ኣብ ካልእ ሃገር ክትነብሩ ደሊኹም፣ ን ቤት ጽሕፈት l’OFPRA ደብዳቤ ብምጽሓፍ ሓብሩ። ኣብቲ ደብዳቤ ድማ ፣ ምኽንያት ድሌትን ክትቅይሩ ምድላይኩም፣ብግቡእ ኣስፍሩ።
ን ኣብነት፣ ሓደ ካብ ኣባል ቤተሰብኩም፣ ኣብ እታ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት ሃገር ስራሕ ዝለ ዝረኸበ/በት፣ ኣብታ ዓዲ ናይ ምስግጋር ጠለብኩም ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ።
- ደብዳቤኹም ናብዚ ኣድራሻ ምልኣኽ ይከኣል
OFPRA
201 rue Carnot
94136 Fontenay-sous-Bois Cedex
- ከምኡ እውን ብቐጥታ ኣብቲ ኣብ Fontenay-sous-Bois.ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ብምኻድ፣ ብኣካል ን ሰብ መዚ ኦፍራ ደብዳቤኹም ከተረክቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣድራሻና : 201 rue Carnot, 94136 Fontenay-sous-Bois
ሰዓታታ ስራሕ ን ሓፋሻ : ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓታት 9h ክሳብ 15 እዩ
ኦፍራ L’OFPRA ድማ ንጠለብኩም ናብ እታ ዝምልከታ ሃገር ተሰጋግረልኩም
L’OFPRA ን ጠለብኩም ናብ እታ ዝምልከታ ሃገር ናይ ምትሕልላፍ፣ ጠለብኩም ን ንኸማልእ መዚነት ኣለዎ።
እዚ ናይ ኦፍራ ተቕዋም፣ ወይ በዓል መዚ ፣ ንፋይልኩም ብምጽናዕ፣ እንተደኣ légitimité ወይ ግቡእ ኮይኑ ረኺብዎ፣ ን ጠለባዊ ፋይልኩም ናብታ ሃገር የስግሮ።
ጠለብኩም ተቐባልነት ምስ ዝረክብ
ኣቲ ናይ ዓዲ ምቕያር ጠለብሉም፣ ቅቡል ኮይኑ ተረኺቡ፣ ቤት ጽሕፈት l’OFPRA ኦፍራ ክሕብረኩም፣ ብኸመይ መስርሕ ምስግጋር ከም ዝሳለጥ ክሕብረኩም እዩ።
ብድሕሪኡ ዝቅጽል
ህይወትኩም ኣብ እታ ሓዳስ ሃገር ህነጹ
እቲ ኣሰራርሓ ናይ ኣባል ሃገራት ኣኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ፣ ናብታ ሓዳስ ክትነቡላ እትኸዱ ሃገር፣ ምስ ኣብኣ ዝርከቡ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተላ ማሕበራት፣ ርክብ ብምግባር፣ ናይ ምምሕዳራዊ ነገራትኩም ምስላጥ ይግብኣኩም።